2017-03-09 16:17:00

መግለጺ ቅድስቲ መንበር፥ ክትገልጾ ዘይከኣል ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ዓለም ይሰፍሕ ኣሎ


ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር “ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን፤ ንዝተፈላለያ ሃማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንምርግጋእን ኩነት እዩ፤ ማሕበረ ክርስቲያንን ካልኦት ማሕበረሰብን ምድጋፍ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዕለት 7 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዕለም ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥እቲ ቀዳማይን ካብቲ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣዚዩ ኣገዳሲ ተባሂሉ ዝንገረሉ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ስሉጥ ኣፍልጦ ምሃብ ነቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ሓደስቲ ቅልውላዋትን ንማሕበረ ክርስቲያን ብፍሉይ ዝትንክፍ ዘሎ ሃይማኖታዊ ኣሳዶ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላ ንምግጣምን ፍታሕ ንኽረክብ ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት እዩ

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ሃማኖት ነጻነት ማሕበራዊ ጐድነ ጠባዩ ምክልኻል

ዋላ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንኽኽበር ብዙሕ ጻዕርታትን ጐስጓሳትን እውን ይገበር፡ ኣብዚ እዋን እቲ ክገሃስ ዘይግብኦ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ሃማኖት ነጻነት የንቆልቁልን ከቢድ መጥቃዕቲታት እውን ይወርዶ ምህላዉ እዩ ዝረአይ ዘሎ 

ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሃይማኖት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕይወት እወታዊ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ናይ ሃማኖት ነጻነት ማሕበራዊ ረብሓታት ዓቢይ ግምት ምሃብን የድሊ። እዚ ድማ ሎሚ ሃማኖት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ምርጫ ስዕበት እምነትን ናይ ሃማኖት ማሕበራዊ መግለጽታቱ ዝፈጥሮ ዝተሓላለኹ ርክባትን ምኽንያት ሃይማኖት ሕዱስ ኣገዳስነት ክወሃቦ ይገብር ከምዘሎ ብሰፊሕ ከምዝተንተኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ካልኦት ማሕበረሰብ ሃይማኖታ ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ምዕያይ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ፥ ናይ ሃማኖት ነጻነት ካብ ዝዀነ ይኹን ምትሕልላኻትን ጸቕጥታትን ናጻ ክኸውንን ብፍትሃ ስልጣን ሓለዋ ክግበረሉ ይግባእ። በዚ ምኽንያት እቶም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዕምጹ ተሓተትቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ክትገልጾ ዘጸግም ጸረ ክርስቲያንን ጸረ ካልኦት ማሕበረሰብ ሃይማኖታት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ቢሎም ናብ ዝገልጽዎ ኩነት ከይወድቕ ንምውጋዱ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ 

ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣተሓሒዙ፥

ካብቲ ናይ ቀዳሞት ዘመናት ክርስቲያን ስደት እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ስደትን ኣዚዩ ይገድድ

ብፁዕነቶም ብዛዕባ ማሕበረ ክርስቲያን ማአክላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብቲ ከባቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ኣሳዶን ካብቲ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ካብ ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጽ ኣዚዩ ዝመረረ ከምዝዀነ ጠቒሶም ሃማኖት ብባህርዩ ውልቃውን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ተሓጺሩ ዘይተርፍ ማሕበራዊ ባህርይ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ከም ናይ ግልን ወይ ድማ ኣብ ስግደትን ኣምልዀን ተግባር ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን። ስለዚህ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምልዋጥን ሕዳሴን ዕርቅን ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ መስዋዕትነትን ንድኻታትን ዝተናዕቑን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ንዘይብሎም ንኡሳንን ሓልዮት ብቓልን ተግባርን ዘበስሩ ብምዃኖም ንሕብረተሰብ ኣገዳስነት ኣለዎም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ሓልዮት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሃማኖታት ክቡራት መሻርኽቲ እያቶም

ኩሉ ባህላውን ልምድታን ናይ ፍልልያት ሃብትታ ኣምኪኑ ዘይጥልቃዊ ሓድነት ዝደልይ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኹም ውልቃዊ ትማተ (እምነት)፤ ናይ ምግባረ ሰናይ ደረጃ ንኸንቆልቁል ዝገብሩ ከይድታትን እደ ጥበባዊ ምሕደራ ዓብላሊ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን ሃይማኖታት፥ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ ኣብ ምክንኻንን ምሕላውን ምኽባርን ኣብ ዓለም መገዲ ሰላም ንምስዓብ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ፍልልያት ዘኽብርን ዘለዉ ፍልልያ ዝቕበልን ጥዑይ ህብረኣውነት (ብዙህነት) ምሕናጽ ዘኽእል እዩ”

ስልዚህ ኣብዚ መዳይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሃማኖት ክቡር መሻርኽቲ ምዃኑ ብሰፊሕ ገሊጾም ዘስምዕዎ ዝረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.