2017-05-02 17:04:00

ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ወጥሪ ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም


ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካየዶ መበል 113 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ዝውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ለምዘበን ሃገሮም ናይ ሕዝባዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ናይ ምቅርራባት ሕዝባውን ፖለቲካውን ክትዓትን ናይ ምረጹኒ ጎስጓሳትን መርሓ ግብሪ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ወጥሪ ስግኣት ከምዘሕደረሎም ኣፍሊጦም ክብል ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ምክልኻልን ምኽባርን ምግባረ ብልሽውና ምውጋእን

ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ቺለ፥ ናብ ግርጭት ሃዋሁ ዝደፍእ “ንዝዀነ ይኹን ናይ ምትእምማን ማዕጾ ዝሽግጥን ዝዓጽውን” ተግባር ኩሉ ብዓንተውዑ ክዕገት ሓደራ ቢሎም ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕይወትን ክብሪ ሰብን ዝብሉ ስንኩፋት ሕቶታት ኣብዚ እዋ’ዚ ኣክንዲ መደብ ሓገዝን ምትሕብባርን ምሕንጻጽን ምትግባርን ጽንሲ ምንጻል ከም መፍትሒ ጸገም ብምቕራብ ጽንሲ ምንጻል ዘነቓቕሕ ባህሊ መሰረት ዝፍታሕ ምዃኑ ዝንዛሕ ዘሎ ጸረ ሕይወት ምርጫታት ጠቒሶም፡ ጽንሲ ምንጻል ጸረ ሰብኣዊ ሕይወትን ጸረ ክብርን እዩ ከምዝብሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ተቛማትን ከከም ደረጃታቱ ዝፍጸም ምግባረ ብልሽውና ፍልቀቱን ማሕበራዊ ጸገም ዘስፍሕን ብኻልእ መዳይ እውን ናይ ጡረታ ኣበል ዝምልከት ሕጊ ንምሕዳስ ብዝብል ምስምስ ዝፍጸምን ዘይጥሉቕን ህውኽን ኣሰራርሓ ጐዳኢ ምዃኑ ብምስትውዓል ዝዀነ ይኹን ሕዳሴ ብግቡእ ተጸኒዑን ሰብኣውነት ዘማእከለን ክኸውንን ከምኡ እውን ናይ ኣቢያተ ትምህርትን ስደተይናታትን ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ሰላም ኣልቦ ኩነት ዓለም ዘተሓሳስብ እዩ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ብመደብ ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን ንዝለገሱሎም ምዕዳን ንዝሃብዎም መርሕ ቃልን ኣመስጊኖም ብዛዕባ ሰላም ኣልቦ ህልው ኩነት ዓለም ዘለዎም ሻቕሎት እውን ገሊጾም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንሕዝቢ ቨነዝዋላ ቅርበቶምን ጸሎትምን ብምርግጋጽ ኣስዒቦም እውን እቲ ኣብ ኰሎምቢያ ዝረአይ ዘሎ ናይ ሰላም ጉዕዞ ናይ ብርሃን ተስፋ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.