2017-05-15 19:25:00

፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 6 2009 ዓ.ም. (5/14/2017)


ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡50-ፍ፥ ፩ጴጥ 2፡4-9፥ ግ.ሓ. 6፡1-7፥ ዮሓ 14፡1-12  ስብከት፡ “እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።

አብ ፪ይ ውግእ ዓለም አብ ማላያ ዝተባህለ ዓዲ ሓድ ምሩኽ ወተሃደር ካብ ቤት ማእሰርቲ ክመሊቝ ዕድል ረኺቡ። ካብ ማእሰርቲ አብ ምውጻእ ዝሓገዞ ሓደ ወዲ ዓዲ በቲ ጽዑቕ ዱር ናወደቑን ተንስኡን ነጻ ገርዎ ንዓዱ ከም ዝምለስ ገርዎ። አብ መገዲ ገለ እዋን መገዲ ይጠፍኦም ምስኡ እሾኽን ቆንጠጠፈና ካልእ ግራጫትን ንጉዕዝኦም ከቢድ ገርዎ ከምኡ ዓቐብን ቍልቍለትን እናኸዱ ከለዉ ሰብአይ ብጣዕሚ ደኺሙ ጸሚኡ ተስፋ ቆሪጹ ነቲ ዝምረሖ ዝነበረ ሰብአይ እምበርዶ ርግጸና ኢኻ እዚ እንኸዶ ዘሎና እቲ መገዲ እዩ እናበለ ሓቲትዎ። እቲ ወዲ ዓዲ ግርጭ ብዝበለ መልሲ አብኡ ግልጽ ኢሉ ብዝተሰባበረ ቋንቋ እንግሊዝ ገሩ መገዲ የለን አነ እየ መገዲ፥ ነጻ ክትከውን እሞ ዓድኻ ክትከይድ እንተ ደሊኻ ክትክተለኒ/ክትስዕበኒ አሎካ ኢልዎ ይብሃል።

ብተመሳሳልይ መገዲ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ፥ ብዘይብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዝመጽእ የለን ይብለና። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ምስኡ እናተጓዓዝና እንከሎና አብቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጸጊሙና እናተሳቐና እናተቖንዞና ተስፋ ቆሪጽናን ብኹሉ ሰልክይና አብ ቤት ሰማያዊ አቦና ምእታው ጸጊሙና እንከሎ ክንስዕቦ ይዕድመና አሎ።

አብ ዘመነ ትንሣኤ አብ ፭ይ ሰንበት ኢና ዘሎና። አብ ልዕሊ ሞት ሥልጣኑ አርእዩ እናበልና ዓወት ክርስቶስ አብ ልዕሊ ሰይጣንን ኩሉ ክፍአት ዓለም ነስተንትን አሎና። ስርዓት ልጡርግያና ብዝያዳ ብዛዕባ ትንሣኤ ኢየሱስን ናይ ቀዳሞት ክርስትያን አብ መንግኦም ዝነበረ ርክብን አመሓድራን ዝነግር ይኹን እምበር ከም ደቂ ትንሣኤ መጠን ብዝያዳ አብ ምዕማቝ መንነትና ክነተኩር የዘኻኽረና። ካብ ግ.ሓ. ዝተነበት ናይ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን እዋናዊ ግድነታትን ይነግረና። ሓዋርያት አብ ክህነታዊ ተልእኮኦም ክጽመዱ ካልኦት ከአ ብዛዕባ ትሕድርትን መነባብሮ ማሕበር ዝግደሱ ካብ መንጎ ምእመናን ክምረጹ ወሲኖም። አብዚ ግብራዊ ቅርጺ አብ ቤተ ክርስትያን ክግበር ንርኢ። ካብ ፩ጴጥ 2፡4-9 ዝተነበት መንነትና ደቂ ትንሣኤ ከምዝኾና ዝገልጽ ንርኢ። ከም ሕያው አእማን ክርስቶስ እምኒ መአዝና ኮይኑ መንፈሳዊ ህንጻ ክንምስርት ክንበራበር ከምዘሎና ይነግረና። አብዚ እቲ ሃብታም አምሳል ኮይኑ ዝቐርብ መንነትና ሕሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ህዝቢ አምላኽ ከምዝኾና ዝገልጽ እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ዮሓ 14 እዩ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ካብኦም ምፍላዩ ሓዋርያቱ ከመይ ኢሎም አብ ሰማያዊ አብኦም ክበጽሑ ከምዘልኦም ዘዘኻኸሮም ከምኡ ንነፍስ ወከፍና ሎሚ ዘዘኻክረና ንርኢ። አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ብዘይብአይ ሓደ እኳ ብ አቦ ዝመጽእ የለን ኢልዎም። አብኡ ዝአምኑ ኩሎም ዘለዓለማዊ ሕይወት ክወርሱ እዮም። ከምዚ እናበሎም እንከሎ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘለዎ ሓድነት አትሪሩ ይገልጸሎም፥ አብኡ ክህልወና ዘለዎ ግድነት እምነት ከአ ይነግሮም።

