2017-04-18 16:38:00

ዘሕጉስ ዜና ኣብ ፈረንሳ ሰበኻ ሩኤን


እቶም ዕለት 26 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ፍረንሳ ሰበኻ ሩኤን ቁምስና ቅዱስ ኤቴነ ዱ ሩቭራይ በኣኽራሪ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና  ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዝተቐትሉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሒር ካህን ኣባ ዣከስ ሃመል ብፅዕና ንኽእወጀሎም ዝግበር ከይዲ መጽናዕቲ መሰረተ ነገር ብወግዒ ክጅመር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዋዜማ በዓለ ፋሲካ ዝሃበቶ ሓበሬታ ዝተቐበለ ሰበኻ ሩኤን ዝተሰምዖ ሓጎስ ብናይቲ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ለብሩን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ዜና ንምእመናን ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ከምዝበጽሖምን ምእመናን ብሓቂ እቲ ናብ በዓለ ፈሲካ ዘሰጋግሮም ዝነበረ ሰሙነ ሕማማት ብጥልቂ መንፈሳውነት ንኽነብር ድርብ ጸጋ ከምዝዀኖምን ኣባ ሃመል ተቐቲሎም ዝተረስዑ ዘይኰነስ ቀስ ብቐስ ዝነበርዎ ክርስትያናውን ክህነታውን ጸዋዕታ እቲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣዚዩ ዘድልዮ ብርሃንን ተስፋን ዝዀነ ክርስቶስ ዝሕብር ምዃኑ ይልለይ ከምዘሎ እቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሃብውቶ ውሳኔ ይምስክሮ።

ሞት ኣባ ሃመል ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ንቐረባ ኣባላት ስድራ ቤቶምን ነቶም ኣብ ቁምስና ቀረባኦም ንዝነበሩ ኵሎም ዓቢይ ሓዘን እዩ። ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍነው መጥቓዕትን ኣሳዶን መከራን ኩሉ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝተፈነው ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ከምኡ እውን ኣብ ስዊድን ዝተፈነው ግብረ ሽበራ ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ። ኰይኑ ግና ክርስትና ብዘጓፍ ግብረ ሽበራ ዝሰናኸል ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብሎ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ክርስቶስ ምንባር እዩ እቲ ዘገድስ ቢሎም፥ ስለዚህ እቲ ናብ ብፅዕና ዘብጽሕ መጽናዕቲ ብሰበኻ ደረጃ ክብገስን ኵሉ እቲ ኣብ ሕይወቶም ዝመስከርዎን ቲዮሎግያዊን መጽሓፍ ቅዱሳውን ሰነዳቶምን ስብከታቶም ኣስተምህሮታቶም ምእካብን ኣሰር መሰረተ ነገር ብፅዕናኦም ናይ ምልላይ ዕዩ ክጅመር እዩ። ናይ ቁምስና ኣባላትን ብቐረባ ናይ ዝፈለጥዎም ምእመናን ቃል ምስክርነትን ኩሉ ተሰኒዱ ምስ ተጠናቀ ንናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ክመሓላለፍ እዩ፡ እዚ ቅዱስ ማሕበር ድማ ብተራኡ መርሚሩን ኣጽኒዑን ንውሳኔ ብፅዕናኦምን ናይ ደማ ሰማዕትነቶምን ንቕዱስ ኣቦና ውሳኔ ክቐርብ እዩ ኢሎም። ናይ ሰበኻ ካህናትን ምእመናንን ዝተሰምዖም ሓጎስ ወሰን የብሉን። ኣባ ሃመል ክርስትያናዊ ሕይወትናን ጸዋዕታናን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ንኽንነብሮ ብቓልን ብዝተቐበልዎ ናይ ደም ሰማዕትነን ይምዕዱ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.