2017-05-10 16:08:00

ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ስነ ምርምር ማእከል ዓውደ መጽናዕቲ


“ጽሉም ጋህሲ (Black Hole) ማዕበላዊ ስሕበት (Gravitational waves) ናይ ስፍሓትን ግዜን ፍሉይነትንብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ክሳብ ዕለት 12 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ከተማ ካስተል ጋንደልፎ ኣብ ዝርከብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ማእከል ዘዳለዎ ዓውደ  መጽናዕቲ ዕለት 9 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ  ስነ ምርምር ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ካብ 1960 ዓ.ም. ክሳብ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩሉ 1966 ዓ.ም. ዘገልገሉ ተወላዲ በልጂም ካህን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን የኔታ ጆርጅ ላማይተር፥ ናይ ስነ ቆስሞስ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ውርሻኦም ፈልዩ ንምርኣይን ዘካይድዎ መጽናዕቲ ብጥልቀት ዝምልከት ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘዳለዎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብት ምርምር ማእከልን ምስ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ ስነ ከዋኽብቲ ስነ ባህርይን ነገራውነትን ምርምር ማእከልን ብምትሕብባር ምዃኑ ዕለት 8 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝምጹ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ምርምር ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ስነ ዙሪያ ጸሓይ ዞዖዱ ሰማያውያን ኣካላት ሊቅ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጉይ ኮንሶላማኞን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ሊቃውንቲ ኢየሱሳዊ ኣባ ጋብሬለ ጆንቲን ኣልፊዮ ቦናኖን ፋቢዮ ስካርዲሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ኣፍሊጦም።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ቀዳማይ ህሞት ዓብይ ሂምታ- Big Bang (ብሂምታ ነገራት ዝፈጠረ) ካብ ቀዳማይ ሓደ ደቂቕ ባእታ (Atom) ኣናስር ዘለዎ መዓስ እዩ ዝተፈለመ? ናይ ቆስሞስ ፍጻሜ እንታይ እዩ? ናይ እዋናዊ ናይ ስነ ቆስሞስ ስነ ምርምር ወሰን እንታይን ኣበይን እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሉ ናይ ስነ ቆስሞስ ነቢብ ወይ ድም ክልሰ ሓሳብን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ስነ ትዕዝብቲ መጽናዕታዊ ክፍልታት ፍርያማ ክኸውንን ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ናይ ስነ ምርምር መዳያት ዓሚዩቕ ርክብ ክህሉ ኣብ ዝብል ሓሳብ ቆይሙ መልስታት ክህብ ዝፍትንን ምዃኑ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም፥ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኣካላት ነገራውነትን ባህርይን  ስነ ምርምር ሊቅ ናይ ኖበል ተሸላሚ ገራልድት ሆፍትን ናይ ስነ ምርምር ሊቅ ሮገር ፐንሮአን ከምኡ እውን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ሊቃውንቲ ጆርጅ ኤሊስን ኣንድረይ ሊንደንን ጆኤ ሲልክ ክሳተፉ ምዃኖም የመልክቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተዓዛብን ምርምርን ማእከል ኣብ 1891 ዓ.ም. ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ለዮ መበል 13 ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዚጣዊ መግለጺ ነዚ ታሪኽ’ዚ ዘዘኻኸሩ ኣባ ኮንሶልማኞ ኣስዒቦም ዓላማ ምስረታኡ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስነ ምርምር እትድግፍን እምነት ጸረ ስነ ምርምር ከምዘይኰነ ክስትውዓል ዝብል ምዃኑ እውን ገሊጾም፥ እቲ ዝካይድ ዓውደ መጽናዕቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ እውን ስነ ምርምር ዝማርኽን ክድነቕ ዝገብርን ካብ ምድናቕ ብነገራት ናብቲ ተደናቒ ምብጻሕ ዘኽእል ምዃኑ ኣሚና ስነምርምር እተነቓቕሕ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቶም ሊቅ ኣባ ላማይትረ ይብሉ ናይ ስነ ቆስሞስ ሊቅ ኣባ ጆንቲ ብወገኖም፥ ኣብ 1927 ዓ.ም. ናይ ልሔ-ጉጅለ ከዋኽብቲ ናይ ምርሓቕ ምንቅስቓሳቱ ናይ ኣልበርት ኣንስታይን ናይ ሓፈሻዊ ንጽጽራውነት ምዕሪት - Equations of general relativity ምላሽ ዘነጽሮ ውጽኢት ምዃኑ ኣባ ለማኢትረ ምስ ኣነጸሩ፡ ነዚ ሓድሽ ሓሳብ ዘፍለቑ ኰይኖም ድሕሪኦም ነቲ ናቶም ናይ ስነ ምርምር ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዙሓት መጽናዕቲ ዝገበሩን ይገብሩ እውን እንተለዉ ትሕትና ዝተመልኡ ብምንባሮም ረአዩለይ ስምዑለይ ከይበሉ እቲ ሓሳብ ንምክፋል ዝተበገሱ ምንባሮም እንከመልክቱ፡ ኣብ ካታኒያ ኣብ ዝርከብ ናይ ከዋኽብቲ ነገራውን ባህርይን ዘጽንዕ ማእከል ኣባል ናይ ስነ ቆስሞስ ሊቅ ቦናኖ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥  ኣብ ዙሪያ ዓብይ ሂምታ- Big Bang (ብሂምታ ነገራት ዝፈጠረ) ስፍሓት ግዜ ግዜ ድማ ስፍሓት ይኸውን እዚ ድማ ናይ ይመስል ዘይኰነስ ናይቲ ኣብ ዓብይ ሂምታ- Big Bang ዘሎ ስነ ቦታን ስነ ኣሃዝን ሓቂ ዘረጋግጾ  እዩ። ካብዚ ቀጺሉ እውን ካልእ ናይ ቦታን ስነ ኣሃዝን ምስጢር ኣውን ኣሎ። ካብቲ ናይ ኣይንስታይን ሓፈሻዊ ናይ ንጽጽራዊ ምዕሪት (Equations of general relativity) ከም ዝገልጾ ድማ ዓቢይ ሂምታ ብምጥቃም ሓደ ኣብ’ቲ ሓደ ዝደጋገፉ ኰይኑ እኩብ ኣድማስ (Universe) ክህሉ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ሓሳብ’ዚድማ እዞም ኣድማሳት ናይ ስነ ኣሃዝ ውድዓን (ነገራት) ድዮም ወይ ከኣ ናይ ስነ ምርምራዊ ክብሪ ዘለዎም እዮም? ዝብል ሕቶ የመንጭው፡ ስለዚህ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ንመልስታት ዝኸውን ፍንጭታት ክርከቡን ክብጽሑን ተስፋ ንገብር፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ኣብዚ እዋናዊ ዘመን’ዚ ኣብ እዋናዊ ስነ ቆስሞስ ምርምር ምልክታ ዘንብር ከምዝኸውን ርግጸይና ምዃኖም ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

