2017-04-12 09:40:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስነ ሕይወት ዕደ ጥበብ ካብ ዝምቡዕ ኣጠቓቕማ ምጥንቃቕ


ዝምቡዕ ኣጠቃቕማ ናይ ስነ ሕይወ ዕድ ጥበብ (biotecnology) ከይህሉ ምጥንቃቕ፤ ስለዚህ ናይ ስነ ሕይወት ዕደ ጥበብ ንናይ ሕይወት ክብርን ክብረትን መገልገሊ ክኸውንን ኣብ መንጐ ስነ ምርምራውን ኤኮኖሚያውን ስነ ምግባራውን ከይዲ ስኒት ክህሉ ይግባእ ዝብል ቃል ስምዕታ ዝተብነሮ ምዕዳን ዕለት 10 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብሔራዊ ናይ ስነ ሕይወት ውሕስነትን ስነ ሕይወት ዕደ ጥበብን ናይ ሕይወት ስነ ምርምርን ኮሚቴ ኣባላት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ቅዋሜኡ ነቶም 30 ናይቲ ኮሜቴ ኣባላት ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ከምቲ ኦሪት ዘፍጥረት ዝሕብሮ ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ መዝርእ (garden) ዘኾነ ዓለም ንኸልምዖን ክዕቅቦን ዝተጸውዐ ምዃኑ ኣዘኻኽሮም እዚ ተልእኾ’ዚ ድማ ሓላፍነት ዘስምዕ ኰይኑ፤ ስለዚህ ሓላፍነት ክበሃል እንከሎ ሰብ ካብቲ ተግባራውን ፈጻምን ባህርዩ ክእለይ ዝከኣሎ እውን እንተዀነ ናይ ተግባራቱን ፈጻምነቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተሓታቲ እዩ ዝኸውን  ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ናታትኩም ሓላፍነት ብናይ ስነ ምርምራውን ዕደ ጥበባውን ድልያ ናይ ሕይወት ስነ ሕይወታዊ ከይድታቱ ንሱ ድማ ኣብ መንጐ ኣትክልታውን እንስሳውን ሰብኣውን ሕይወት ውሁድን ምሉእን ምዕባለ ንምንቕቓሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ብዝለዓለ ደረጃ ስነ ፍልጠትን ብቕዓት ስነ ምርምርን ሕይወት ንምቁጽጻር ዝብል ዝምቡዕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክይህልዎ ኣቐድምካ ምሕባርን ቀደምካ ምክልኻልን ዝብል እውን እዩ

 ከምዝበሉ ገሊጸን።

እቲ ዓቢይ ስግኣት ናይ ዕደ ጥበብ ዑቝር ሓይሊ ንእከይ ተግባር ምጥቃም ዝብል እዩ

ሓደ ናይ ስነ ምርምር ሊቕ ሓላፍነት ዝመልኦ ውሳኔ ክወስድ  ዝተጸውዐን በዚ ሓላፍነት ዝመልኦ ውሳኔ’ዚ ኣቢሉ ሓድሽ መገዲ ዘለልይ እዩ፡ ዕደ ጥበብ ካብ ስነ ምርምር ብቐዳምነት ኣብ ኢድ ሰብ ዓቢይ እናማዕበለ ዝኸይድ ኣኻእሎን ሓይልን ዘንብር እዩ። እቲ ዓቢይ ስግኣት ዜጋታት ድዩ እቶም ንዜጋታት ዝውክሉ እካላትን እቶም እደ ጥበብ ዘመሓድሩን ብምልእት እዚ ከይዲ’ዚ ዘስዕቦ ዝተሓላለኸ መፍታሒ ዘድልዮም ብድሆታት ዘቕርብ ምዃኑ ዘየስተውዕልዎን ዘየቃልቡሉን እዮም ዝመስሉ። እቲ ስግኣት ድማ እቲ ናይ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ዘለዎ ዑቑር ሓይሊ ሕይወት ኣብ ኢድና ዘንብር ብምዃኑ ንኽፋእት መጠቀሚ ከይከውን ዝብል ምዃኑ ቅድስነቶም ከምዝሓበሩ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ናይ ዕደ ጥበብ ሓይልን ኤኮኖምን ከይጠናነግ ምጥንቃቕ

“ናይ ዕደ ጥበብን ናይ ኤኰኖምን ሓይሊ ክጋመድን እዚዩ ዝተተሓሓዘ ጥኑግ ምስ ዝኸውን መኽሰብን ረብሓን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ጸብለል ቢሉ ናይ ሕይወት ኩነትን ኣገባብን ዝውስን ይኸውን፡ እዚ ድማ ናይ ገለ ገለ ውሱናት ኢንዳስትሪታትን ናይ ንግድ ቁጠባን መኽሰብ ዘርውይ መገዲ ዝስዕብ ኰይኑ ይተርፍ። ኣብ መጐ ስነ ምርምርን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ስነ ምግባርን ፖለቲካን ስኒት ክህሉን ናይ ኩልና ቤት ዝዀነ ምህዳር ተፈጥሮ ዘኽብር ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ምንቕቓሕን ከምኡ እውን ንሓቂ ምምስካርን ናይ ስነ ተመራመርቲ ሰናይነትን ንምቕሉል ማሕበራዊ ሕልና ዕብየትን ብስለትን ኣበርክቶ ዘለዎ ክኸውን  ኣብ ዝብል ርግጸይናነት ተቖይሙ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ መርገጽታት ግልጽን ክፉትን ምንጽጻር ክህሉን ይግባእ”

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ዕደ ጥበብ ነገልግሎት ንናይ ኩሉ ሕይወት ክብርን ክብረትን

ቅዱስነቶም፥

“ሰብን ዓለምን (ፍጥረትን) ንስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን  ዘይኰነስ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብ ንሰብን ዓለምን ዝተፈጥሩ ምዃኖም ወትሩ ከምእተስተውዕሉ ቃል እተዉለይ። ንሕጅን መጻእን ንኽቡርን ክብረት ሕይወትን ንናይ ኩሉ ሕይወትን ጥዕናን መገልገልን ቤትና ዝነዀነ እንነብረሉ ምህዳር ክትነብረሉ ዚበቅዕን ምትሕብባር ዝዓሰሎን ወትሩ ክንክን ክግበረሉን ክዕቀብን ዘብቅዕ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም እቲ እናተበጽሔ ዝመጽእ ዘሎ ምዕባለ ናይ ስነ ሕይወት ዕደ ጥበብ ኣብ ዘቕርቦም ሕቶታት ናይ ሕዝባዊ ግምትን ርእይቶን ኣስተውዕሎ ንኽረክብ ኣብ ምግባር ኣብ መንጐ ስነ ተመራመርትን ሰብ ትካላትን ናይ መንግስቲ ተቛማት ወከልትን ስምምዕ ክህሉ እተባብዕ”

እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.