2017-02-28 16:30:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ተምብርን ሰልድን ዋና ኣመሓዳሪ መግለጺ


ቅድሚ 15 ዓመት ኣቢሉ ዕለት 1 መጋቢት 2002 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ናይ ፈለማ ገንዘብ ኤውሮ ኣብ ግዝኣቱ ክሓትም ከም ዝጀመረን ኣብቲ ሰልዲ ድማ ናይ እዋኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሳእል ዝተሓትሞ ኰይኑ ከምዝጸንሔ ክፍለጥ እንከሎ ካብ 2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስሊ ዝሕተሞ ከይከውንን ኣክንዲ ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ናይ ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣርማ ዝተሓትሞ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑን እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ተምብርን ሰልድን (ገንዘብን) ዋና ኣመሓዳሪ ማውሮ ኦሊቪየሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ገንዘብ ተጠቃሚ እውን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ዝጥቀምሉ ሰልዲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምስሊ ይሓትም ከምዝነበረን ደሓር እውን ናይ ሕብርተ ኤውሮጳ ሰልዲ ተጠቃሚ ምስ ኰነ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብቲ ኤውሮ ሰልዲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምስሊ ካብ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ 2002 ዓ.ም. ኣትሒዙ ክሓትም ከምዝጀመረ ዘዘኻኸሩ ኣሊቪየሪ ኣስዒቦም፥ ናቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስሊ ዝተነብሮ ኤውሮ ንምዕዳግ ብዙሕ ሰብ እውን ዝውሕዝ ከምዝነበረን ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስሎም ተሪፊ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣርማኦም ክንበሮ ከምዝወሰኑን እዚ ድላዮም እዚ ገና ከም ውሳኔ ዘይኰነስ ከም ሓሳብ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመት ኣቢሎም እውን ይገልጽዎ ከምዝነበሩን ድማ ኣዝኸኺሮም ድሓር ውሳኔ ኰይኑ ምስ መጸ እቲ ናይ ቴምብርን ሰልድን ቤት ጽሕፈት ነቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግብሪ ከውዕሊ ከምዝከመረ ድማ ኣፍሊጦም።

ኣብ 1975 ዓ.ም. ንፈለማ ጊዜ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰልዲ ምስሎም ከይሕተም ዝወሰኑ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝነበሩን ኣክንዲ ምስሎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋያዊ ኣርማ ክሕተም ከምዝገበሩ እውን ዝገለጹ ኦሊቪየሪ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝብልዎ ድማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ሓዋርያዊ መንነታዊ መለለይኡ ካብቲ ምስሊ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ሓዋርያዊ ኣርማ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.