2017-04-01 19:37:00

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ መጋቢት 29 2009 ዓ.ም. (April 2 2017)


ንባባት ሮሜ 7:1-14፥ 1ዮሓ 4:1-11፥ ግ.ሓ.5፡34-ፍ፥ ዮሓ 3፡1-21    ምስባክ፡ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው። “ንልበይ ተዓዘብካዮ ብለይቲ በጻሕካዮ፥ መርሚርካንስ ገለ ክፉእ አይረኸብካን፥ ብአፈይ ከም ካልኦት ሰባት ክፉእ አይዛረብን   እየ” መዝ.17፡3።

ሰንበት ዘኒቆዲሞስ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ኒቆዲሞስ ምሁር ሕጊ ነቲ ኢየሱስ ዘስተምህሮን ዝገብሮን ዝነበረ ብማዕዶ ርእዩ ዝአመነ፥ አብ ፍርዲ ኢየሱስ ምስ አይሁድ ዘይተሓባበረ፥ ንሬሳ ኢየሱስ አብ ኢዱ ዝተቐበለ ረድኢ ኢዩ። ጉዕዞ እምነት ንበይኑ በቲ ዝሰምዖን ዝርአዮን ዝነበረ ጀሚርዎ፥ ንዝነበሮ እምነት ከረጋግጽ ኢሉ ኸአ አብ ኢየሱስ ብለይቲ አብ ጽምዋ ክምሃር ክፈልጥ ኢሉ መጺኡ። “መምህር ብጀካ እቲ አምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ እንተ ዘይኮነ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተአምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና” በሎ። እዚ ብለይቲ ምምጽኡ፥ መጀመርያ ሕፉር አባል ባይቶ ቤት ምኽሪ አይሁድ ስለ ዝነበረ፥ ዝነበሮ ሓላፍነትን ክብርን ምስ ኢየሱስ ብግሁድ ክራኸብ አየፍቅደሉን ነሩ። ካልአይ ካብቲ አብ ውሽጡ ዝስምዖ ዝነበረ ጸልማት ወጺኡ አብ ብርሃን ክአቱ ስለ ዝደለ ብለይቲ አብ ኢየሱስ መጺኡ። ንኢየሱስ ንበይንኻ ክትረኽቦ ክተዕልሎ ምኽአል ጸጋ ብርሃን እዩ ዝዕድል ምኽንያቱ ንሱ ምንጪ ሕይወትናን ተፈጥሮናን ስለ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ነዚ ጸጋ እዩ አብ ግብሪ ርእይዎ። ሎሚ ንሕና እውን ንኢየሱስ ንብሕትና ክንረኽቦ ንድለዮ ጸገምና ነዕልሎ፥ ምስጢር ጸገምና ምስ ኢየሱስ ክነዕልል ከሎና ጥራሕ እዩ ዝፍትሓልና።

ኒቆዲሞስ ዕላሉ እናወደሰ እዩ ጀሚርዎ “ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተአምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና” ኢልዎ። ካብ አምላኽ ከም ዝመጸን ናይ አምላኽ ነገራት ከም ዝገብር፥ ነቢይ ከም ዝኾነ ክርኢ ክኢሉ ግን ጌና ምሉእ እንታይነት ኢየሱስ ክርኢ ክፈልጥ ስለ ዝደለ ክሓቶ አብኡ መጺኡ። ኢየሱስ ክምልሰሉ ከሎ ሓደ ንሕግን መንግስቲ አምላኽን ክርኢ ዝደሊ “ንሱ ካብ ላዕሊ ክውለድ አለዎ” ኢልዎ። “መንግስቲ አምላኽ” ዝብል አብ ወንጌል ዮሓንስ አብዚ ጥራሕ ንረኽቦ ማዕረ “ሕይወት” ዝብል አብ ዮሓንስ እንረኽቦ ከምኡ ክርአ ይክአል፥ አብ ካልኦት ወንጌላውያን ግን ብተደጋጋሚ ንረኽቦ። አብ መንግስቲ አምላኽ አባል ምዃን ማለት አብቲ ግዝአት ብምሉእ ምውህሃድ ወይ ናይ አምላኽ ግዝአት ብምልኡ አባኻ ሕያው አሎ ማለት እዩ።

