2017-05-19 13:23:00

፮ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 13 2009 ዓ.ም. (5/21/ 2017)


ምስባክ: በልዑ ወጸግቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ። “በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ፥ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ ካብቲ ዝተመነይዎ አይከልከሎምን”። መዝ። 78፡29

፮ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ንባባትና አብ “ፍቕሪ ኢየሱስን አብ ምሕላው ትእዛዛቱ” ክንወፍር ከምዘሎና የዘኻኽሩና።

ትሕዝቶ ንባባትና ስብከት መለኮታዊ ህላዌ መንፈስ ቅዱስን፥ ተልእካዊ ዘመን ክርስትያንን ሓለዋ መንፈስ ቅዱስ አብ ኩሉ ጉዕዝኦም ዝነግር እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ዝተነበትና አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወትና እንከሎና ክንክተሎ ዝግብአና መገዲ ይሕብረና። እዛ እንነብራ ዓለም ሓላፊት እያ አብታ ዘይትሓልፍ ንወትሩ ዝኾነት ቤትና ኢና ንጉዕዛ ዘሎና ስለዚ አካይዳና አነባብራና አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን ይሓተና። ብዝጓነፈና ጽቡቕ ነገር ወይ እውን ክንርድኦ ዘይንኽእል ጸገም ከይንዝንግዕ ይላበወና። ሕማም ሞት ፈተና ከምኡ ሃብቲ ድኽነት ግዝያዊ እዩ፥ ተታሊልና ዘይትርጉሞም ሂብና ካብ አምላኽ ከይንወጽእ ይነግረና።

ጳውሎስ አትሪሩ እዚ እንነብሮ ዓለም ክሓልፍ ከም ዝኾነ ኲንኡ ርኢና ክንክእል እሞ ምሉእ እምነት ገርና ክነብር ክንፍሊ ይነግረና። አብ ጉዕዞ ሕይወት ምውዳቕ ምትንሳእ ዘሎ እዩ ግን ምሉእ እምነት እንተ ገበርና መጻኢና ብሩህ ኮይኑ ክርአየና እዩ ይብለና። ዕርቡን ድሕነት ተከፊሉልና እዩ ዝተረፈ ካባና ስለ ዝኾነ ንድሕነት ነፍስና ክንጽዕት ይመኽረና።

ክርስትያን ብተስፋ እዩ ዝነብር።

ቅ. ጴጥሮስ አብ ካልአይቲ ንባብና አብ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕነት ስቓይ ክንሳተፍ ክንገብሮ ዘሎና እናገለጸ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራ ኸአ ቀንዲ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ። ክርስቶስ ብሕማማቱ መድሕንን አርአያ ንክርስትያን እዩ፥ ንሱ እዩ ምስ አምላኽ ሓድነት ዝፈጥረልናን ከም ክርስትያን ማዕረ ክንደይ ክነፍቅር ከምዘሎና ንድላይ አምላኽ ዝገልጸና። ጴጥሮስ ክርስቶን ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ኃጢአትና ሞተ፥ ናብ አምላኽ መታን ከቕርበና ጻድቕ ከሎ ምእንቲ እቶም ኃጥአን ሞተ ይብለና፥ ቀጺሉ ክርስትያናዊ ግቡእ ክፍጸም ከምቲ ዝድለ ኩሉ ጊዜ ዕጡቓት ክኾኑ ይነግር። አብ ክርስትያን ዝወርድ ስቓይ ምናልባት በቲ ዝሰበኽዎ ዝወረዶም ክኸውን ከም ዝክአል እናገለጸ መለለይኦም ተስፋ ኮይኑ ንኹሉ እቲ ብሰንኪ ክርስቶስ ዝወርድ ከም ቅቡል ክጽበይዎ ይነግረና። 

