2017-05-30 16:29:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዓን ጳጳሳት ኣልባኒያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


“ኣብ ጐድኒ ትሑታንን ዝተነጸሉን ሕዙናትን ዝዓረቑን እትኸውን ተዛታይት ቤተ ክርስቲያን”  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላም ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምርኻብን ብዛዕባ ህልው ኵነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገሮምን ንምዝታይ ካቶሊካውያን ብፅዓን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣልባኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ እቲ ርክብ ኣብ ኣልባኒያ ናይ ስኩታሪ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኣልባኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ማሳፍራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕትት፥

እቲ ርክብ ነታ ኣብ ኣልባኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጸጋ እዩ። ምስ ቅዱስ ኣቦናን ምስ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳውያን ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓለፍቲ ብፁዓን ካዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ዝካየድ ርክብ ምስታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን ምትእስሳርን ውህደትን ዘጽንዕን ዘረጋግጽን ክኸውን እንከሎ ካብኡ ሓሊፉ እውን ምምስኽካርን ምንጽጻርን ዝካየደሉ ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ምዕዳን ዝዕደለሉን ንማሕበረ ክርስቲያን ብእምነት ዘጽንዕ  እዩ”

ኢሎም።

“ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልባኒያ ኣሳዶን መከራን ዘጋጠማን ብዙሕ ዝተሳቐየት እያ ሎሚ ተንሲኣን ኣብ ጐዳና ጉዕዞ ትርከብ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን ስደትን ስቓይን መከራን ዝተኸፍለ መስዋዕትነት ድማ ሎሚ ኣፍሪዩ ብዙሕ ለውጥን ዕብየትን ክዕተር ይገብር ኣሎ። ባህልን ህዝብን ብወንጌል ክስበኽን እቲ ዝቐርብ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ኣልባኒያ ባህልን ማሕበራዊ ጉዳይን ኵሉ ግምት ዝህብን ናይ ኣልባኒያ ማሕበራዊ ጭቡጥ ኩነት ንሱ ድማ ህብረ ሃይማታውነታ ዓቢይ ግምት ዝህብ እዩ፡ እቲ ዓብይ ብድሆ ድማ ዋሕዲ ጸዋዕታ ደቂ ሃገር እዩ። ስለዚ ነዚ ንምብዳህ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ብቃቓልን ሕይወትን ምብሳር ወሳኒ ምዃኑ ተኣሚና ጸዋዕታ ኣብ ምንቕቓሕ ትርከብ ኣላ”

ምስ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ብምትሕብባርን ብናይ ሓባር ዘተን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ንምትካእ ዘይኰነ ፖለቲካን ትግባረ ፖለቲካን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን መንግስቲ ሕዝቢ ምዃኑ ዝኣምን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሽግርን መከራን ድኽነትን ዝርከቡ ገዛእ ርሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቅም ንዘይብሎ ዝሓስብ ሰብኣውነትን ጥቕሚ ሃገርን ሕዝብን ዝብል ፖለቲካ ክረጋገጽ ትሓንጽ፡ ቤተ ክርስቲያን ቀደምን ሎምን ሕያዋይ ጓስ ኣብ ምንባር እያ እትዓብይ”

ከምቲ ቀዲሞም ዝበልዎ ቀዳማይ ጸገም ዋሕዲ ጸዋዕታን ኤኮኖሚያዊ ርእሰ ምርኰሳ ምዃኑ ደጊሞም ብምዝኽኻር ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ክውንነት ኅብረ ሃይማኖት ናይ ሽግርን ውጥረትን ዘይኰነ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሰረት ከምዝዀነን እዚ ክብሉ እንከለዉ ግና ሓሓሊፉ ብዜና ከምዝግለጽ መኽረርቲ ሃይማኖት ከምዘለዉን እዚ ግና ነቲ ኣብ ኣልባኒያ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ናብራ ዘናውጽ ከምዘይኰነ ባዕሎም ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሰላምዊ ናይ ሓባር ናብራ ተመክሮ ጠቒሶም፡ ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኣልባኒያ ሃይማኖት ሱር ዝሰደደን ሕብዚ እውን እማኒ እንተዀነ ከምቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ግብን ዘግልል “ኢመንፈሳውነት” ባህሊ ይቀላቐል ከምዘሎን፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ብምስትውዓል ድማ ከምቲ ኣብ ወንጌል እነንብቦ ነቶም ተስዓን ትሽዓተን ሓዲግካ ነታ ዝጠፍሔት ሓንቲ ምድላይ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልባኒያ ብምንቕቓሕ ብፍላይ ናይ ሕዝቢ ሃይማኖተይናነት ክህነጽ ዘለዎ ምዃኑ ተኣሚና እምነት ብስነ መጐት ዘስፍሕ ሕንጸት እውን ከማተቕርብ ገሊጾም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልባኒያ ናይቲ ናይቶም ዕለት 5 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ብፅዕና ዝተኣወጀሎም 38 ሰማእታት ደቃ ደም ዝጠጥዓን ብታሪኽን ባህልን እዚያ ሃብታም ከምዝዀነትን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተሓሳብዎ ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ናብ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን እተብልን ፍትሕን ሰላምን ሓቅን ዝሓቍፍ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ ምሕረት ዝተኰረ ስልጣናዊ ትምህርቲ መምርሒ ገይራ ካብ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽብ ድልድል ኣብ ምሕናጽ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.