2017-03-02 17:07:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝቖመ ጳጳሳዊ ንትሕቲ ዕድመን ሕጻናትን ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ከይኖም ካርዲናል ሲን ኦማለይ ንኸገልግሉ ብቕዱስ ኣቦና ተሓርዮምን ዓለማውያን ምእመናን ብኣባልነት ክሓቁፍ እውን ከምዝገብሩን ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ድርገት ካብ ዝቖመሉ እዋን ኣትሒዘን ብኣባልነት ዘገልግላ ዘለዋ ማሪየ ኮሊንስ ብውልቀ ድላየን ካብ ናይ ኣባልነት መዝነተን ክለቃ ከምዝወሰና ምስቶም ናይቲ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሲን ኦማለይ ኣብ ዘካየድኦ ግላዊ ዘተ ከምዘፍለጣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ማሪየ ኮሊንስ ዝጸሓፈኦ ካብ መዝነት ናይ ምልቃቕ መልእኽቲ ብቐጥታ ብይብጻሕ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ኮሊንስ ንዘቕረበኦ ካብ ናይ ኣባልነት መዝነት ናይ ምልቃቕ ድላየንን ተቐቢሎም እወንታዊ መልሲ ከምዝሃብሉን ኣብቲ እቲ ሓደን ዋናን ካብ መዝነተን ንኽለቃ ዝደረኸን ድማ ካልኦት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራት ብሓፈሻኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ተቛማት ምስቲ ንሰን ብኣባልነት ምስ ዝርከባሉ ድርገት ናይ ምትሕብባር ጉድለት ዘርእዩ ብምዃኑ ኣብቲ ካብ ናይ ኣባልነት ሓላፍነትን ክለቓ ምዃነን ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓለፈኦ መልእኽቲ ከምዘስመራሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኮሊንስ መልእኽቲ ምስ ተቐበሉ ካብ 2014 ዓ.ም. እቲ ድርገት ካብ ዝቖመሉ ኣዋን ኣትሒዙ ንዘበርከተኦ ኣስተዋጽኦ ከምዘመስገኑን ከምኡ እውን ብፁዕ ካርዲናል ኦማለይ ብወገኖም እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቖምዎ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽን ተፈጺሙ ዝበሃል ዝከታተልን ፍርዲ ዘቕርብን ስለ እቶም ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናት ዝማጐትን ስለ ሕጻናት ሓልዮ ኣብ ዘካየድኦ ተልእኾ ዘበርከተኦ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ጠቒሶም ከምዘመስገኑ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ኮሊንስ ካብ ናይ ኣባልነት መዝነት ክለቃ ምዃኖነን እውን እንተገለጻ ኣብ ሕንጸት መዳይ ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምስቲ ድርገት ክተሓባበራ ድላየን ምዃኑ ብምግላጸን እውን ቅዱስ ኣቦናን ብፁዕ ካርዲናል ኦማለይ ኣመስጊኖም እቲ ድርገት ኮሊንስ ካብ ናይ ኣባልነት መዝነተን ንኽለቃ ዝድረኸኒ እንክብላ ዝጠቐስኦ ምኽንያት ኣማእኪሉ ክዝትይ እውን ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.