እዋናዊ ስነ ቆስሞስ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ከምዘለዉን ብሓደ መዳይ እቲ ምስጢራዊ ግኡዝ ዝበሃል እቶም ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተመራመርቲ ኣብ’ቲ እኩባት ከዋኽብቲ (ጸባዊ መገዲ - Galaxy) ካልእ ተወሳኺ ቅዉም-ነገር ከምዘሎን ኣዚ ድማ እቲ ጸባዊ ነገር (ከዋኽብቲ) ጩራዊ  ማእዘራዊ ናህሩን ዙረቱን ንምፍላጥ ዘኽእል እዩ፡ ኰይኑ ግና እቲ ምስጢራዊ ግኡዝ (ነገር) ንምፍላጡ ዀነ ባህርይኡ ገና ዘይፍሉጥ እዩ።

እቲ ሕቡእ ወይ ከኣ ምስጢራዊ ትሕዝቶ ማለት ነገር ካብቲ ኣድማስ ጠቕላላ 30 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። ስዒቡ ድማ ሕቡሕ ወይ ከኣ ምስጢራዊ ጸዓት ዝበሃል ኣሎ፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣድማስ ዝሰፍሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ናህሩ (ፍጥነቱ) ዝንክይ ከምዝዀነን ብጭቡጥ ግና ናህሪ እዩ፡ እዚ ፍጥነት’ዚ ድማ ናይ ብስነ ነገረ-ባህርይ መጽናዕቲ ናይ ስሕበት ተጻራሪ ተባሂሉ ይግለጽ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ናይ ስሕበት ተጻራሪ እንታይ ምዃኑ ዝፍለጥ ነገር የልቦን። ኣባ ላማኢትረ ቅድም ቢሎም ነዚ ሕቡእ ወይ ከኣ ምስጢራዊ ጸዓት (ሒለት-Energy) ከምዘሎ ከምዝተረድእዎን፡ ሕቡእ ወይ ከኣ ምስጢራዊ መበሊኡ ድማ እንታይ ምዃኑ ገና ስለ ዘይተፈልጠ እዩ። እቲ ሕቡእ ወይ ከኣ ምስጢራዊ ጸዓት ናይቲ ካብ መላእ ኣድማስ ዘሎ ኵምራ ጸዓት ውሽጢ ካብ 68 ክሳብ 69 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እዋናዊ ናይ ስነ ቆስሞስ ምርምር ዘሎ ገና መልሲ ክወሃቦ ዝግብኦ ዓቢይ ሕቶ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ስነ ቆምስሞስ ተመራማሪ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ፖሊክሊኒክ ተቛም መምህር ስካርዲሊ፥  ናይዚ ዓውደ መጽናዕቲ ሸቶ ነቶም ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመን ናይ ግኡዛዊ ነገረ-ባህርይ ስነ ምርምር ዝበጽሖ ክልተ ክልሰ ሓሳባት ኣራኺቡ ዛዛትይ እዩ። ብሓደ መዳይ ተነጻጻሪ ስሕበት ብኻልእ መዳይ ድማ ብዘይ ምሕሳብ ተኸዋኒ ዓቐነ ፍቕዱ ዝብሉ ክልተ ሓሳባት ብጥልቂ እንታይነቶም ብምትንታን ንኽልቲኣቶም ስነ ሓሳባት ዘዛትይ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.