2017-05-16 12:04:00

እግዚኣብሔር ናይ ሰላም ጸጋ ክዕድለና ካብ ምልማኑ ኣይነቋርጽ! ር.ሊ.ጳ


ካብ ዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 19 ክሳብ 21 ግንቦት 2017 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ሉርድ ‘ኦ ጐይታ ሰላም ሃበና` ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 40 ሃገራት ዝተዋጽኡ 12 ሺሕ ዝኾነ ወተሃደራት ዝሳተፍዎ መበል 19 ዓለምለኸ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ወተሃደራዊ ጉስነት ነፍሳት ሓለፍቲ ክካየድ እዩ፣ ነዚ ንግደትን ጉባኤን ብዝምልከት ብስም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ከምዝተላእከት ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ፣

ኣብዚ መልእኽት’ዚ ቅዱስንቶም ብቀዳምነት ነቶም ‘ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክነግሥ’ ዝተኻእሎም ዘበርክቱ ንዘለው ኩሎም ኣመስጊኖም።  `እግዚኣብሔር ነቲ ደቁ ምእንቲ ዕርቅን ሰላምን ዘቅርብዎ ምህለላ ክቅበልን ናይ ሰላምን ሕውንትን ምትሕብባርን ተዋሳእቲ ብምህብ ክምልስ’ ንክጽልዩ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ‘ኣብዚ ስቃይን ጭንቅን ዝመልኦ ዘመንና ደቂ ሰባት ክዝክርዎ ዘለዎም ቀንዲ ውራይ ሰላም ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ምዃኑን። እግዚኣብሔር ነዚ ናይ ሰላም ጸጋ ክዕድለና ከኣ ካብ ምልማኑ ኣይነቋርጽ!   እንክብሉ ሓደራ ቢሎም፣

ካብዚ ብምቅጻል ኩሎም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝተዋፈሩ ነቲ ኣብዚ ዓለምና ኣጸጋሚ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ‘ክፍኣተ ግብርን ጽልእን’ ንምስዓርን ‘ሓቀኛ መሰኻኽር ናይ ሓቂ’ ንክኾኑን ኩሎም ወተሃደራት ናብ ክርስቶስ ክጥምቱን ብኡ ከተኣማመኑን ሓደራ ኢሎም፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ቅዱስነቶም ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዝኾኑ ምናዳ ኸኣ ኣብ ጐድኒ እቶም ‘ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሓደጋ ዝርከቡ’ ብምዃን እኖና ድንግል ማርያም ዘሉርድ ክትሕልዎም ናብኣ ኣማዕቊቦም እንክብሉ መልእኽቶም ደምዲሞም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.