2017-04-29 17:26:00

ቅዱስ ኣቦና ንኽብሪ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ዘካይድዎ ምብጻሕ


ዕለት 28 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ምስሪ ርእሰ ብሔርን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ተሰንዮም ድሕሪ ዘካይድዎ ርክብ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ንኽራኸቡ ናብ መንበረ ፓትሪያርክ ብምኻድ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ዘሳተፈ ርክብ ከምዘካየዱን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ክብር ፍቝር ሓው ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣማን በአማን ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን

“ብስም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ካልኦት ቤተ ክርስቲያናውያን ኣካላትን ናብታ ካብ ኣለዳ ታሪኽ ጀሚራ ናይ ምዕራብን ምብራቕን መራኽቦ ዝዀነትን ምስራውያን ጽምኦም ዘርውይሉን ምስትውዓውልን ሓልዮትን ዝቐስምሉ ማየ ናይል ኣብ ልዕሊ ሰናይ መሬታ ዝውሕዘላን ናይ ታሪኽን ናይ ስልጣነን ናብ ዝዀነት ሃገርና ምስሪ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እብል” ብዝብል ቃል መልእኽቶም ዘበገሱ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ናብታ ናይ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዑቕባ ዝረኸቡላ ሃገር ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ሕዝብን መሬትን እናባረኹ ዝተጓዕዙላን ከምኡ እውን ናብታ መበቆል ሕይወት ምንኩስናን ምናኔን ኣደ ሰማዕታትን ናይቲ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምር ታሪክ ጩራ ዝዀነ ቤት ትምህርቲ ኣስክንድሪያ ኣስተንፍሶ ዝዀነትን ናይ ምንኩስናን ምነናን ሕይወት መበቆል ናብ ዝዀነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቢሎም፡ ሎሚ እተካይድዎ ምብጻሕ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ፍቕርን ሕውነትን ጐዳና ሓድሽ ስጉምቲ እዩ፡ ንስኹም ኣብቲ ብዓመጽን ውግእን ዝሳቐይ ኣብ ዘሎ ዓለም ሓደ ናይ ሰላም ትእምርቲ ኢኹም። ናይቲ ነቲ ዝረአይ ዓመጽን ኣኽራርነትን ንምቅዋም ብጽንዓትን ብቅኑዕ ምሉእ ሓይሉ ሰላምን ፍቕርን ንምስፋሕ ሃንቀው ንዝብል ዓለም ምልክት ኢኹም።

ናብታ ኣዚዩ ምዑዝን ግብሩምን ናይ ዝዀኑ ለይለይ ንጹሓን መንእሰያት ደቃ ምስሪ ንኹሉ ናይ ሰላም መሬት ንኽትከውን ሰማዕትነት ዝኸፈሉላ ፍቅርቲ መሬት ምስሪ ንዓኹም ናይ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ናብዛ ሃገረ ሰላም እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ንብል። ሎሚ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ንምቕባልኩም ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብኸመይ ዝበለ ውዕውዕ መንፈስ ዝዓሰሎ ፍቕርን ሓሴትን ዝተመልኦ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምዃኑ እዩ፡ ንዝገበርኩምልና ኣቀባብላ ሞሳ እዩ፡ ኣብቲ እዋን ምሳኹም ምርኻብና ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎም ሰብ ከምእተራኸብናን ምስቶም ብሓባር ኣብቲ ምብጻሕ ዝነበሩ ልኡካን ብዝገበርኩምልና እንገዳን ስንዮታን ኣብ መንጐ እተን ክልተ ጥንታውያን ሓዋርያዊ መናብርት፡ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ማርቆስን ቅኑዕን ጥልቅን ዝተባርከን ጥብቂ ርክብ ንኽህሉ እትገብርዎ ዓቢይ ጻዕሪ ብቐረባ ንኸነለልይ ገይሩና እዩ፡ እዚ ድማ ክድነቕን ክኽበርን ዘለዎ ዓቢይ ጻዕሪ እዩ።

ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንኸነካይድ ዕለት 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ዝሓረናሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ 1973 ዓ.ም. ልክዕ ዕለት 10 ግንቦት ኣብ መንጐ ቅዱስነቶም ሸኑዳ ሳልሳይን ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስነቶም ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዝተኻየደ ርክብ ዝኽሪ እዩ። እቲ ናይ 1973 ዓ.ም. ርክብን ድማ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ መዓልቲ ዘረጋገጸን በቢ ዓመቱ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ እምነትን ናይ ፍቕርን መኣዲ ዝቋደሳሉ ዕለት ዘረጋገግጽ ኩነት ዝዝከር ዕለት ድማ ኰይኑ እዩ።

ናይ ሎሚ ኣብዚ ምብጻሕኩም ፍሉይ ዘብሎ ድማ ኣብ በዓለ ትንሳኤ መንፈስ ዝተሳዅዔ ብምዃኑ እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ድማ ናይቶም ክልተ ደቀ መዝሙር ኤማኡስ ታሪኽ ዝኽረት እዩ፥ “ንሳቶም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ከለዉ ኸኣ ኢየሱስ ባዕሉ ሕውስ ኢሉ ምስኣቶም ኪኸይድ ጀመረ” (ሉቃ. 24,15) ንዝበሎ ታሪኽ ዝመሳሰል እዩ። ናይ ምስራቓዊትን ምዕራባዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ብኸምዚ ዝበለ ሃዋሁ ናይ ጐይታ ቃል ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣሜንነት ብዘጽንዕ ኵነት ዝኽሪ መበል 15 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 13, 35 “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ”  ስምረት ሎሚ ኣብ እዋናዊ ዓለም እቲ ናይ ክርስቶስ ትኽክለይናን መሰረታዊ ዝዀነ ቃል ንምምክሳር ዝውክል እዩ። ስለዚህ ቅዱስነቶም እታ ቅዱስ እንጌራ ኣብ ሓደ መንበረ ታቦት ብሓባር እንቖርሰሉን ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ልደትን ትንሳኤን መድሃኒ ዓለም ዘበስር ደወል ብሓባር ዝድወለሉ ዕለት ብተስፋ ንጽበይ።

እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ መዳይ ባህልን (ንኣብነት ናይ ላሳል ማሕበር ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ኢየሱሳውያንን ከምኡ እውን ማሕበር ደናግል ዘቅዱስ ልበ ኢየሱስን ብምጥቃስ) ኣብ ምስሪ መደብ ሕንጸት ዳግም በርቲዑ ክነቓቓሕን ክሰፍሕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእተነርክቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ብወግዒ ንምምስጋን ንጥቀመሉ። ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስራቕን ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ተቛማት ኣቢሉ ንዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕን ክድንፍዕን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ካይሮ ዘሎ ናይ በነዲክታውያን ማሕበረ ገዳምን ካልኦት ኣብ ካይሮ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ብዘይ ሃይማኖታውን ዓለቲዊ ኣፈላላይ ንኹሉ ንመላእ ማሕበርሰብ ምዕባለ ዝህብ ዘበርክትዎ ልዑል ኣስተዋጽኡ ንምጥቃስን ንምምስጋንን ንጥቀመሉ። ቀጺለ ይብሉ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ብመላእ እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ምስራቃውያን ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ክከታተሉን ብሓጎስን ተስፋን መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሰምዑ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን ካቶሊክ መንበረ ታቦት ብቋንቁኦምን ከም እምነቶምን ብስርዓቶምን ሱታፌ ክረኽቡ ተሓሲቡ ዝወሃቦም ደገፍ ጠቒሰ እውም ብስሞም ምስጋናይ አቕርብ።

