2017-05-27 17:12:00

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሊጉርያ፥ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ናይ ሊጉሪያ ሰበኻ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሓባበርቲ ዓለማውያን ምእመናን ምስ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘራኽቡን ክዀኑ ምዒዶም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሊጉሪያ ክፍለ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ተመሃሮ ዝርአ ክህነትን ደናግልን ናይ ሊጉሪያ ሰበኻ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሓባበርቲ ዓለማውያን ምእመናን ኣብታ ክፍለ ሃገር ናይ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕት ኣብ ከተማ ጀኖቫ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ሎረንዞ ተራኺቦም።

ኣብቲ ርክብ ድማ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ንቕዱስ ኣቦና ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ መላለዪ መልእኽቲ ኣስሚዕም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስ ኣቦና ብቐጥታ ካብቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ንዘቕረቡሎም ሕቶ መሠረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓደ ቆሞስ፥ “ኣብዚ ዝተሓላለኸን እዋናዊ ርቡጹን ምዕቡልን ዓለም ከምኡ እውን ምስቲ እትፍጽሞ ምሕደራዊ ዕዮ ዝኣመሰሉ ተገማሚዕካን ፋሕ ጭንግራሕ ዝብለ ሕይወት ክትነብር ዘገድድ ኩነት ኩሉ ኣጣሚርካ ዓሚዩቕን ውዕዉዕን ጽዑቕን መንፈሳዊ ሕይወት ከመይ ገርካ ምንባር ይከኣል?”  ካልኦት ዝቐረቡ ሕቶታት ኣጠቓሊሎም፥

ቅዱስ ኣቦና መልሶም እንከቕርቡ ዝያዳ ንኢየሱስ ኣብ ምምሳል ምስ እንዓብይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትና ብዝበለጸ ነሳልጥን ብሉጽ እውን ይኸውን። እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ መምዘኒ ክኸውን ዘለዎ ንኢየሱስ ምምሳል፡ ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ምንባር፡ ከም ጓሳ ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ከመይ ኢዩ ዝመስል? ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ እዩ። ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ከምዝነበረ ብዝተፈላለየ መገድን መልክዕን ሕብረ ሓሳቡ ይገልጽዎ። ኣብ መንጐ ሕዝቢ፡ ህዝብታት እንክብሉ ይዛረቡ። ደቀ መዝሙርን ሕዝብን ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን እናበሉ ይዛረቡ። ስለዚህ ኢየሱስ ኣብ ጉዕዞ ከምዝነበረ የነጽሩ። ኣብ እነንቦም ወንጌላት ናይ ኢየሱስ ዕለታዊ መራሓ ግብርታቱን ሰዓታቱን ከመይ እዩ ኔሩ ቢልና እስከ ንሕተት። ብሓቂ ሰዓታቱን መርሓ ግብርታትን ንምግማቱ ዘጸግም ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግና ከም እንርድኦ ኢየሱስ ሕይወቱ ኣብ ጐዳና እዩ ዘሕልፎ ነሩ፥ ወትሩ ጉዕዞ። ወትሩ ኣብ መንገዲ። እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ንሕዝብን ንናይ ሕዝቢ ጸገምን ዕለታዊ ሕይወትን ቀረባ ምንባሩ እዩ ዘረጋግጸልና።

ካብ ሕዝቢ ተሓቢኡ ተፈሊዩ ዝነበር ከምዘይነበረ ነስተውዕል። ጸሓይ ምስ ዓረበ ግና ምስ ኣቡኡ ክኸውንን ንኽራኸብን ክጽልን ፍልይ ይብል ኔሩ። እዚ ዓይነት ኣብ መገድን ኣብ ጸሎትን ናይ ኢየሱስ ምንባር ንዓና ነቲ ቡዙሕ እዋን ኣብ ጐደና ዘይኰነ ወትሩ ርቡጽ ንዕለታዊ ሕይወትና ዓቢይ ደገፍ እዩ። ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም፥ “ኢየሱስ ህዉኽ ኰይኑ ዝተረኣየሉ እዋን እንተነበረ ናብ ሕማማት ናብ መስቀል ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ እዩ ይበሃል። ቆሪጹ እዩ ናብ እየሩሳሌም ዝኸደ”  ሰዓት እናረኣኻ ሕጂ እዚ ክገብር እየ ደሓር ልክዕ ሰዓት ክንድዚ ድማ እቲ ክግበር እዩ ኣበሃህላ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣግባብ ኣይኰነ። ኢየሱስ ኣብ ሰዓት ዝተሓጽረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣይነበሮን። ኢየሱስ ብዘይ ገለ ስራሕ ወይ ድማ ኣገልግሎት ብዙሕ እዋን ከምቲ ኣንሕና ወይ ከኣ መብዛሕትና እንነብሮ ዘትጠጥው ሕይወት ኣይፈልጦን እዩ። ዘንጠጠወሉ እዋን ኣይነበረን። ምእንቲ’ዚ እቲ ዝቐረበለይ ሕቶ ብሓቂ ዓቢይ እዩ። ደስ ዘበለኒ ሕቶ እዩ፡ ስለምታይ ነቲ ሕቶ ዘቕረበ ከቕርቦ ዝኸኣለ ድማ ወትሩ ዝጓዓዝ እምንበር ኣብ ደውታ ዘየለ ምዃኑ እዩ ዘነጽር። ምንቅስቓስን ምጉዓዝን ከምኡ እውን ናይ ጊዜ ዝርጋሔ ወይ ከኣ ብታነ ከፍርሓና የብሉን። ዝዓበየ ፍርሒ ክህልወና እንተድኣ ኰይኑ ክንግምቶ እውን እንተድኣ ኰይንና ዘንጠጥው ሕይወት እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ፍርሒ። ዘንጠጠወ ዘይንቀሳቐስ ዕኑድ ሕይወት እዩ ከፍርሓና ዘለዎ። ናይ ሓደ ካህን ሕይወት፡ ኩሉ ዝተሰርዐ መስመሩ ዝሓዘን ዝተተኻኸለን ብስርዓት ዝተወደነን ሰዓቱ ዝሓለወን ሰዓት ክንድዚ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ይኽፈት ሰዓት ክንድዚ ድማ ይዕጸው፥ እወ ኣነ እዚ የፍርሓኒ ዕኑድ ሕይወት ዝንበር ክህነት የፍርሓኒ። ከምኡ ኣብ ጸሎት ዕኑድ ሕይወት እውን የፍርሓኒ፡ ካብ ሰዓት ክንድዚ ክሳብ ሰዓት ክንድዚ ምስ ኢየሱስ ክራኸብ ዘይኰነስ ብኢየሱስ ንኽትርከብ ምፍቃድ እዩ እቲ ዘድልይ? እቲ ኣነ ነቲ ዘይንቀሳቐስ ፍጹምን ኩሉ ኣስሪዑ ንዝነብር ካህን ክብሎ ዝደልይ፡ ስነ መዋቕርነት ዝተላበሰ ሕይወት ክርስቲያናዊ ሕይወት ኣይኰነን እየ ዝብል። ቅዳሴ ይቕድስ እዩ እወ ክቕድስ ኣለዎ። ግና ከምዚ ዓይነት ስነ መዋቕራዊ ሕይወት ክርስትያናዊ ሕይወት ኣይኰነን። ሰብ እምነት ምዃን እዩ ዘድልይ። በዓል እምነትን ሰብ ሰናይን ብጸጋ እግዚኣብሔ ዝነብርን ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ትካል ማለት እዩ። ኩሉ ግዚኡን ሓይሉን ዓቕሙን ኣብ ትካሉ። ኢየሱስ ናይ ጐዳና ሰብ እዩ ዝነበረ። ተጓዓዚ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግርምኖት ምድናቓት ክፉት እዩ፡ ኩሉ ወዲቡን ኣዋዲቡን ኣዋቒሩን ዝነብር ካህን ብዙሕ ጊዜ ንናይ እግዚኣብሔር ኣድናቖትን ኣግርሞትን ዕጹው እዩ። ናይቲ ምስ እግዚኣብሔር ምራኻብ ዘሕድሮ ምድናቕ ዝፈጥሮ ሓጐስ ይስእን። ኣብ ዘይትሓስቦን ዘይትጽበዮን ሰዓት ኢየሱስ ይበጽሓካን የደንቐካ ግና ነዚ ዓይነት ምድናቕ ክፉት ምዃን የድሊ። ኣብ ጐዳና ጉዕዞ ምህላው። ዓለም ከምዚ እዩ። ጉዕዞን ምጉዓዝን ናይ ሕይወን ህላዌን ምልክታ እዩ። ሓደ ኣቦ ሓንቲ ኣደ ሓደ መምህር ንኸምዚ ዓይነት ሕይወት ዝተቓልዔን ኣብ ከምዚ ዓይነት ምጠት ወይ ድማ ውጥረት ዝነብር እዩ። ዘፍቅር ልቢ ገዛእ ርእሱ ምሃብ ዝፈልጥ እዩ፡ ነኸምዚ ዓይነት ኣቃልቦ ቅሩብነት ድልውነት ዘለዎ እዩ። ገለ ገለ ሰብ ድማ ኣይ ኣነ ኣብ ማሕበር መናንያን ገዳም እየ ዝኣትው እዚ ዓይነት ምጠት ድዩ ውጥረት ክህልወኒ ኣይደን ይብል ይኸውን። እቶም ገዳማውያን መነኩሳትን ናይ ምድረ በዳ ኣበው ናብ ምድረ በዳ ዝኸዱ ዝነበሩ እኰ ካብ ቃልሲ ንምምላጥ ዘይኰነስ ንምቅላስ እዩ። ነቲ ዓይነት ውጥረትን ምጠትን ንምቅላስ እዩ። ወንጌላውያን ክልተ ናይ ኢየሱስ ኩነታት የቕርቡልና፥ እቲ ቀዳማይ ምራኻብ ምስ ኣቡኡ። እቲ ካልኣይ ድማ ምራኽብ ምስ ሕዝቢ (ሰባትን)፡ ካብቶም ዝራኸቦም መብዛሕቲኦም ስኡናትን ጽጉማትን ኣብ ከቢድ ኩነት ዘነብሩ ህሙማን ዕሩቓትን ሓጥኣንን ናይ ዲያቢሎስ መንፍስ ዘጻወዶምን ዝተነጸሉን ሕማም ደዌ ዝሓደሮምን እያቶም ዝነበሩ። ምስ ኣቦ ኣብ ምራኻብ ምስ ኣሕዋት ዘራኽብ ርክብ እዩ። እቲ ምስ ኣቦ ምርኻብ የምጥጥ ምስ ሓው ክትራኸብ ይድርኽ። ስለዚህ እቲ ርክብ በዚ መንፈስ እዚ እዩ ክንበር ዘለዎ። ንስኻ ካህን ምስ እግዚኣብሔር ምስ እትራኸ ምስ ኣቦን ምስ ኢየሱን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምስ እትራኸብ ምስ ምእመናን ትራኸብ። ንርክብ ዝዕንቅጽ ምንም ዓይነት ዓጋቲ መንደቕ የልቦን፡ ርክብ ዝዕንቀጽ ምንም ዓይነት ወግዓውነት ስርዓት የልቦን ንኣብነት ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ሓደ ሰዓት እትምብርከኽን እትጽልን ትኸውን ምስ ጐይታ ዘየራኽብ ጸሎትን ብዘይ ምስ ኢየሱስ ምራኻብ ጸሎት ልክዕ ከም ሕንጻይ ምዃን ማለት እዩ። … እትጽልይ እንተድኣ ኰይንካ፡ ትጽልን ምስ ጐይታ ትራኸብን። ጽን በል ሱቕ በል ጽሞና ግበር ብጐይታ ንኽትርከብን ንኽትጥመትን ፍቐድ ገዛእ ርእስኻ እነዀልካ ይኹን። እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.