ኒቆዲሞስ ቃል ብቃሉ ይርድኦ እሞ “ሰብከ ምስ አረገ ከመይ ኢሉ ክውለድ ይኽእል መሊሱ አብ ከርሲ እንኡ አትዩስ ኪውለዶ ይኽእል እዩ” እናበለ ሓቲቱ። እዚ ዘይምርዳእ አብ ዝልዓለ ርድኢት ከብጽሖ ዕድል ከፊትሉ። “ብሓዲስ ምውላድ ማለት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ምውላድ ማለት እዩ፥ እዚ ኸአ ብንጹር ንክርስትያናዊ ጥምቀት ዘመልክት እዩ። ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ (ከም አብ ባህርያዊ ልደት) ግን ካብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ እዩ፥ እዚ እዩ እቲ ካልአይ ልደት ኩልና ክንከዶ ዘሎና።

“ካብ ላዕሊ እንደገና ክትውለዱ አሎኩም” አብ ኒቆዲሞስ ጥራሕ ዝዓለመ ዘይኮነ አብ ኵልና ዝዓለመ እዩ። ሓንሳብ ብምንፈስ ክንውለድ እንተ ኸአልና ንርእስና አብቲ አምላኽ ክንኮኖ ዝደልዮ ክንመርሖ ንኽእል። “ንፋስ አብ ዝደለዮ ይነፍስ” ድሃዩ ኸአ ትሰምዕ ካበይ ከም ዝመጽእ አበይ ከም ዝኸይድ ግን አይትፈልጥን ኢኻ”። “ንፋስ” “እስትንፋስ” ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ እቲ እንኮ መራሕን ጸግዒ ሕይወትናን እዩ። ንሱ ዝተሓደሰ ሕይወት ብናቱ መንገዲ ከም እንረክብ ይገብረና። አብዚ እቲ “ንፋስ” ዝብል ቃል ትርጉሙ “እትስትንፋስ” “መንፈስ” ብግሪኽ “pneuma” ዝብል እዩ።

ሓንሳብ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ተመራሕና ንርእስና ብምልኡ አብ ትሕቲ ኢድ አምላኽ ገርና ከምቲ ንሱ ዝደልየና ክንከይድ ቅሩባት ኮና አሎና ማለት እዩ። እዚ መልእኽቲ እዩ ንኒቆዲሞስ ተዋሂብዎ። ንሓዲስ ጉዕዞ ካብቲ አብዚ ዘብጽሖ ብዝተፈለ መገዲ ክመርሕ ቅሩብ ክኸውን። በዚ መገዲ እንተ ተጓዕዘ አብ ኢየሱስ ቃል አምላኽ ዝኾነ ከብጽሖ እዩ። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብዛ ስዓት ካብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ጉዕዞ ሕይወትና አብ ሓዲስ ጉዕዞ አብ አምላኽ ዘብጽሕ ክንክተል ይነግረና አሎ። ጉዕዞ ሕይወተይ አንፈቱ አበይ ገጹ እዩ ዘሎ ኢልና ክንሓትት አብቲ ምንጪ መልስና ዝኾነ ክርስቶስ ንቕረብ።

ኒቆዲሞስ ከም ንፉዕ ተመሃራይ ኩሉ እናበርሃሉ እንከሎ እንደገና እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል እናበለ ምስ ሓተተ “ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ ነዚ ነግር እዚዶ አይትፈልጥን? ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትአምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ከመይ ጌርኩም ክትአምኑ” እናበለ ይሓቶ እሞ ንሱ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ጥራሕ ዘይኮነ ብናይ ሰማያዊ አብኡ ድላይ ከም ዝመጽአ ይነግሮ። ንሱ ናይ አብኡ ቃላትን ትምህርትን እዩ ዘመሓላልፈልና ዘሎ፥ ንሱ ቃል አምላኽ እዩ። ንሱ ዝዛረብ ቃል ጥራሕ አይ ኮነን፥ ንሱ ንኹሉ ካብ ዘየሎ ህልዊ ዝገብር ፈጣሪ እዩ። ንሙታን አብ ሕይወት ይጽውዖም፥ መንፈስ ቅዱስ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክመርሓና ይህበና እሞ ንኹልና ደቂ አምላኽ ይገብረና። ነዚ ኹሉ አብ ሕይወትና አብ ግብሪ ክንምከሮን ሕይወትና ብፍቕሪ ክነብሮን አብ ኢየሱስ እምነት ክህልወና ንሱ ሓቀኛ ቃል አምላኽ ከም ዝኾነ ክንአምን ይነግረና አሎ።

ንቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ክንርዳእ ቀሊል ስለ ዘይኮነ ልዕሊ ኹሉ ክንቅበሎ ልብና ክፉት ክኸውን ነቲ ዝግለጸልና ብሓቂ ክንቅበሎን ናትና ክንገብሮን ናታትና ሱታፌ የድሊ። ኢየሱስ እዚ ዓይነት ቅሩብነት ክህልዎ እዩ ንኒቆዲሞስ ዝደሊ ዝነበረ። ሰባት ንቃል አምላኽ ብዝተፈላለየ መግዲ ክምልሱ ይኽእሉ እዮም። ገለ ብምሉእ ይአምኑ፥ ገለ ኸአ ብዙሕ ምልክታትን ትእምርትን ተዋሂብዎም እንከሎ ተስፋ ቆሪጾም ይኸዱ። አብዚ ነቲ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን (ማቴ 13) ክንዝክር አሎና ሽዑ አነ ካበናይ ጋንታ እየ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ንኽእል።

ክሳብ ሕጂ ወልድ ጥራሕ ምስ አምላኽ አብ ሰማይ ዘሎ (አብ መጀመርያ ቃል ነበረ እታ ቓል ድማ አብ አምላኽ ነበረ፥ እቲ ቃልውን አምላኽ ነበረ. . . . ) ካብኡ መጺኡ አብ መንጎና ሓደረ፥ ድላይ አምላኽ እንታይ ከም ዝኾነ ከመይ ኢልና ክንምልሰሉ ከም ዝግብአና መገዲ አምላኽ ክሕብረና መጸ።

ነዚ ኹሉ ሓቀኛ መልሲ እትኾነና ኵሉ አድህቦና አብ ኢየሱስ ክንገብር ከሎና እዩ። “ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኪስቀል ይግባእ እዩ”። እዚ ነቲ አብ ዘኁልቅ 21፡9 ዘሎ እስራኤላውያን ኃጢአት ምስ ገበሩ አምላኽ ከም ዝቐጽዖም ክምሕሮም ምስ ደለ ኸአ ነቲ አብ ባላ ዝተሰቕለ ናይ አስራዚ ተመን ዝርአየ ዝሓዊ ዝነበረ የዘኻኽረና። 

ኢየሱስ ብዝልዓለ መገዲ አብ መስቀል ምስ ተሰቕለ አብ ግርማ አብኡ ብትንሣኤኡን ዕርገቱን ከም ዝአተወ ንርኢ። ንሱ ምንጪ ሕይወት ናይ ኵሎም እቶም ርእሶም ብምልኡ አብኡ ዘወፍዩ ክኸውን እዩ። ሽዑ ጥራሕ ኢና ካብቲ ካብ ጎኑ ዝወጸ ማይ ተሓጺብና እንጸሪ (ዮሓ 19፡34፥ ዘካርያስ 13፡1)።

ከምዚ ካብ ኮነ ክሳብ ክንደይ ኢና አብ ኢየሱስ እንጥምት ዘሎና? አጠማምታና ናይ ሓላፍ መገዲ አጠማምታ ድዩ ወይስ ብሓቂ ልብና አድሂብና ብምሉእ ምስኡ ንወሃሃድ አሎና። ንሱ ማእከል ናይ ሕወትናን ርክባትናን ገርናዶ ኢና እነቐርቦ ዘሎና ወይስ ንርአዩለይ ጥራሕ እዩ አጠማምታና?

ከም ኒቆዲሞስ ብቐጻሊ አብ ኢየሱስ ክንመላለስ ክሳብ ዝበርሃልና ምስኡ ክነዕልል እሞ ጎይታይ ሓግዘኒ ነዚ ጸልማት ዝመልኦ ሕይወተይ ብርሃንካ ኰልዓለይ ኢልና ክንልምኖ ይግብአና። ዘተ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን አብ ተሎጋዊ ዘተ ገጹ ስለ ዘምርሐ ቃላት ኢየሱስን ናይ እዚ ወንጌል ጽሓፋይን ብቐሊል ክትፈላልዮ ዘይክአል ኮይኑ። ኢየሱስ አብ መወዳእታ ዘቲኡ ርክብ አብ መንጎ አምላኽን ዓለምን ዘሎ ገሊጽሉ፥ ካብቲ ቀንዲ ዝበሎ ኸአ እዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ሓሳባት ንረክብ።

አምላኽ ንዓለም የፍቅራ፥ ከም መግለጺ ፍቕሩ ንሓደ ወዱ አብ መስቀል ብጨካን ሞት ክሓልፍ ብምፍቃዱ ክሳብ ክንድዚ አፍቀራ። አምላኽ ንዓለም ብምሉአ እዩ ዘፍቅር ነቲ ጽቡቕ ክፍላ ጥራሕ አይ ኮነን ዘፍቅር። ፍቕሩ ንኹሉ ፍጡር ብዘይ አፈላላይ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብማዕረ እዩ፥ ስለዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ አብ ዓለም ዝተገልጸና ክንአምን፥ቃሉ ንምስማዕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ክንከውን፥ ሕይወትና ብምልኡ ብዓሚቕ እምነትን ክነወፍየሉ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና።
አምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝልአኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ አይኮነን። አብ ሕይወትና ነዚ ደጋጊምና ክንዝክሮ ይግብአና፥ ናይ አምላኽ እታ እንኮን መጀመርያን ዝንባሌ ባህሪኡ ንአና ምፍቃርን ንሕና ነቲ ፍቕሩ አብ ሕይወትና ምስትምቓሩን እዩ። ንሕና ብአኡን ምእንትኡን ኢና ተፈጢርና። ሕይወቱን ፍቕሩን ንዘለዓለም ክንካፈል ኢሉ ፈጢሩና።
እቲ ብሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምን አይ ክፈርዶን እዩ፥ እቲ ብአኡ ዘይአምን ግን ብሓደ ወዲ አምላኽ ስለ ዘይአመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ። እዚ ምስቲ አቐዲምና ዝበልናዮ አይጻረርን እዩ። ፍርዲ ካብ አምላኽ አይ ኮነን ዝመጽእ ካብ ባዕልና ዝመረጽናዮ እዩ ዝመጽእ። ቀጺሉ ዮሓንስ ወንጌላዊ “ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ይፈትዉ. . . ኽፉእ ዝገብር ዘበለ ኹል እቲ ግብሩ ምእንቲ ከይግለጽ ብርሃን ይጸልእ እምበር ናብ ብርሃን አይመጽእን እዩ” ይብለና።

አምላኽ አይኮነን ዝሓድገና ወይ ዝኹንነና ንሕና ኢና እንሓድጎ። ካብ ብርሃን ጸልማት ምስ መረጽና ናይ ገዛእ ርእስና ፈረድቲ ባዕልና ኢና። ንገዛእ ርእስና ኲኖ ፍቕሩ ንገብሮ ሽዑ ንሱ አብኡ ክንምለስ ይጽበየና። ብአንጻሩ “ሓቂ ዝገብር ግና ኸም ትእዛዝ አምላኽ ስለ ዝገበረ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኽግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ”።

ፍርዲ አምላኽ አይ ኮነን ክንፈርሖ ዘሎና፥ ምርጫና እዩ ናብኡ ዘቕርበና ወይ ከአ ዘርሕቐና፥ ኩሉ ጊዜ አብ ብርሃን ወይ አብ ጸልማት ክነብር ምርጫና እዩ።

ሎሚ አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ፵፥ አብ ሕይወትና ዝርከብ ናይ ጸልማት ኵርንዓት ሕጅን ዝሓለፈን ካብ ካልኦት ሓቢእናዮ እንነብር ክንርኢ እሞ አብ ብርሃን ክንወጽእ። ስለምንታይ ኢና ክፍአትና ኃጢአትና ክንሓብእ እንፍትን? አብ ብርሃን ዝነብር ዝኾነ ክፉእ ግብሪ ዘይብሉ ሓንቲ ዝፈርሖ ስለ ዘይብሉ ዝሓብኦ የብሉን። አብ ብርሃና ዝኾነ ክርስቶስ አብ ቅድሚኡ ደው ንበል እሞ ከብርሃልና እዩ።

አሰር ኒቆዲሞስ ስዒብና ካብ ጸልማት ሕይወትና ወጺእና ብኃጢአትና ነጺሕና ንአምላኽ ክንቅበሎ ንቕረቦ። አብ መንበረ ንስሓ አቲና ብኃጢአትና ንተአምን ሽዑ ብርሃን ክርስቶስ አባና ክበርህ እዩ። ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ብንስሓ ዝተሰነየ ጾም አሓሊፍና አብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላምን ፍቕርን የብጽሓና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.