2017-04-06 16:38:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮ ዕለት 5 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.


“ክርስቲያናዊ ተስፋ እማረ ኣይኰነን፡ ክርስቲያናዊ ተስፋ እቲ ምዕዝው ቅርጺ ዝህልዎን ብለውሃት ናብቲ ምሕረትን ይቕረ ዘብልን ዘበጽሕ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ እዩ”  ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ናይቲ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ መቓን ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 8 – 17 ዘሎ “ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ተስፋ ርቱዕ ምኽንያት ምሃብ”  ዝብል ገይሮም እዚ ተስፋ’ዚ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝቖመ ብምዃኑ ድማ ዘየደናግር ምዃኑ ገሊጾም፥

“ተስፋና ሓደ እማረ ወይ ስምዒትን ወይ ከኣ ውጽኢት ንዋታዊ ሃብቲ ኣይኰነን፡ ተስፋና ሓደ ሰብ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣባናን ኣብ አሕዋትን ህያውን ህልውን ምዃኑ እነስተውዕሎን እንፈልጦን ጐይታ ኢየሱስ እዩ። ስለምታይ ክርስቶ ተንሲኡ እዩ። እቶም ዝደሓኑ ኣብ እዋን ፋሲካ ‘ከመይ ትሓድርን ልዋም ምሸትን’ ዝብል ሰላምታ ዘይኰነስ ‘ክርትስቶስ ተንሲኡ እዩ’ ዝብል ሰላምታ እዮም ዝለዋወጡ ዝነበሩ። እዚ ኣብ ምባል ድማ ሕጉሳት እያቶም።”

ብናይ ሕይወት ምስክርነት ተስፋ ርኡይ ምግባር

“እቲ ክርስቲያናዊ ተስፋ ብኅልዮ (ክልሰ ሓሳብ)ን ብቓላትን ደረጃ ጥራሕ  ዘይኰነስ ዝያዳ ብምስክርነት ሕይወት እዩ ርትዓውነቱ ምግላጽ ዝግባእ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ማኅበረሰብ ክርስቲያን ድዩ ካብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ወጻኢ ክንበር ዘለዎ እዩ። ክርስቶስ ዝተንስኤ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ልባትናን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ማለ ድማ ወትሩ ብዝበለጸ ኢየሱስ ጐይታ ናይ ሕይወትና ኣርኣያ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ኣንሕና ነቲ ንሱ ዝነበሮ ባህርይ ከም ኣርኣያ ጌርናን ካብኡ ተማሂርናን ልክዕ ከምኡ ክንክውን ነቲ ናቱ ጠባይ ናትና ንኽንገብር መታን ናይ ሕይወት ኣርኣያና እዩ”

ጉጅለ ክፍኣትን ናይ ገበን ጉጅለታት ተስፋ ዘይብሎም እያቶም

“ተስፋ ቅርጺ ዝሕዝ ኣብቲ ዘይተደናገረ እንኰ ዝዀነ ምእዝውነትን ምክብባርን ንብጻይካ ለዋህ ምዃንን ክፍኣት ብኽፍኣት ዘይኰነስ ብትሕትናን ብምሕረትን ብይቕረታን ዝስነፍ ምዃኑ ካብ ዘሎና ምስትውዓ ዝተበገሰ ክሳብ ነቲ ዝበደለና ይቕረ ኣብ ምባል ዝጸንዔ እዩ።”  ሓደ ሰብ ተስፋ ዘይብሉ ኣንተድኣ ኰይኑ ግና፥ “ዘይምሕር ናይ ምሕረት ምጽንናዕ ዘይህብ ናይ ዝተምሓረ ምጽንናዕ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ናይ ገበን ጉጅለታት ጉጅለ ክፍኣትን ክፍኣት ብኽፍኣት ምምላስ ዝብሉን ሕነ ዝፈድዩን እያቶም ትሕትናን ምሕረትን ለውሃትን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይፈልጡ እያቶም። ስለምንታይ፤ ተስፋ ስለ ዘይብሎም።”