አብ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ናይ ሥራሕ ምክፍፋል።

ክርስትና ካብ መጀመርያ አብ ተልእኮኡ ናይ ሥራሕ ምክፍፋል ከም ዝነበሮን ዘልኦን ኢና እንርኢ። ኢየሱስ ን72 አርድእት አብተን ዝኸደን ከተማታት በብኽልተ ከምዝልአኾም ነንብብ። ንሓዋርያቱ ብቐጻሊ ቀጸልቲ ተልእኮኡ ክኾኑ ከምዝሓረዮም፥ ሓደ ልብን መንፈስን ኮይኖም ብሓባር ንቤተ ክርስትያኑ ክመርሑን ነጊርዎም። ተልእኮ ቤተ ክርስትያን እምብአር ካብ መጀመርያ ናይ ኩሎም አመንቲ ከም ዝኾነ ብሩህ እዩ ነሩ። ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ ጊዜ አብ ግራት አምላኽ ክትዓዪ እትወፍረሉ ጊዜ እዩ።

ዘመነ ትንሣኤ እናቀጸለ እንከሎ ምስ ዝተንሥአ ክርስቶስ ክህልወና ዝግብኦ ጥቡቕ ርክብ እናሓሰብና እንከሎና አብ ግዳማዊ ቅርጺ ቤተ ክርስትያን ክንሓስብ እውን ጽቡቕ እዩ። አብ ግ.ሓ. ከም እነንብቦ አድላዪ ዝኾነ ምዕባሌ አብ ምሕደራ ንርኢ። ተልእኮ ቤተ ክርስትያን እናገፍሐን ዓበየን ክኸይድ ምስጀመረ ንፉዓትን ክእለት ዘልኦም ካብ መንጎ ህዝቢ ሓርዮም ነቲ ግድነታት ከማልኡ ጀሚሮም። ሸውዓተ ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም መንፈስ ጥበብ ዝመልኦም ሓርዮም አብ ቅድሚ ሓዋርያት ምስ አቕረብዎም ንሳቶም ጸለዩሎም አእዳዎም ከአ አንበሩሎም። እዞም ሾውዓተ ዝተሓርዩ ነቶም ግሪኽ ዝቛንቋኦም አይሁዳውያን እተን ናታቶም መበላሉ አብቲ ዕለታዊ ምዕዳል መግቢ ሸለል ስለ ዝተባህላ ሰለ ዝጕረምረሙ አብ መአዲ ምግልጋልን አብ ኩሉ ምምሕዳራዊ ነገራት ክዋስኡን እዮም ተሓርዮም። አብዚ ጸሎትን አንብሮ ኢድን ክጠቅስ እንከሎ ነቲ አብኦም ዝመሓላለፍ ስልጣን አገልግሎት ንምግላጽ እዩ። ካልእ አብዚ እንርእዮ እቲ ስልጣን አብ ኢድ ሓዋርያት እንከሎ ናይ ምእመናን ተቐባልነት ከም ዘድሊ ንምግላጽ ከአ እቲ ህዝቢ ነቶም ሸውዓተ መሪጽዎም። ንክርስቶስ እሙን ምዃንን ብመንፈስ ቅዱስ ንዝመጽእ ብምቕባል አብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሓዋርያት ዘዕግብ ፍታሕ ስለ ዝረኸቡ ቃል አምላኽ ክዝርግሑ ክኢሎም።

ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም።

ቅ. ጴጥሮስ ነቶም አረማውያን ዝነበሩ ክርስትያን ምስኮኑ ዝለብስዎ ሓዲስ መንነት ክገልጸሎም እንከሎ፥ ዝለብስዎ ሓላፍነት ፈሊጦም ከም ሕያው አእማን ምስ ክርስቶስ ኅሩይን ክቡርን እምኒ መአዝን ክኾኑ እሞ መንፈሳዊ ህንፃ ከቑሙ ይነግሮም። ከዘኻኽሮም እንከሎ ኸአ ከምቲ ቀዳሞት እስራኤላውያን አምላኽ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ቅዱሳን ክኾኑ ዝተጸውዑ ንሳቶም ከአ ከም ሓደስቲ ክርስትያን መጠን ልክዕ ከምኡ ቅኑዓት ከምቲ አምላኽ ዝጽበዮ ኮይኖም ንቅድስና ዝወስድ ጸዋዕታ ክነብሩ ይነግሮም። ካብ ዘፅ 19፡6 ዘሎ እናጠቐሰ ነቲ ግብራውን ሕጋውን ሓሳብ ብዛዕባ ህዝበ እግዚአብሔር ዝተባህለ፥ ንስኻኩም ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት አምላኽ ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም ይብሎም። እዚ ቃላት አብ ስርዓት መስዋዕቲ ቅዳሴ አብ ጊዜና ንጉባኤና ክርስትያናዊ መንነት ጸዋዕታና እንታይ ከምዝኾነን ከዘኻክረና ንደግሞ። ትርጉሙ ኸአ ብምስጢረ ጥምቀት ካብ ቀዳሞት እስራኤላውያን ቅዱስ ህዝቢ ኅሩይ ወለዶ ንኸውን። ናይ ንጉሥ ካህናት ዝብል ቃል ምስ ዝለዓለ መዓርግ ሕብረተሰብን ከም ካህናት አብ መንጎ አምላኽን ሰብን መንጎኛታት ንኸውን ናይ ዕርቂ መዝነት ንለብስ። በዚ መጸዋዕታ እዚ ህዝቢ አምላኽ ኮና ነቲ ዘደንቕ ነገራቱ ንሰብኽ ነቲ ካብ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዝጸወዓና ነመስግን።  

አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ፥ ብዘይ ብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዝመጽእ የልቦን።

ናይ ሎሚ ወንጌል ንባባና ካብ ዮሓ 14 ናይ ስንብት ዘራባ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዘስምዖ እዩ። እዚ ነቲ ዝመጽእ ናይ ኢየሱስ ካብ ሓዋርያቱ ምፍላይ እዩ ዘመልክት። ንሕና አብ ዘመነ ትንሣኤ ክነንብቦ ከሎና ነቲ አብ ዕርገት ኢየሱስ ዝመጽእ አካላዊ ምፍልላይን አባና ዘስዕቦ ሳዕበንን ብዝያዳ ክነስተንትን ንማለት እዩ። ሓዋርያት ብዘይ ኢየሱስ እንታይ እዮም ክገብሩ? ንሕናኸ ብዘይካ እዚ ዘረጋግጽ እህላዌ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

ሀ. ልብኹም አይሸበር ብአምላኽ እመኑ ብአይውን እመኑ፡

ሓዋርያት ኢየሱስ ካብኦም ክፍለ ከምዝኾነ አጸቢቖም ይፈልጡ ነሮም። እንተ ኾነ ጸላእቲ ኢየሱስ መጠን አብኦም ዝቐረቡ ምርባሽን ስቓይን አብ ሓሳባቶም አትዩ እዚ ኸአ አብ ዝኾነ ሰብ ዝርአ እዩ። ልብኹም አይረበሽ ክብሎም እንከሎ ዘበራትዕ ቃላት እዩ ዘስምዖም ነሩ። ብአምላኽ እመኑ ብአይውን እመኑ ዝብል ፍጹም እምነት አብ ሰማይዊ አቦን አብኡን ክገብሩ መጸዋዕታ እዩ። አብ አምላኽ ምእማን ማለት ንሓቂ ምቕባሉን ምግጣሙን እዩ፥ ማለት ጸገማትና ብዝሑን ዓይነቱን ብዘየገድስ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ገርና ክንገጥሞን ኢድና ከይንህብን ዝነግረና እዩ። ንሕና ዝክአለና ክንገብር አሎና ዝተረፈ ኸአ እምነት ገርና አብ ኢድ አምላኽ ክንሕድጎ ይግባእ። አብዚ ኢየሱስ ነቶም ናቱ ተመሊሱ ክወስዶም ከምዝመጽእ የረጋግጸሎም። ናይ ኢየሱስ ካብአቶም ምፍላይ ከም ክሳራ ክርአ የብሉን እንታይ ድአ ከም መቀራረቢ ንመጻኢ ክርአ ይግባእ። አብ ቤት አቦይ ብዙኅ ማኅደር አሎ ዝብል አብ መንገስተ ሰማይ ዝተፈላለየ ቦታታት አሎ ማለት ዘይኮነ ንነፍሲ ወከፍ ዝኸውን እኹሉ ቦታ/ስፍራ አብ ቅድሚ ዘለዓለማዊ ህላዌ አምላኽ ከምዘሎ ንምግላጽ እዩ።