ካብ ግ.ሓ. 8 ዝተነበና ብዛዕባ ንቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ናብ ኩሉ ከባቢ ዝተዘርግሐ ስደት ከም ዝወረደ ከምኡ ሰብ ሰማርያ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሉ ይነግረና። ዝሓለፈ ሰንበት አብ ምምጋብ ዘገልልጉ ሾውዓተ ድያቆናት ብህዝቢ ተሓርዮም የገልግሉ ከምዝነበሩ አንቢብና። እዞም ድያቆናት ቀልጢፎም ተልእክኦም አብ ስብከተ ወንጌል ቀይሮሞ። ሓደ ካብዞም ዕዉት ስብከት ዘካየደ ፍሊጶስ እዩ። ንሱ ስብከቱ አብ ሰማርያን ከባቢአን እናአጠመቐ ብዙሓት አብ ማሕበር ክርስቶስ ጸምቢርዎም። ጴጥሮስን ዮሓንስ ነዚ ዕዉት ተልእኮ ምስ ሰምዑ አብኡ ከይዶም እቲ እምነቶም ብዝያዳ ክጸድቕ መንፈስ ቅዱስ ብአንብሮ ኢድ ሃብዎም። አብዚ ምስጢረ ሜሮን አብ ቀዳሞት ክርስትያን ብኸመይ ይፍጸም ከምዝነበረ ሕጂ እውን ከመይ ገርና ከም እንፍጽሞ ዘሎና ክንርኢ ንኽእል።

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ቅ. ዮሓንስ 14 ነቲ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ከሰናድዎም ኢሉ ዝሃቦ ናይ ስንብት ቃላት እዩ ዝቕጽል። አብዚ ንሕማማቱን ሞቱን ጥራሕ ከሰናድዎም ዘይኮነ ንትንሣኤኡን ዕርገቱን እውን እዩ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ብዝተፈለየ መገዲ አብ መንግኦም ከምዝህሉ ገሊጽሎም። እዚ ዅሉ አብ ድራር ጸሎተ ኃሙስ እዩ ኢልዎም፥ ንባብና ካብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝሓደግናዮ ይጅምር። አብ ዝሓለፈ ሰንበት አብ ኢየሱስ ምእማን እዩ ዘተኩር ነሩ፥ አብዚ ሰንበት ግን አብ ኢየሱስ ምፍቃር እዩ ዘተኩር። እቶም ንኢየሱስ ዘፍቅሩ ትእዛዛቱ ይሕልዉ። ብኻልእ አዘራርባ ኪዳናዊ እምነት ካብ ፍቕሪ እዩ ዝፍልፍል። ኢየሱስ ብአካል ካብዚ ዓለም ክፍለን ናብ ሰማያዊ አብኡ ከም ዝምለስ እሞ ብአካል ምስኦም አብ ዘይህልወሉ ጊዜ ካልእ ጠበቓ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ናይ ሓቂ መንፈስ ወትሩ ምስኦም ዝኸውን ከም ዝሰደሎም ነጊርዎም።

ጠበቓ ዝብል ካብ ግሪኽ ዝተተርጎመ ኮይኑ ካብ ጰራቅሊጦስ ዝብል ዝተወስደ እዩ ብዙሕ ትርጉም ዘልኦ እዩ፥ መኻሪ፥ መጸናንዒ፥ ሓጋዚ፥ አማላዲ፥ መጽንዒ። ቃል ንቓሉ ክርአ እንከሎ ሓደ ክሕግዝ አድላዪ አብ ዝኾነ አብ ጎኒ ዝኸውን ማለት እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ሓዋርያት ክርበሹ ወይ ክፈርሑ የብሎምን ምኽንያቱ በይኖም አይክኾኑን እዮም። መንፈስ ቅዱስ እቲ ጠበቓ ኩሉ ጊዜ ክኸላኸለሎም፥ ምእንትኦም ክልምንን ከጸናንዖምን ምስኦም ክህሉ እዩ። 

አብ ዓለም ብዙሓት ንመንፈስ ቅዱስ አይፈልጥዎን እዮም። ዓለም አብዚ ነቶም ምእንቲ ርእሶም ጥራሕ ዝነብሩ፥ ንዝኾነ ሰብ ይኹን ካልእ ነገር ምእንቲ ጥቕሞምን ምቾት ርእሶምን ጣዕምን ዝተፈጥሩ ገሮም ዝርእዩ እዩ ዘስምዕ። ከምዚኦም ዝአመሰሉ ጨሪሾም ጸማማት ንመንፈስ ቅዱስን ንልኡካቱን ምስማዕ ዝአብዩ ሰብ ተረርቲ ልቢ እዮም። ሓዋርያት ግን ይፈልጥዎ እዮም ምኽንያቱ ምስኦም ስለ ዘሎን ምስኦም ክህሉ ስለ ዝኾነን። ወላ እኳ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሓድገኩም እየ ምስ በሎም ዝተረበሹን ነቲ ሓሳብ እንተ ዘይፈተውዎን ከም ዝምለሶም አረጋጊጽሎም እዩ፥ ብኻልእ መልክዕ ይኹን እምበር ቀጺሉ ምስኦም ክህሉ እዩ። ዘኽታማት ኮንኩም አይክሓድገኩምን እየ፥ መንፈሰይ ምሳኹም ክሳብ መጨረሻ ክህሉ እዩ።