ቅዱስነቶም ፍራንቸስኮ፥ ስለ ፍቑርነትኩም ነመስግን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻትን ካብታ ዝተሓረኹምላ ዕለትን መጸውዕ ር.ሊ.ጳሳዊ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ስም ክኸውን ካብ ዝሓረኹምላ ዕለት እተበርክተዎ ዘለኹም ኣስተዋጽኦ ብምድናቕ ምስጋናይ አቐርብ። ነቲ ዝሓረኽምዎ ናይ መጸውዕ ስም ግብነትነኩም ኣብቲ ዝደረስክምዎ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳንን ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ጭቡጥ ምስክርነት እዩ። ብኹሉ መልእኽትኹምን ሓሳብኩምን ርክባትኩምን እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ሰብ ንጹሕ እምበር ተነቃፊ ከምዘይኰነ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ብምፍጣር ከምዘረጋግጾ ብሰፊሕ ትትንትኑን ተስተምህሩን በዚ ድማ ናይቲ መጸውዕ ስሙ ዝሓረኹምሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣሰር ትስዕቡ ከምዘለኹም ይረጋገጽ። ቅድሚ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ታሪኽ ከምዝንገር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዙ ብኣካል ኣብ ምስሪ መጺኡ ብሓባር ምስ ሱልጣን ኣል ካመል ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ናይ ሓባር ዘተ ተመክሮ ከምዝገበረ ይዝከር ሎሚ ድማ ንስኹም ብኣካል ኣብ ምስሪ ተረኺብኩም ዘተ ህዝብታት ዘተሓባብር መገድን ድልድን ምዃኑ ትምስክሩ ኣለኹም። ብብዙሓትን ብፍላይ ድማ ናይ ኩሎም ምስራውያን ወኪል ብዝዀኑ ብናይ ረፓብሊካዊት ምስሪ ርእሰ ብሔር ኣብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረልኩም ዕድመ ምኽንያት ኣብ መንጐና ብምርኻብኩም ነመስግነኩም። ምስሪ ምኽባርን ምርዳእን ካልኣዊ ኣካል፡ ኅብረ ፍልልያት ዝዋሱኡላን ብምክብባር ዝራኸቡላን ብሓፈሻኡ ንናይ ሓባር ርክብ ኣብነት ምዃኑ ምብጻሕኩም የረጋግጾ። … ጽንኵር እዋን ኣሕሊፍና ኢና … ኰይኑ ግና ሕዝቢ በቲ ጽንኩር ኩነት ከይተሰናኸለ ናይ ፍቕርን ምርድዳእን ምክብባርን ሐይሊ መስኪሩ እዩ። ፍቕርን ምክብባርን ካብ ሕነ ምፍዳይን ጽልእ ኣዚዮም ይብርትዑ። ናይ ተስፋ ብርሃን ካብቲ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ጸልማት ኣዚዩ ይብርትዕ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ኣዋርሕ ቤተ ክርስቲያንና ሃገርናን ዘሰንብድ ጽንኩርን ዘሕዝንን ብኢድ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ነቶም ንምጻልይን እግዚኣብሔር ንምምስጋንን ብዝይፍርሒ ንዝተኣከቡ ንጹሃን ዜጋታት ንምቕታል ብዝተዓጥቑ ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ከምዘሐለፍና ክንሓብኣኩም ኣይንደልን። ሎሚ እውን በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ዝተኸፍተ ቍስሊ ኣለዋ ሓዘን እውን ሰፊሑ ይርከብ፡ ብእግዚኣብሔር ሓይሊ ሓይልና ወትሩ ብርቱዕ ኢዱ ካብ ዝወደቕናሉ ሓሳርን ሓዘንን ንከተንስኣናን ንኸጸናንዓናን ብመሓርነቱን ፍቕሩን ይዝርግሐልና ርግኣትን ምጽንናዕን ይጽግወና። ኣብ ጽንኩርን መሪርን እዋን እቲ ምስራዊ ልዑል ክብሪ ይጐልሕ ንሱ ድማ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን ስምረት እዩ። …. ምስሪ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ታሪኽ ውሪቲ እያ ኣንጋዲትን ተቐባሊትን ጋሻ ብምዃና እውን ትፍለጥ። ናይ ሰላምን ርግኣትን ሃገር እውን እያ። ናይ ስልጣኔ ደርቢ፥ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ምስሪ ኩሉ ብሰላምን ስኒትን ክነብር ዝኽእል ምዃኑ ካብ ጥንቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ሓቀይና መግለጺ ምስሪ እዩ።

ደግሚምና ክትበጽሑና ስለ ዝፈቐድኩም እናመስገንና እቲ ምብጻሕኩም’ዚ ድማ ተሰዓቢ ክኸውን እናተመነና፡ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነትኩም ኣብ ጸሎትና ህልው ነርኪም ኢኹም ብቐጻሊ እውን ህልውነትኩም ንኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ።  ኣብ ጸሎትን ብፍቕርን ኣብ ልባትና ውቑር ኢኹም።

ቅድስነትኩም ናይ ሰላም ጳጳስ ናብ ሰላማዊ መሬትና እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እብል ቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘተቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.