2017-05-30 20:39:00

ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልና እንተዘይሰሚዕና እምነትና ይዝሕትል! ሥነሓሳባዊ ጥራይ ከኣ ይኸውን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 29 ግንቦት 2017 ዓምፈ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ‘ቅድሚ ዝኾነ ውሳኔ ምግባር መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ልብናን ሕልናን ከፊትና ንኣኡ ጽን ክንብል ኣሎና፣ ንእንገብሮም ነገራትን እንወስዶም ውሳኔታትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣለሊና እንተዘይከኣልና እምነትና ሥነሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ’ እንክብሉ መንፈስ ቅዱስ ዘይመርሖ ሕይወት ከንቱ ከምዝኾነን እምነትናውን ከምዝድስክልን ኣዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም ኣብዚ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተልስ ይኹን ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ብሓባር ንመዓልቲ ሓምሳ ማለት በዓለ ጰራቅሊጦስ ንምብዓል ኣብ እተሸባሸበሉ ዘላን ብዙሓት ዝተዓደሉ ከኣ ከምቲ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ብኩሉ ንክሕደሱ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጽባሕ ዕርገት ጀሚሮም፣ ናብ መንፈስ ቅዱስ ጽዑቚ ናይ ታሥዕቲ ጸሎት ኣብ ዘዕርጉሉ ዘለው ብዛዕባ እንታይነት መንፈስ ቅዱስን ሥራሑን እንክገልጹ ‘መንፈስ ቅዱስ ልባትና የንቀሳቅስ ንስምዒታትናን ርድኢታትናን ብኣስተንፍሶኡ የብርህ፣ ኣብዚ ሶሙነ ጰራቅሊጦስ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቊምስናታትናን ማሕበራትናን ክወርድ ጸልዩ ቢላ ትምሕጸን ኣላ፣’ ቢሎም፣ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት እቲ ቀዳማይ ካብ ግብረ ሐዋርያት 19 ዝተወስደ ኮይኑ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌውሶን ክሰብኽ ኣብ ዝኸደሉ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ምቅባሎም ምስ ሓተቶም እቶም ሕያዎትን ኣመንትን ሰብ ኤፌውሶን ‘ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዝረብ እኳ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን’ ምስ በልዎ ኣስተምሂሩ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቀበሉን ኩሉ ውህበታት ከምዝተዓደሎምን ይገልጽ፣

ኣብ ወንጌላት ከም እነንብቦ ብዙሓት ሰባት ከም በዓል ኒቆዲሞስ እታ ደብ ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ሳምራዊት ሰበይትን ካልእ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይትን ልቦም ብመንፈስ ቅዱስ ተንቀሳቂሱ ናብ ኢየሱስ ክቀርቡ ከምእንርኢ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ናባና ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንመንፈስ ቅዱስ ክሰምዕ እኽእልዶ! ቅድሚ ዝኾነ ውሳኔ ምግባረይን ሓንቲ ቃል ምዝራበይን ዝኾነ ነገር ምግባረይን መንፈስ ቅዱስ ከብርሃለይ እጽልዶ! ወይስ ልቢ ደሪቁ ብዘይምንም ስክፍታ ቀሲነ እነብር! ናይ ገለና ኣልባብ ኤለክትሮካርድያግራም ገርና እንተንዕቅኖ ምንም ስምዒት ዘይብሉ ከም ህዱእ ባሕሪ ሰጥ ኢሉ ምረኸብናዮ፣ ከምዚ ዓይነት ሰባት ኣብ ወንጌል እውን ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጠቂሶም እንረኽቦም ሊቃውንቲ ሕግስ ይኹኑ መሰልቶም ኣብ እግዚኣብሔር ይኣምኑ ነሮም ኩሉ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ይፈልጥዎ ነሮም ኮይኑ ግን ልቦም ተዓጽዩ ኣብ ዘለዎ ቈይሙ ብዝኾነ ጉዳይ ንከይህወኽ ንከይንቀሳቀስ ገሮሞ፣ ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ልባትና ከንቀሳቅሶ ነፍቀደሉ እንተዘየሎ እምነትና ደስኪሉ ሥነሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ እዩ፣ ምናልባት ሓደ ሰብ! ኣባቴ! ገለ ነገር ግበር ወይውን ናብ ሕሙም ብጻሕ ወይውን ገለ ቀይር ዝብል ኣብ ውሽጠይ ተሰሚዑኒ ኮይኑ ግን እዝስ ስምዒት እምበር ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ኣይክእልን ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ብወገነይ ጽቡቅ! ነቲ ስምዒት ጽን በሎ ግን መንፈስ ቅዱስ ንከብርሃልካ ኩነታት ኣለሊኻ ንክትክእል ንመንፈስ ቅዱስ እናለመንካ ጽን በሎ! ከምዚ ዓይነት ስምዒትን ምንቅስቃስ ልብን ዘይብሉ እሞ ከኣ ክንዮኡ ሓሊፉ ከለሊ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ዘይልምን ሰብ እምነቱ ዝሕልቲ ናይ ሥነሓሳብ እምነት እያ ክበሃል ይከኣል፣ ጸገም ናይቶም ሊቃውንቲ ሕጊ እዚ እዩ ነሩ፣ ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ንጉዕዞ ሕይወትናስ ይኹን ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ምርጫታት ከብርሃልና እልምኖዶ፣ ኣብ መንጎ ጽቡቅን ሕማቅን ዘሎ ፍልልይ ንከለሊ ጸጋ ክህበኒ እልምኖዶ!  ሎሚ ነዚ ክተስተንትኑ ሓደራ እብለኩም፣ ሓደ ነገር ናይ ምግባር ስምዒት ክመጸና ከሎ ተቀዳዲምና መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና እሞ ብጸጋኡ ሕራይ ወይ ኣይፋል ክንብል እምበር በእምሮና ኣሰላሲልና ጥራይ ክንውድኦ የብልናን፣ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ናብተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝጽሕፈ ደጋጊሙ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስትያን ዝብሎ ነገር ጽን ኢለን ክሰምዓ ይምሕጸን፣ ስለዚ ሎሚ ንሕናውን ነዚ ጸጋዚ ማለት መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርያና ዝብሎ ንቊምስናና ዝብሎ ንስድራቤትና ዝብሎ ወይውን ንነፍሲወከፍና ዝብሎ ጽን ኢልና እንሰምዓሉ ጸጋ ክዕድለና ንለምኖ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ቋንቋ እንመሃረሉ ጸጋ ይዓድለና፣’ ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.