2017-02-28 16:37:00

ጋና፥ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናጽነት ሃገረ ጋና


ዕለት ሰለስተ መጋቢት 2017 ዓ.ም. ዝበዓል ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናጽነት ሃገረ ጋና ምኽንያት ዕለት 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ጸሎተ ታስዕት ከም እተጀመረን ጋና ካብ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ናጻ ዝወጻትሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ብዝተፈላለዩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መደባትን ከምኡ እውን ብዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ  እውን ብዘሳትፍ መደባት ተሰንዩ ዕለት 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም.  ሃገረ ጋና ንቕዱስ ልበ ኢየሱስ ክትወክፍን ምዃና ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን ኣተሓሒዘን እውን ዕለት 3 መጋቢት 1957 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝተበዓለ ቀዳማይ ዓመት ናጽነት ጋና  እታ ሃገር ንቅዱስ መንፈስ ተወፍያ ከምዝነበረት ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጥቒሰን ብምዝኽኻር ስለዚህ ንቕዱስ ልበ ኢየሱስ ምውፋያ ዳግማይ ምዃኑ የመልክታ።

እቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናጽነት ጋና ዝበዓለሉ ዕለት መበል 40 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ጋናን ከምዝበዓል እውን ፒሮ ሓቢረን ነቲ ዝኽሪ ክሌኣዊ ርክብ መበል 40 ዓመት ዝካየዱ ናይ በዓል መደባት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ፓልመር ቡክለ ከምዝኾኑን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት በዓል ናጽነትን ጋናን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ጋናን ኣብ ዝካየዱ መደብ በዓላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ወኪሎም ብስሞም ንኽሳተፉ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መበር ብፁዕ ካዲናል ጁዘፐ በርተሎ ከምዝሰመዩን፡ እቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናጽነትን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ክሌኣዊ ርክብን ምኽንያት ዝካይዱ ናይ በዓላት ስነ ስርዓት ዕለት 6 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ምዃኑ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.