2017-05-06 17:11:00

የኔታ ቪጋኖ፥ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሐን ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ንምግልጋል


እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዕለት 27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዘቖምዎ መላእ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሐን ኣማእኪሉ ብሓደ ዝጥርንፍ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መኽፈቱ ቃለ ምዕዳን ኣበጊሱ ዘካየዶ ቀዳማይ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምእተጠናቀ እንክሕበር ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ጽሐፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥

እቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ቀዳማይ ብዃኑ ብዙሕ ትጽቢት ዝተነብረሉ ክኸውን እንከሎ። ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናንን ንምርኻብ ዕድል ፈጢሩ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብዎም ሰለስተ ዓለማውያን ምእመናን ብኣባልነት ዝሓቍፍ እውን እዩ። ኣባላቱን ኣገልግሎቱን ናይታ ኵላዊት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ባህርይ ዘለዎ እዩ። ኩላዊ ቤት ጽሕፈት እውን እዩ ክበሃል ይከኣል ምስ በሉ ናብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኩነት ኣማእኪሎም፥

ብዛዕባ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ክብ ናይ ምባልን ምስቲ ምዕባለ ዝመጣጠን ሐይልን ዓቕምን ሰብ ምስንዳውን እቲ ዘለካ ሓይልን ዓቕምን ሰብ እውን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ምስቲ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ስነ ኣሃዝ ምዕበለ መታን ክራኸብ ቀጻሊ ሕንጸት ናይ ሕዳሴ ሕንጸት ክረክብ ምግባርን ዝብል ነጥብታት እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣነጺሩ ዘመልከቶ ሓሳብ እዩ። ስለዚህ ናይ ስነ ኣሃዝ ባህሊ ብዙሕ ትኩረት ዝወሃበሉ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

እቲ ምጥቃም ናይ ስነ ኣሃዝ እደ ጥበብ ምዕባለ ምስ ደጋዊ ክፍሊ ንምርኻብ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ወንጌላዊ ተልእዀን ትምህርተ ክርስቶስን  እውን ንምሕያል እዩ። ናይ እምነት ሕንጸትን ምስክርነትን መጋበሪያ ምግባር እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኩሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ምርኻብ ዝብልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያ ርክባት የካይድ። ስለዚህ እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ዕድል ስለ ዘለዎ ሓሳባትን ርእይቶን ካብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝበጽሖ ይኸውን። እዚ ተመክሮ’ዚ ብስምረትን ብቕዓት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ንምድጋፍን ንምግልጋልን ዘብርትዖ እውን እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ሰናይ ሕዳሴ በሊሕን ኣስተውዓልን ጽንዓትን ብርታዔይ ይሐትት እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሓቂ እዩ። እቲ ክብጻሕ ዝድለ ሸቶ ኣብ ቅድሜኻ ኣምሪሕካ ብጐዳና ሕዳሴ ምስጓም የድሊ። ሕዳሴ ነቲ ዝነበረ እናሓደገ ኣባይተ መዘክር ዝኸፍትን ነቲ ዝነበረ ንታሪኽን ንዝተዘክሮን እናሕደገ ዝኸይድ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝነበረ ብዝበለጸ ምስ እዋናዊ ኣገባብ ኣናሳዄዔ ናብ ዝበለጸ እዋናዊ ቅርጹ ዝኸይድ ማለት እዩ ኢሎም።

እቲ ሓደ ዓቢይ ትኵረት ዝተገብረሉ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ናይ ሓባር ዕዮ ወይ ከኣ ከም ሓደ ጋንታ ኴይንካ ምዕያይ መሰረታዊ እዩ፡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዕዮ ደሴታዊ ዕዮ ኣይኰነን ኩሉ እቲ ኣብ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ተዋፊሩ ዘገልግል ሰሚሩ ከም ሓደ ጋንታ ሓቢሩ እዩ ዝሰርሕ፡ ስለዚህ ከም ሓደ ጋንታ ኲይንካ ናይ ምዕያይ ብስለት የድሊ።

እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ከም ኩሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዘሎ ውሽጣዊ ምትሕብባር ዘለዎን ምስቶም ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልዩ ድርገታት ዝራኸብን ኣብ መጻኢ እውን ነቶም ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ጳጳሳውያን ድርገታት ዘሳትፍ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ድዩ ክፍለ ዓለማዊ ጉባኤ ክህሉዎ እውን ዝከኣል እዩ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበባት ክፍሊ ስነ መጽናዕቲ መራኸቢ ብዙሐን ርክባት ዝህልዎ እዩ ምስ በሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት  ናይቲ ዝተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ሰነድ እውን ተሓቲሙ ክወጽእ እዩ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.