2017-03-10 16:16:00

ሰንበት ዘመፃጕዕ ጾም ፵ (3 መጋቢት 2008 ዓ.ም.) (3/12/17)


ንባባት፡ 2ጢሜ 1፡1-10፥ ያዕ 4፡1-11፥ ግ.ሓ. 24፡1-21፥ ማቴ 9፡1-9 ስብከት፡እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥ “ ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥   ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከአ አሕውየኒ” መዝ. 41፡3~4።

መዝሙር: “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ፥ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ፥ አነ ጎይታ ሰንበት እየ፥ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“ ዝብል እዩ።

ሰንበት ዘመጻጉዕ፦ መዝሙርን ንባባትን ዘተኩርዎ ኢየሱስ መን ምኳኑ አብ ምፍልጥ፥ እምነት ገርና አብ አምላኽ እንተ ቐረብና ሕድገት ኃጢአት ከም እንረክብ፥ ኢየሱስ ነጻነት ክሰብኽን ንዕዉራት አዒንቶም ክብርህን ከም ዝመጽአ ገሊጾም ይነግሩና። በቢ ሰንበቱ ዝዝመሩ መዛሙር ፍሉይ መልእኽቲ ንአስተንትኖን ክንገብሮ ዘሎና ዝሓዙ እዮም። ሰንበት ዘመጻጉዕ ስሙ ከም ዝሕብሮ ብዛዕባ ሕማም መጻጉዕ እዩ ዝነግር ቀንዲ መልእኽቱ ኸአ ነቲ ንነፍስና ዝቐትልን ዘሳቕን መንፈሳዊ መጻጉዕ ኃጢአትና እዩ ዘመልክት። ሕማም መጻጉዕ ዝሓመመ ካብ ሰብ ይፍለ ከምኡ ብአምላኽ ብሰንኪ ኃጢአቱ ከም ዝተቐጽዐ እዩ ዝርአ፥ ምስ ዝኸነ ሰብ ክዋሰብ አይፍቀዶን እዩ እንትርፎ ከምኡ ዝሓመሙ እንተ ዘይ ኮይንኖም፥ ብሓጺሩ እዚ ሕማም ንሰብ ብአካላውን መንፈሳውን ሞራላውን ሕብረተሰብአውን ብኹሉ ዘሳቒ ክፉእ ሕማም እዩ። ኃጢአት ክንገብር እንከሎና ምስ አምላኽን ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ከምኡ ምስ ርእስና ዘሎና ርክብ ይዝረግ እሞ አብ መንፈሳውን ስጋውን ስቓይ ንነብር። እዚ እንጉዓዞ ዘሎና ዘመነ ጾም እምብአር ካብ ዝኾነ ንነፍስና ዘሳቒ ኃጢአት ንአሽቶይ ይኹን ዓቢ ክነጽሕ ዕድል ዝኸፍተልና ቅዱስ እዋን እዩ።

ክትነጽሕ ክትምሓር ቀዳማይ መበገሲ እምነት እዩ። አምላኽ ከም ዝምሕረና ክንአምን ምስ ጀመርና ሽዑ ጉዕዞ ንስሓ ንተሓሓዞ። ዝኾነ ካብ አምላኽ ዝተፈለ ሰብ አብ ልቡ ተመሊሱ ምስ አምላኽ ተፈልዩ ከም ዘሎ አሚኑ እሞ ክምለስ እንተ ጀመረ አምላኽ ብማዕዶ ከም ዝቕበሎ አብቲ ናይ በታኒ ወዲ ታሪኽ (ሉቃ 15) ክንርእዮ ንኽእል። አብዚ ጊዜ ጾም እምብአር ንጉዕዞ ንስሓ ክንተሓሓዞ እሞ አብ ትንሣኤ ምስ ጎይታ ክንትንስእ ዘበራትዐና ቅዱስ እዋን እዩ። እምነት ስንቂ ጉዕዞና ገርና ንንስሓን ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ደፊርና ንእተዎ ሽዑ ዝጸበየካ/ኪ ወደይ ጓለይ እናበለ ክቕበለና እዩ።