ዝኽትምና ከቢድ ነገር እዩ ብዝያዳ ኸአ ዝኽትምና መንፈስ። አብ ሕይወትና ዋሕስ ስኢና እንጉዓዘሉ ውሑድ አይ ኮነን እዚ ኸአ በቲ ዝመረጽናዮ ሕይወት እዩ። ኢየሱስ ሎሚ እውን ዘክታማት አይኮንኩምን ምሳኹም አሎኹ ይብል አሎ። ብቤተ ክርስትያኑ ብቃሉን ብምስጢራቱን ምሳና አሎ፥ ርኢና ንኽአል እምበር ዘኽታማት አይ ኮናንን መንፈስ ቅዱስ መጸናንዒ ተቐቢልናዮ አሎና። 

ቀጺሉ ኢየሱስ በቲአ መዓልቲ እታ ናብ መስቀል ምስተሰቕለ እሞ አብ ግርማ ምስ አተወ ሽዑ አብ ሰማያዊ አቦ ከምዘሎ ከለልዩ ምዃኖም ነጊርዎም፥ ንሳቶም አብኡ ንሱ ኸአ አብኦም ከምዘሎ ክፈልጡ ነጊርዎም። እዚ ኸመይ ኢሉ ክኸውን እዩ? አብ መጨረሻ ዓረፍተ ነገር ተጠቕሊሉ ክንረኽቦ ንኽእል፥ እቲ ንትእዛዘይ ተቐቢሉ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ አቦይ የፍቅሮ እዩ፥ አነ እውን አፍቅሮ እየ ርእሰይ ከአ እገልጸሉ (ዮሓ 14፡21)። ንአምላኽ ነፍቅሮ ኢና ክንብል ከሎና ፍቕርና ብቐጥታ አብኡ ንገልጽ አሎና ማለት አይኮነን፥ ፍቕርና አብቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ብዘይ ዝኾነ ተዓቅቦ ክንዝርግሖ ከሎና እዩ። እቶም ኩሎም ንኢየሱስ ዘፍቅሩ ካብ ሰማያዊ አቦ ፍቕሪ ክቕበሉ እዮም። ግን ከመይ እንተ ገበርና ኢና ንኢየሱስ እንፍቅሮ? ንኢየሱስ እነፍቅሮ አብ አሕዋትናን አሓትናን ክነፍቅሮ እንከሎና እዩ። ሕይወትና ብኸምዚ ክነብር እንከሎና ሽዑ ናይ አምላኽ ፍቕሪ አብ ሕይወትና ክነስተምቕር ኢና፥ ነቲ ምስኡ ዘሎና አፍልጦ ከአ እናዕበናዮ ክንከይድ ኢና።

ዘመነ ትንሣኤ ነቲ አምላኽ ከድሕነና ዝገበሮ ጥራሕ አይ ኮነን ዝነግረና። ንሕና ብወገና ናይ ብሓቂ ደቂ ትንሣኤ ኮና ክነብር ኩሉ ጊዜ ንመንፈስ ትንሣኤ አብ ውሽጢ ልብና አሕዲርና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ እዩ ዝድለ።