ለ. አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ብዘይ ብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዝመጽእ የለን።

ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ እናመሃሮምን ተአምራት እናገበረ እናረአይዎን ምስኦም ሰለስተ ዓመት ገሩ፥ ስለዚ አነ አበይ ከም ዝኸይድ ነቲ መገዲ ትፈልጥዎ ኢኹም ኢልዎም። ቶማስ እቲ ክሓትት ዝደልን ንነገራት ቃል ንቓሎም ዝርዳእን ጎይታይ ናበይ ከም እትኸይድ አይንፈልጥን ኢና፥ ነቲ መገዲ ደአ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ እናበለ ሓተቶ? ንሱ ብጆግራፊካዊ አተሓሳስባ እዩ ተረዲእዎ። እንተ ኾነ ቃላት ኢየሱስ ብዛዕባ ምኻድን ምምጻእን ብፍልይ ዝበለ ደረጃን ትርጉምን እዩ ተዛሪብዎ። ንቶማስ ክነመስግኖ አሎና ምኽንያቱ ኢየሱስ አብ መልሱ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ አብ ወንጌል ኢየሱስ ዝበሎም ኢና እንርኢ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ፥ ብዘይ ብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዚመጽእ የልቦን ኢልዎ።

ካብዚ ኢየሱስ ዝበሎ እንታይ እንወስዶ አሎና? ንአና እንታይ ትርጉም አልኦ?

 አነ መገዲ እየ፡ ኢየሱስ መገዲ እዩ። መገዲ ጉዕዞ እዩ፥ አብ ሰማያዊ አቦና ብኢየሱስ አብልና ስለ እንኸይድ ንኢየሱስ እቲ መገዲ ንብሎ ምኽንያቱ ንሱ ዝርአ ግለጸት አብ ሰብአዊ ቅርጺ ናይ ኩሉ እቲ አብኡ ዝኾኖ እዩ። እሞ አየናይ መገዲ ሒዝና አሎና፥ ጓል መገዲ ሒዝና ሃውቲትና ከይንህሉ ፍን ንበል፥ ምስ መን እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ንርእስና ንሕተት።

አነ ሓቂ እየ፡ እቲ ሓቂ አብ መገዲ ዝረኽበና። ንሕና ክርስትያን አይ ኮናን ንሓቂ እንረኽባ፥ ሓቂ እያ እትረኽበና። ኢየሱስ ህያብ አምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ንአና እዩ። ከምቲ አምላኽ ሓቀኛ እንታይነቱ ንኢየሱስ ዝገልጸሉ ንሕና አምላኽ ክግለጸልና ናብ ኢየሱስ ክንጥምት ይግብአና።

አነ ሕይወት እየ። እዚ ናይ ሓቂ ጉዕዞ ሕይወት ይህበና። አብ ኢየሱስ ክንአምን እንከሎና ሕይወት ንረክብ። ዝያዳ ንሱ ሕይወትና ይክውን። ሰብ አብ ኃጢአት ምስ ወደቐ ዝንቀሳቐስ ሬሳ እዩ ስለዚ ሕይወት ክንለብስ አብ ኢየሱስ ንመለስ።

ብሓጺሩ፡ ክርስትያናዊ ሕይወት ምንባር ማለት ብእምነት ምስ ኢየሱስ ምንባር ማለት እዩ። ንሓቅን ሕይወትን ንሰማያዊ አቦና ንኢየሱስ እቲ መገዲ ብምስዓብ ናትና ገርና ፍጹም ውህደት ክህልወና እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። ብስም ጥራሕ ክርስትያን ንብሃል ከይንህሉ ሎሚ ክነስተንትን አሎና።

