2017-02-18 17:04:00

ቅድስቲ መሬት፥ ኣብ ቤተልሔም ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ብሓባር ኣብ ምብዓል ሓባራውነት


ከምቲ ኣብ ኣማን ዝተኻየደ ቀጺሉ እውን ኣብ ቤተልሔም ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ኣብ ዮርዳኖስን ቅድስቲ መሬትን ናይ ሉተራን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሓባራዊ ምትሕብባርን ዘተን ተጸሚዶም ነቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝኣመተ ጉዕዞ የበራትዑ ምህላዎም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፥

ኣሰር ናይቲ ኣብ ሉንድ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎት

ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ ብምኽንያት ዕለት 31 ጥቅምቲ 1517 ዓ.ም. ማርቲን ሉተር ኣብ ዊተንበርግ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኰይኑ ዝገለጾ ቲዮሎጊግያዊ ሰረተ ሓሳብ ዘንቀሎ ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምኽንያት ነቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝግበር ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ የነቓቕሕ ምህላዉን እዚ ድማ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ኣማን ስለ እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ምስጋና ናይ ምቕራብ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣብ ሉተራናዊት ሕያዋይ ጓሳ ቤተ ክርስቲያን ከምእተኻየደ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ኣስዒቦም፥ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሽወደን ሉንድ ከተማ ብኣካል ብዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ምስ ሉተራናዊት ቤተ ርክስቲያን ብሁባሬ ዘዕረግዎ ስለ ሱታፌ ናይ ሓባር ጸሎት ኣብነት ዝገበረ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክን ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲሳታ ፒዛባላን ኣብ ዮርዳኖስን ቅድስት መሬትን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ክቡር ኣቡነ ሙኒብ ዩናን ብሓባር ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝድግፍ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት  ኣብ ኣማን ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጦም።

ቲዮሎጊያዊ ዘተን ምሕዝነትን ምትእምማንን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ንኽቐውም የተባብዕ

ዕለት 18 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናይቲ ኣብ ኣማን ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ጸሎት መልሲ ኣብ ቤተልሔም ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላን ኣብ ዮርዳኖስን ቅድስቲ መሬትን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ክቡር ኣቡነ ዩናን ዘሳተፈ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ንሓድነተ ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብጋሴ መበል 50 ዓመት ምኽንይት ኣሰር እቲ ኣብ ከተማ ሉንድ ቅዱስ ኣቦና ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ዝተኻየደ ርክብ ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ብምስዓብ ኣብ ቤተልሔም ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ርክብን ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ሓቢሮም፥ ክቡር ኣቡነ ዩናን ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ሓድነት ካብ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ዘተ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ምሕዝነትን ምትእምምንን እውን እዩ ዝምንጭው” ከምዝበሉን ክቡር ኣቡነ ዩናን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ሕብረት ኣቦ መንበር ከምዝዀኑ እውን ኦንዳርዛ ኣዘኻኺሮም ኣብቲ ኣብ ሕያዋይ ጓሳ ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየደ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ካብ 20 ዝግመቱ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልትን ኣብ ዮርዳኖስን ዒራቕን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ኦርተጋ ማርቲኒ እውን ከምእተሳተፉ ገሊጾም።

ስለ ሓድነት ኣሙቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጸሎት ብዙሕነት ዘኽብር እዩ

እቲ ናይ ሓባር ጸሎት ይብሉ ክቡር ኣቡነ ዩናን “ዝኽሪ ቅዋመ ሉተራናዊት ናይ ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለ እውን እንተዀነ መንፈሳዊ ኩነትን ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን ዘብዕል ናይ ሓባር ግበረ መንፈሳውነት እዩ” እንክብሉ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ሙንተር ኢሳቕ እውን ብወገኖም “ሓድነት ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፍሳዊ መራሕቲ ዝኽወን ጥራሕ ዘይኰነስ ብኹሉ ጽፍሒታት ቦታ ዘለዎ ማለት እውን እዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ሓባር ጸሎት ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ዞባታትን ከተማታትን ቁሸታትን እውን ክካየድ ይግብኦ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ የመልክቱ።

ጭቡጥ ዝዀነ ናይ ሓድነት ምልክት ዝሓንጽ ናይ ሓባር ጻዕሪ

ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ምግምማዕ ምስ እነቃልሕ እቲ ክርስቶስ ዝሓትተና ሓድነት ኣይነደምዕን፡ ናይቲ ክርስቶስ ