2017-03-25 16:58:00

ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም፥ ሞት ንኣማኒ ናብ ሓድሽ ሕይወት ምውላድ ማለት እዩ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 23 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምስታፍ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ሳልሳይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣባ ካንታላመሳ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ዘሎ ናይ ፋሲክ ምስጢር ዘብርህ እዩ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ክኸውን እንከሎ፥ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕይወትን ሞትን እንታይነት ትርጉሙ ዘብርህ ኣስተንትኖ እውን ከምዘቕረቡ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥

ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዘሎ ምስጢረ ፋሲካ ነቲ ናይ ሕይወትን ሞትን ትርጉምን ፍጻሜ ሕይወትን እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ እንኰ መልሲ እዩ፡ ካብዚ ዓይነት ምስትውዓል ተበጊሶም ኣባ ካንታላመሳ፥ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ብመስዋዕቲ ነኸወፍይን ኣብ ስቅያቱ ሓይሊ ንኽረክብን ናይ መንፈስ ቅዱስ ድርኺት ተቐበለ፡ ኢየሱስ ክጥመቕ እንከሎ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ ኣብ ሙሟቱ ድማ ኢየሱስ ብተራኡ መንፈስ ቅዱስ ይዕድል እዚ ምስጢር’ዚ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ትርጉም ብምስትውዓል እዩ ክበዓል ዘለዎ፡  ስለዚ እቲ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሞት ዝፈጸሞ ስርሒት ለውጢ ኣንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፥

“ኢየሱስ ኣብ ህሞት ሞቱ ዘንበሮ ወሳኒ ረቛሒ፡ ‘…ኣብ ክንዲ ኩላቶም ሞተ’ (2ቆር. 5,15)፡ እዚ ናይ’ዚ ሰብ ‘ዚ ሞትን (ናይ ኢየሱስ) ኣብ ልዕሊ ናይ ወዲ ሰብ ሞት ዘምጽኦ ወሳኒ ዝኾነ ለውጢ እንታይ እዩ፡ እንታይ እዩ ኸ ዝተኸሲቱ? ኣልኣዛር ደሓር እውን ንኽመውት ክነሱ በቲ ንኽቕበር ዝኣተወሉ ማዕጾ እዩ ዝወጸ። ኢየሱስ ግና ናብ መቓብር ወሪዱን ነቲ ናይ መቓብር መንደቕ ፈንጺጉ ይትንስእ። ስለዚህ በቲ ዝኣተወሉ ናይ መቓብር ማዕጾ ዘይኰነስ ናብ ትንሳኤ ወጸ። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፥ ‘ብስቓይ ኢየሱስ ሰብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገረ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ንኣና ነቶም ብትንሳኤኡ እንኣምን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘሰጋግር ተስፋ ኣርሀወልና’ ከምዝበሎ  እዩ።”

ኣባ ካንታላመሳ ሞት እንታይ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፥

“ኣብ ዘመናት ተፈላሰፍትን ገጠምትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን፥ ሞት ከም ምቁራጽ ሕይወት፥ ከም ክፍሊት ዕዳን ወይ ከኣ ሓሶት ዝዀነ ጸገምን፡ ተመሊስና እንኸዶ ሰንኪ ምፍጣርና ዝኾነ ባዶነት - ኣልቦ ከምኡ እውን ተከእትኻ ብምውላድ ዝስገር ዕንቅፋት ቢሎም ይትርጉምዎ፡ ካልእ እውን በሪ ናይ ዳግመ ትስብእት (ዳግመ ስግዌ) ይብልዎ፡ ብኽርስቶስ ግና ናብቲ ዘይሓልፍ (ሓድሽ ሕይወት) መሰጋገሪ (ናብቲ ዘይሓልፍ መተሓላለፊ) ኰነ ናይዚ ጥልቂ ትርጉም ሞት ኣብ ትርጉም ፍቕሪ እዩ ዘሎ፡ እቲ ምስጢር ምናልባት ኣብቲ ዘይትጽበዮ ዘሎ ክኸውን ይኽእል። ስለዚህ ናይ ሞት ምስጢር እቲ ኢየሱስ ንሞት ከወግድን ክስርዕርን ኣብ ምምጻኡ ማለት ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ኣብ ዘርኢ ሰብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንኸስርጽ ኣብ ምምጻኡ እዩ። ፍጥረት ሰብ ካብ ኣግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ኣርሒቑን ንእግዚኣብሔር ሕቑኡ ሂቡ እዩ ዝነበረ፡ ኢየሱስ ከኣ ብትስብእቱ ኣቢሉ ፍቕሪ እግዚኣብሔ ናብቲ ተዀርሚቱ ዝነበረ ጥልቂ ሰብኣዊ የስርጽ። ምእንቲ’ዚ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት የስተውዕሎ ኣየስተውዕሎ ኣብ ውሳጤኡ ምስ ዝኣትው ምስቲ ዝጽበዮ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ ዝራኸብ”

ሎሚ እውን እንተዀነ ናብ መቓብር ምእታው ኣይተረፈን ማለት ሙሟት ዘሎ እዩ። ኰይኑ ግና ሰብ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ተንጠልጢሉ ካብ ሞት ንኽወጽእ ዕድል ከምእተውሃቦ ድማ ገሊጺም፥ እዚ እዩ እቲ ሓደ ኣማኒ ክገብሮ ዝግብኦ። ልክዕ ከምካልኦት ግና ዝተፈልየ። ከምዝመውት ዝፈልጥ ግና ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ተንጠልጢሉ ካብ ሞት ዝትንስእ ምዃኑ ዝኣምን ከም ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሞት ፍርሕን ሓዘንን ዘለዎ ግና ኣብ ተስፋ ዝነብር ብምዃኑ ሓደ ኣማኒ ዝፈልዩ እዚ እዩ። ስለዚ ንሓደ ኣማኒ ሙማት ምውላድ ማለት እዩ። “ጥምቀት ማለት እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።

እምነት ክርስትና መገዱ ዝጸርግ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘሎ ፍርሒ ብምጥቃም ዘይኰነስ ነቲ ፍርሒ ብምውጋድ እዩ። ብዛዕባ ሞትና ኣብ ስቓይን ሞትን ኢየሱስ ኣስተውዒልና ንኽንሓስብን ከነስተንትን ውጽኢታዊ ይኸውን። ብፍላይ ዓቢይ ጾም ነዚ ንምሕሳብ ምቹእ ግዜ እዩ ዝበሉ ኣባ ካንታላመሳ፥ እዚ ዓይነት ኣስተንትኖ’ዚ ዘነቓቕሕ እምበር ጭንቀት ዝፈጥር ኣይኰነን ስለምታይ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፥ “የፍቅረኒ እዩ፡ ኣፍቂሩኒ እዩ፡ ስለይ ገዛእ ርእሱ ሃበ። ክሳብ ገዛእ ርእሱ ስለይ ዘሕለፈ እዩ” ቢልና ግብታዊ ጭርሖ ከነቕርብ ስለ ዝገብር እንክብሉ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዘዓብይ ጾም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.