ምእንቲ ሰናይ ስቓይ ምቕባል

ቅዱስ ጴጥሮስ፥ “ከመይ ኣምላኽ እንተ ደኣ ፈቒድዎስ ካብ ክፉእ እናገበርካስ ሰናይ እናገበርካ ሓሳረ መከራ ክትጸግብ ይሓይሽ” (ፍቕዲ 17)” ይብል እዚ ማለት ግና “ስቓይ ሰናይ እዩ ማለት ዘይኰነስ ምእንቲ ሰናይ ስቓይ ምቕባል እዩ ሰናይ ዝኸውን። እዚ ድማ ምስ ጐይታ ይሕብረና። ንሱ ስለ ድሕነትና ሓሳረ መከራን ተቐበለን ኣብ መስቀል ክስቀል ፈቐደ።

ከምኡ እውን ኣንሕና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዓበይትን ነኣሽቱን ሓሳረ መከራን ምስ እንቕበል ልክዕ ነኣሽቱ ናይ ትንሳኤን ናይ ሕይወትን ዘርእታት ንዘርእን ኣብ ጸላም ናይ ፋሲካ ብርሃን ንኹልዕ።”

ወትሩ ናይቶም ዝነኣሱ ጸግዒ ምኳን

ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣዋን “ስለ እቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ክንጣበቕን ጸግዖም ምስ እንኸውንን ክፋእ ብክፋእ ዘይኰነስ ብይቕረን ምሕረትን ምስ እንምልስ ብሩሃት ምልክታ ተስፋ ንኸውን፡ ነቶም ክፋእና ዝደልዩ ወይ ውን ኣብ ልዕሌና ክፋእ ንዘውርዱ እውን ሰናይ እናገበርና ንባርኽ።”

ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ዓቢይ ምስክር ክርስቶስ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ምትህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ካብ ወጻእን ውሽጥን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ሰላምታ ኣብ ዘቕረብሉ ኣዋን ዕለት 2 ሚያዝያ ቅዱስ ዮውሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱሉ ዕለት ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፥ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ዓቢይ ምስክር ክርስቶስ፥ ውርሻ እምነት ተኸላኻልን፡ ክልተ ዓበይቲ መልእኽቲ ንዓለም ዘቕረቡ እቲ ቀዳማይ ምሕረት ኢየሱስ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ፋጢማ-ግልጸተ ማርያም ‘ናይ ንጽሕት ድንግል ማርያም ልቢ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ከምእተዓወተ ዝገልጽ እዩ”  በዚ መንፈስ’ዚ ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምዝዘከርዎም ዝገለጹ ልኡኽ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋቲ ኣስዒቦም፥

ስለ እተን  ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝስቀላ ደቂንስትዮ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኩሉ ንኽሳተፍ እዕድም

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ መላእ ምእመና ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥ ነቶም ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ሓቆፍ ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ተመዲቦም ዝተሰውኡ ብናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓልዮ ምዱብ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሳንቶ ማርሲያኖ ዝተሰነዩ ኣባይቲ ስድራ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ዕለት 7 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ማሕበረሰብ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ስለ እተን ንመጋበርያ ፍትወተ ስጋ ዝዳረጋ ደቂንስትዮ ካብቲ ብናይ ገበን ጉጅለታት ተገዲደን ዝወደቓሉ መጻወዲያ ሓድሽ ጊልያነት ናጻ ንምዋጻእ ዝግበር ግብረ ሰናይ ክበራታዕ ብዝብል ሓሳብ ስለ እተን ኩለን ንዝተፈላለየ መሳቕል ዝዳረጋ ደቂንስትዮ ሓሳብ ገይሩ ኣብ ዝካየድ ጸሎተ ፍኖተ መስቅል ኩሉ ክሳተፍ ቅዱስነቶም ዓዲሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.