ጉዕዞ ምንጻሕ ቀሊል አይ ኮነን ሓገዝ የድልየና። ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ሓደ ልሙስ ኢየሱስ ዘሕወዮ ይነግረና። ቅ. ማርቆስ (2፡1-12) እምነት ናይ እቶም ዝተሰከሙን እቲ ሕሙምን ክነግረና እንከሎ እቲ ልሙስ አብቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ቤት ክአቱ ስለ ዘይተኻእለ ንዝባን ናሕሲ አፍሪሶም አብ ቅድሚ ኢየሱስ ከም ዘወርድዎ ይነግረና። ማቴዎስ ብዝያዳ አብቲ ኢየሱስ ዝበሎን ዝገበሮን እዩ ዘተኩር እምበር አብ ዝርዝር ነገራት አይአቱን እዩ። አብ ክልቲኦም ወንጌላውያን ናይ እቶም ጸሮሙ ዝመጽኡ እምነት ዝያዳ አቕልቦ ኢየሱስ ከም ዝረኸበ ይነግሩና። አብ ክልቲኡ ወንጌል እቲ ፍጻሜ አብ ሓደ ቤት ኩሉ ጊዜ ናይ ምዃኑ ዘይንገር እዩ ተፈጺሙ። እዚ ኸአ አምሳል ቤት ክርስትያን ክርስቶስ እዩ። አብ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ምስጢራት አምላኽ ንዕደል አምላኽ ብርእሱ አብኡ አሎ ስለዚ እዚ ስሙ ዘይንገር ቤት ቤት አምላኽ እዩ።

ሰባት ነቲ ልሙስ ሰብ አብ ዓራት ጸሮም አብ ኢየሱስ አምጺኦሞ። አብዚ ናይ ኩሎም እምነት ክኸውን ይኽእል ወይ ከአ ናይ ሓዲኦም። ብዝኾነ እቶም ሰባት አብ ቅድሚ ኢየሱስ አቕሪቦሞ። አብዚ ኢና ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ንሰባት አብ አምላኽ አብ ዕርቅን ሕድገትን፥ ካብ ዝኾነ ጸገም ክወጽኡ ክንሕግዝ ከም ዘሎና ክንሓስብ ዘሎና። ትርጉም ጾም አብዚ እዩ ዝግለጸ ንከማና ዝበሉ አሕዋትና አብ መገዲ አምላኽ እንተ መለስና፥ ንዝተባእሱ እንተ ዓረቕና፥ ንዝጠመዩ እንተ ዓንገልና፥ ንዝሓዘኑ እንተ አጸናናዕና አብ አምላኽ ነቕርቦም አሎና ማለት እዩ። ንሓደ ሓውና ወይ ሓፍትና አብ ኢየሱስ ክነቕርብ እንተ ኸአልና ዓወት እዩ።

አምላኽ አብኡ ክንምለስ ክንቀርብ በብእዋኑ ልኡኻት ይሰደልና እዩ ክንሰምዖም እንተ ኸአልና ንርእስና ኢና እንረብሕ፥ ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ትንቢት ዮናስ ነብይ 3፡1-10 ዘሎ እንተ ረአና ሰብ ንነዌ ዮናስ ነብይ አብዘን 40 መዓልታት እንተ ዘይተነስሕኩም ክትጠፍኡ ኢኹም ኢሉ ክሰብኽ ምስ ጀመረ ንመልእኽቲ አምላኽ ተቐቢሎም ከም ዝተማሕሩ ነንብብ። ንልኡኽ አምላኽ ምስማዕ ምስ አምላኽ ዕርቂ እዩ ዘውርደልና። አብ ኤር 18፡7-8 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ኩሉ ጊዜ ከም ምሕረቱ እምበር ከም በደልና ከምዘይከደና ክገልጽ እንከሎ፥ ንሓንቲ ሃገር ወይ መንግስቲ ክምንቍሳን ከፍርሳን ከጥፍአን እየ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ እታ ሃገር እቲአ ኻብ እከያ እንተ ተመልሰት አነ ነቲ ክገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ አይ ክገብሮን እየ፥ እናበለ አምላኽ ንዝተነስሑ ክምሕር ኩሉ ጊዜ ድላዩ ከምዝኾነ ንርኢ። ሎሚ እውን አፍደገ ምሕረቱ ዕጹው አይ ኮነን ሓንትስ አብኡ ክንምለስ ፍቓደኛታት ጥራሕ ንኹን። አብ አምላኽ ንዘቕርቡና ከይንነጽጎም ክንጥንቀቕ አሎና። አምላኽ ብልኡኻቱ ገሩ እዩ ዝሕግዘና። 

ኢየሱስ ብእምነት እቶም ሰባት ተላዒሉ ነቲ ልሙስ አጆኻ እዚ ወደይ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ እዩ በሎ። ካብ መልበስቱ ክሓዊ ዝመጸ ኃጢአቱ ተሓዲግሉ። አብዚ ኢየሱስ መን ምዃኑ ገሊጹ የርኢ፥ ካልአይ ኃጢአትና አብ ግዙፍ አካልና እውን ሳዕቤን ከምዘለዎ ንርኢ። መንፈሳዊ ልምሰት ንስጋዊ ልምሰት መቕድሙ ኮይኑ ንረኽቦ። ካብ ኃጢአቱ ምስ ነጽሐ መልበስቱ ሓዲግዎ። ምስቲረ ንስሓ ንመንፈሳዎ ልምሰት ዘሕዊ ምስጢር እዩ።

ካብ መልመስትና ክንሃዊ ናይ ኩልና ምትሕብባር የድሊ። አብ ሓደ ቍምስና ወይ ዓዲ ምትሕብባር ናይ ሕብረተሰብ ንብዙሓት አብ ምሕዋይ መንፈሳውን ሥጋውን ጸገማት ከብጽሕ ይኽእል። ናይ ምሕረት ስራሕ ካብ ውልቀሰባት ጀሚሩ ክሳብ ብቍምስና ብዓዲ ደረጃ ክኸውን እንከሎ ዘዕግብ ውጽኢት አልኦ ብዝያዳ ዘመነ ጾም ብፍሉይ አብ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ተእልኮ ክንወፍር ይሕግዘና። ዘመና እዚ መንፈስ ጎዲልዎ ሰብ አብ ግላዊ ረብሓን ጥቕምን ጥራሕ ክጓዩ ንርኢ። አብ ገለስ ንሓዎም እንተ ዓመጹ ዝተዓወቱ ዝመስሎም ስቓይ ሓዎምን ሓፍቶምን ዘይግድሶም አብ ውልቃዊ ረብሓ ጥራሕ ተሓዚኦም ንአይ ይጥዓመኒ እናበሉ ዝጕዓዙ ናይ ዘመና ናይ ዓውት ምልክት ኮይኑ ብብዙሓት ዝርአ አምር እዩ። እንተ ኾነ እዚ ብቀትሩ ሸፊኑና ዘሎ ጸልማት ክንቅንጥጥ ናይ ነፍሲ ወከፍና ንስሓ የድልየና።

እቲ ልሙስ ኢየሱስ ግላዊ ኃጢአቱ አብ ቅድሚ ሰባት ተሓዲጉልካ እዩ ክብሎ አይተጸበየን ይኸውን፥ ንእኡ ዝግድሶ ዝነበረ መልበስቱ ክሓዊ እዩ። ገለ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዘረባ ኢየሱስ ጸርፊ ንአምላኽ ገሮም ወሲዶሞ። እቲ መልእክቲ ግን ግሉጽ እዩ ነሩ። 

ኢየሱስ ዝሓስብዎ ዘለዉ ብምልኡ ስለ ዝተረድኦ አየናይ ይቐልል ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንሥእ እሞ ኺድ ምባል እናበለ ንሰማዕቱ ሓቲትዎም። ብርግጽ ኃጢአትካ ተኃዲጉላክ እዩ እሞ ኪድ ዝብል ይቐልል። ግን እዚ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክንፈልጥ ንኽእል። ኢየሱስ ቀጺሉ ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ኃጢአት ክኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ ኢሉ ነቲ ልሙስ ተንሥእ ዓራትካ አልዒልካውን ናብ ቤትካ ኪድ በሎ። ተንሢኡ ድማ መንጸፉ አልዒሉ ካብቲ ቤት ናብ ቤቱ ኸደ።

እቲ ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ ከምዚ ዝአመሰለ ክእለት ንሰብ ዝሃበ አምላኽ አመስጊኑ ይብል እዚ ኸአ ጌና ኢየሱስ መን ምዃኑ ስለ ዘይተረድእዎ እዩ። ንሶም ዝተረድእዎ እቲ ኢየሱስ ዝገበሮ አብ ቅድሚ ዓይኖም ዝርአይዎ ስራሕ አምላኽ ከም ዝኾነ እዩ።

ኢየሱስ ነቲ ልሙስ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ ክብሎ እንከሎ አብቲ ቀንዲ መሰረት ጸገም ሕይወቱ ክአቱ ስለ ዝደለ እዩ። አብዚ እንርእዮ ኃጢአት በዚ ወይ በቲ መሰረት ናይ ዝጓነፈና ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ። ኃጢአት ክንፍጽም እንከሎና ሰለስተ ዓበይቲ ጸገማት ኢና እንፍጽም።

ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ነቋርጽ። አብ መንጎናን አምላኽን ብናትና ምርጫ ዓቢ ፍልልይ ንፈጥር። ብዘይ አምላኽ ዝምራሕ ሕይወት ንነብር። ሓ/ት/ክ አብ ቍ 1487 ብሰንኪ እንገብሮ ኃጢአት አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዝፍጠር ርክብ ክገልጽ እንከሎ ኃጢአተኛ ንናይ እግዚአብሔር ክብርን ፍቕርን ይብድል፥ ከም መጠን ሰብ ውሉድ አምላኽ ንምዃን ንዝተጸውዓሉ ሰብአዊ ክብሩ የዋርድ፥ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሕያው እምኒ ኮይኑ ንዚሓነጸ ንናይ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊት ቤት ጥዕናአ ኪጎድእ ይርከብ ይብል።
ምስ ሰብ ዘሎና ርክብ ይጽሎ። ኃጢአት ነቲ አብ መንጎና ዝርከብ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ሱታፌ ቅዱሳን እንብሎ ይጎድኦ (ሓ/ት/ክ 953)። ኃጢአት ንሓድነት ቤተ ክርስትያን ይበታትንን። ኃጢአት አብ ዓለም ምስ አተወ ምብትታን አትዩ።
ንርእስና ንጎድእ። ሰብ ኃጢአት ብምግባር እቲ መልክዕ አምላኽ ዝኾነ ተፈጥርኡ የበላሹ፥ ተጻይ እቲ አብ ልዕለና ዝፈሰሰ ፍቕሪ አምላኽ ብምዃኑ ንልብና ካብኡ የርሕቖ። አፍደገ ሰማይ ይዓጽወልና። መንፈስና ለሚሱ ጽቡቕ ካብ ምግባር ንደክም ብቐሊል አብ ዝገደደ ኃጢአት ንወድቕ። ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ልብና ናይ ሰይጣንን ስምዒትናን ቦታ ንገብሮ በዚ ካብ አምላኽ ተፈሊና ንነብር።

ኢየሱስ ነቲ ልሙስ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ እዩ መንጸፍካ አልዒልካ ኪድ ኢልዎ። አብ መንበረ ንስሓ ዝቐርብ ካህን ኃጢአቱ ብስም ስለሴን በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን እናፈትሖ ብሰላም ኪድ ይብሎ። አብ ቅድሚ አምላኽ ዝቐረበ እሞ ምሕረት ዝሓተተ እዚ እዩ ዝረክብ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ፪ቆሮ 6፡2-14 መጀመርያ ገለ ካብ ሰብ ቆሮንጦስ ዘቕረብዎ ወቐሳ መልሲ ይህበሉ። ካልአይ ዝኾነ ተኸታሊ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ክኽተሎ ዝግብኦ ነገር ብፍላይ ዝገጥሞ ብዘየገድስ ክጸንዕ ከምዘለዎ ይነግር። ሰባት ዝብልዎ ብዘየገድስ ንሓቅን ንእምነትና ኩሉ ጊዜ ለቢስና እሙናት አርድእት ክርስቶስ ኮና ንክነብር ይነግረና።

ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ልብኹም አይትሕብኡልና ይብሎም። ልቡ ዝሓብእ ሰብ ብኽልተ መገዲ እዩ ዝጉዓዝ። ኢየሱስ ንሰብን ንአምላኽን ክተገልግሉ አይትኽእሉን ኢኹም ኢሉና እዩ። ስለዚ ንሓዲኡ ክንመርጽ አሎና። ብዝርአ ክርስትያን ብውሽጥና ግን ካልእ ክንከውን አይግባእን። ሕጂ እውን ቤተ ክርስትያን ልብኹም ንአምላኽ ክፈቱ ትብለና አላ።

ቀጺሉ ጳውሎስ ምስ ዘይአምኑ መንፈስ አምላኽ ምስ ዝርሓቖም አይትቆሮኑ ይብል። ሓውና ሓፍትና ዓርክና መሓዛና ክጸልወና ስለ ዝኽእል ንሓቂ አብ ዕዳጋ ከይነውድቓ ምጥንቃቕ የድሊ። እዚ መንፈስ ክንዕወተሉ እዋኑ እዩ። ሓቂ ልዕሊ ዝኾነ ክፍአት ሰሪዕና መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ንበገስ።

እምብአር በዚ ብሩኽ ሰንበት ዘመጻጉዕ ካብ ለሚስናዮ ዘሎና ናብቲ ፈዋሲ አበሳ ዝኾነ አምላኽና ጉዕዞ ንስሕን ሕድገት ኃጢአትና ክንትሓሓዞ ንሕተት አሎና። አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ስሬት ኃጢአትና ንሕተት። አምላኽ ይጽበየና አሎ። አብ ቤቱ መጺእና ምሓረኒ ንበሎ። ወደይ ጓለይ ኃጢአትኩም ተሓዲግልኩም እዩ ብሰላም ኪዱ ዝብል ቅሳነት ሰላምን ሓጎስን ዝህብ ቃሉ ክንሰምእ ኢና። ነዚ የብቅዓና።

ብሩኽ ጉዕዞ ጾም ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.