ሐ. ጎይታይ ነቦ ድአ አርእየና እምበር ይአኽለና።

ሕጂ አብ መንጎ አቲኻ ምሕታት ታራ እቲ ገርሂ ዝኾነ ፍሊጶስ እዩ። ጎይታ ነቦ ድአ አርእየና እምበር ይአኽለና ኢልዎ። ንአምላኽ ገጽ ብገጽ ምርአይ ናይ ዝኾነ ሕያዋይ አይሁዳዊ ተስፋ እዩ። ትርር ብዝበለ ቃላት ኢየሱስ ፍሊጶስ እዚ ክንድዚ ዝአክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹዶ አይፈለጥካንን ኢኻ ይብሎ እሞ ብምቕጻል አነን አቦን ሓደ ኢና እቲ ንአይ ዝረአየ ነቦ ረአየ እናበለ ንጹር መልሲ ሂብዎ። እዚ ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ ፍልይ ብዝበለ ክንርድኦ አሎና። ኢየሱስ ወዲ አምላኽ እዩ፥ ምሰብኡ አብኩሉ ሓደ እዩ ግን ንኢየሱስ ክንርኢ ከሎና ንአምላኽ ንርኢ ክንብል ከሎና ሓቂ እዩ ግን ከአ ሓቂ ከአ አይኮነን። ኢየሱስ ከምእንፈልጦ ብሰብአዊ ባህሪኡ ውሱን/ድሩት እዩ። ክዛረብ እንከሎ ብርግጽ አምላኽ እዩ ዝዛረብ። ንሰባት ከሕውዮም እንከሎ አምላኽ እዩ ዘሕውዮም። ኢየሱስ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ አምላኽ መይቱ ማለትድዩ? ብርግጽ አይሞተን ምኽንያቱ አምላኽ ክመውት አይክአልን እዩ። ኢየሱስ ብትስብእቱ ክመውት እንከሎ ዝበለጸ ምስክርነት ናይ ፍቕርን ርሕራሔን ናይ እቲ ዘለዓለማዊ ሕያው አምላኽ እዩ፥ ስለዚ ትስብእትን መለኮትን ኢየሱስ ፈላልና ክንርድኦ አሎና። 

አብ መጨረሻ ኢየሱስ ንሓዋርያቱን ንአናን ዝብሎ አለዎ። አብ ሰማያዊ አብኡ ብምሕላፉ እቲ ውክልና አባና አሕሊፍዎ። አብ ዓለም ተልእኮኡ ክነመሓላልፍ ዝተጸዋዕና ኢና።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ እምብአር ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ አብ ማእከል ሓዋርያቱ አብ ማእከል ቤተ ክርስትያኑ ከም ዝህሉ ገሊጹ ነጊሩ። ክንአምን ሕይወትና ብምልኡ አብ ትሕቲ ሓለዋ አምላክ ክንገብር አሎና። ኢየሱስ ቦታ ከሰናድወሎም ንሰማይ እንተ ኸደ አብኡ ንነፍስወከፎም ዝኸውን ቦታ አሎ።

እሞ ንሕና አበይ ገጽና ንጉዓዝ አሎና። እዚ ናይ ሓደ ክርስትያን ትርጉም ዘልኦ ሕቶ እሞ ንርእሱ ክርኢ ዝሕግዝ እዩ። ክርስቶስ አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብቲ ዘለዓለማዊ መፈጸምታና ከብጽሓና ከምርሓና ነፍቅደሉዶ? አምላኽ ገዛእ ርእሱ ክገልጽልና እንከሎ እቲ ቀዳማይ መልስና ክኸውን ዘለዎ ብእምነት ምምላስ እዩ። እምነት ነቲ ከይጽግመናን ኩሉ እንደልዮ ክህበና፥ አብ ጊዜ ሓጎስን ጓህን ምሳና ኮይኑ ዝግደሰልና ፈቃር አምላኽ ዘረጋግጸልና እዩ። አምላኽ ንአና ዝኸውን ቦታ አለዎ። እዘን ቃላት አብ ናይ ቀብሪ ስብከት ብዙሕ ጊዜ ይብሃል ምኽንያቱ ዘጸናንዓን ተስፋ ዝህባን ስለ ዝኾና። ሓደ መዓልቲ ምስ አምላኽ ንዘለዓልም ክንከውን ኢና። እዚ ጥራሕ አይ ኮነን ሓደ ካልእ ዘሓጉስ ወረ እውን አሎ ድሓር ጥራሕ አይ ኮናን ምስ አምላኽ እንኸውን ሕጂ አብዚ ምድራዊ ሕይወትና እንከሎና እውን አብቲ ሰማያዊ ቤትና ክነብር ዝተዓደምና ኢና። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዘዘክረና ቅዱስ ህዝቢ ክንከው ዝተጸዋዕና ነቲ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝጸውዓና ክንሰብኽ ዝተሓረና ኢና። ብቃልን ብግብርን ነቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ እቲ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ዝበለና ኢና እንምስክር። ብዘይካ ኢየሱስ አብ ሰማያዊ አቦና ዝመጽእ የለን።

እሞ ሎሚ ሰማያዊ አቦና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብርሃን ትንሣኤ ክርስቶስ ለቢስና ነቲ ሕይወትና ዝኾነ መድሕና ንስዓቦን እምነትና አብ ቃልን ግብርን ንመስክሮ። ነዚ ንምግባር ብጸግኡ ይምርሓና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.