2017-04-06 16:42:00

ቅዱስ ኣቦና ንልኡካን ሃይማኖት ምስልምና ተቐቢሎም፥ እቲ ዘገድስ ዕዮ ኣብ መንጐና ጽን ምብህሃል ምዃኑ ገሊጾም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕራቦም ኣብ ሮማ ምውህሃድን ሕንጸትን ዓመጽን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሰናደወ ዓውደ ጉባኤ ዕዮ ንኽሳተፉ ሮማ ንዝኣተዉ ብናይ ወስትሚንስትር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ ዝተሰነዩ ንቕዱስ ኣቦና ብናይ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓእሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ብዘስምዕዎ ዘረባ ተላልዮም ንዝቐረቡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ማሕበረ ሃማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ልኡኻን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ጽን ምብህሃል ዘለዎ ኣገዳስነት ተኰር ሓጺር ዘረባ ከምዘስምዑን ነቶም ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ሱኒትን ሺዓውን ሃይማኖት ምስልምና ዝወክሉ ኣርባዕቲ ኣካላት ዘሰነዩ ብፅዕ ካርዲናል ኒኮልስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥  እቶም ኣርባዕተ ልኡካን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርክቱ ከምዝዀነኑ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ከም ኣብነት ንቅዱስ ኣቦና ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ዘለዎም ምዃኖም ገሊጾም፡  ኣብ ወስትሚኒስትር ድሕሪ ዝወረደ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድማ ብፁዕ ካዲናል ኒኮልስ ቅዱነቶም ንዘመሓላለፉሎም ናይ ሓዘንን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ ኣመስጊኖም ሃገሮም ሰላምን ስምረትን ዝዓሰላን ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ዘለዋ ክትኸውን ዝምነይ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓባይ ብሪጣንያ ዓቢይ ዕድል እዪ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሶቲ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ሃማኖታት ጽን ምብህሃልን ልቢ ንልቢ መልሲ ንምሃብ ዘይህዉኽ ጽን ምብህሃል ይሃሉ ዝብልን እዚ ድማ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተቐዳሚ ዕዩ ክኸውን ከምዝግብኦ ዘነጽር ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታዉራን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥  ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ሰባትን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ጽን ምብህሃል እሂን ምሂን ምብህሃልን መልሲ ንምሃብ ዘይህዉኽ ጽንታ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን እዮም ዘቕረቡ ቢሎም፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ድማ ኣብ ዘተ ዘጋጥሙ ክልተ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዘለዉን እቲ ቐዳማይ ናይ መንነትን እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ካልእነት ብዶሆ እዩ፥

“እቲ ቐዳማይ፥ ብርግጽ መንነትካ ኣነጺርካ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ኲይንካ ክትዝትይ ዘይከኣል እዩ። ብዓቢዩ ድማ እቲ እትኣምኖ ሃይማኖትካ ኣነጺርካ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ኲይንክ ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ኣባላት ክትዝትይ ዘይከኣል እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ካልእነት ብድሆ እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ብእምንት ካባኻ ዝተፈልየ ‘ካልእ፤ ብሃይማኖት’ ከምቲ ናትካ እምነት ዘይብሉን እቲ ንስኻ እትስዕቦ ሃይማኖት ዘይስዕብ ብምዃኑ ጸላኢ እዩ ቢልካ ምሕሳብ ዘይቅቡል ዝብል እዩ፡ እዞም ክልተ ብድሆታት ንምብዳህ ሰብ ከም ሰብ ምቕባልን እምነትካ ምፍላጥን እቲ ካልእ ድማ ንኣኻ ከም ካልእነትካ ክቕበለካን ንኻልእ ከም ካልእነቱ ምቕባልን ከምዘድሊ” ብሰፊሕ ዘሰምረሉ ሓሳብ እዩ ኢሎም።

ከምኡ እውን ቅንዕና ንገዛእ ርእሱ ኣብ ርክባት ወሳኒ እዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሜላ ዘይኰነስ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝነብሮ ግብረ ሃይማኖት እዩ። ኩላትና ናብ ሓቂ እንጓዓዝን ኣብ ሓቂ ንምብጻሕ ብዝተፈላለየ መገዲ እንጓዓዝ ናብ ሓቂ ዝነግዱ ኢና፡ ስለዚህ ርክብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት በዚ መልክዕ’ዚ ናብ ሓቂ ናይ ዝጓዓዙ ማኅበረሰብ ናይ ሓባር ርክብ ማለት ምዃኑ እዩ፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዕዮ ከምዘስመረሉ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

     








All the contents on this site are copyrighted ©.