ሓደ ካብቲ ሎሚ ደጋጊሙ ዝንገረና ዘሎ እምብአር ንኢየሱስ አፍቂርካ ምኽአል እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ክርስትያናዊ መጸዋዕታና እዩ። ኩሎም እቶም ትእዛዝ ክርስቶስ ዝሕልዉ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝቕበሉ ተስፋ ተዋሂብዎም አሎ። መንፈስ ቅዱስ እቲ ጠበቓና ቀስ ኢሉ ነቲ ክንከዶ ክንዕርዮን ዘሎና መገዲ ክነግረና፥ አብ መንጎ ርክባትና ዘሎ ነገራት ብመንፈስ አምላኽ ክንፍትሽ እሞ ርኢና ክንክእል አባና ይመጽእ። እዚ ጠበቓና ናይ ሓቂ መንፈስ ካብ አምላኽ ህያብ እዩ። ካብ አምላኽ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ጉድአት አየምጽአልናን፥ ጌጋ አይገብርን፥ አብ ክፉእ አይመርሓንናን እዩ። አብዘይተጸበናዮን ዘይደለናዮ መገዲ ክንከይድ ክንምራሕ ይክአል እዩ፥ እንተ ኾነ ብሓቂ ንአምላኽን ንኹሉ ህያባትን ብሓቂ ክንቅበል ክፉታት እንተ ኾና ንሱ አብ ዝመርሓና ክንከይድ ድላዩ ምዃኑ አለሊና ፍቓደኛታት ምዃን የድልየና። እምብአር እንደገና ንርእስና ንሕተት፡ መፈስ ሓቂ አብ ልብናን ሕይወትናን ክአቱን ምሳና ክኸውን ብሓቂዶ ንምነዮ ኢና? ነዚ ሕቶ ክንምልስ ርግጸኛታት እንተ ዘይኮና ንጸሊ፥ ጸሎትና ንቅዱስ መጽሓፍ ክንሰምዕ፥ ንአምላኽ ኩሉ ጊዜ ክንቅበሎ ስንድዋት ክንከውን፥ ኢየሱስ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ክጽውዓና እንከሎ ኩሉ ጊዜ ቅሩባት ኮና ንጽንሓዮ። መዓልታት ጴራቅሎጦስ እና ተቓረበ አብ ዘሎናሉ ጊዜ ብመለኮታዊ ህላዌ መንፈስ ቅዱስ መሊእና ክንርከብን አብ ክርስቶስ ዘሎና ፍቕርን ካብኡ እንረኽቦ ነጻነት እቲ ተተስፊውና ዘሎ ክውሃበና ንጸሊ።

ደቂ ቅርስትና ደቂ ተስፋ ኢና። እዚ ካብ ካልኦት ዝፈልየና ምልክትና እዩ። ግን ደቂ ተስፋ ከምዝኾና ንሓስበሉ ዲና? ብሓቂ ዶ ተስፋ ብምግባርና ንፍለጥ ኢና። ተስፋ ዝብሃል አብቲ አብዚን ሕጅን ዝጓነፈካ አይኮነን መሰረቱ። ወላ አብ መጻኢ ክትገብሮ ወይ ክትቅበሎ ዘሎካ አይ ኮነን ዝምስረት። አብ አምላኽ ብምሉእ እዩ ዝምስረት፥ አብቲ ብአምላኽ ከም እንፍቀር ርግጸኛታት አብ ዝኾናሉ እዩ መሰረቱ ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ከምኡ ኢሉና አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ከአ ብግብሪ አርእዩና። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ደአ ኮይኑ እምነትና ተስፋና ብላሽ እዩ። ዘመነ ትንሣኤ አብ ምውዳእ አብ ዝቐረበሉ እዋን ንርእስና ሕቶታት ክነቕርብ ጽቡቕ እዩ። ብሓቂዶ ብተስፋ እነብር እየ? ናይ ተስፋ ሰብ ድየ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና ተስፋ ትንሣኤ ሰሪጽና አሎ ማለት እዩ።ተስፋ ንሓደ ክርስትያን ንጉዕዞ ሕይወቱ መብራህትን ስንቅን እዩ። ብተስፋ ንኹሉ ፈተናን ጸገማትን ክንሰግሮም ንኽእል። ሓደ ክንዝክሮ ዘሎና እዚ ተስፋ አብ ኃይልና አብ ጽንዓት አብ ክእለትና አይኮነን ዝምስረት፥ ብምልኡ አብ ፍቕሪ አምላኽ ብክርስቶስ አብ ትንሣኤኡ ዝተገልጸ እዩ። 

ብርሃን መገድና ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ አብ ልብና ኃዲሩ እሙናት መፍቀርቲ አምላኽን አሕዋትናን ኮና ክነብር ብጸግኡ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.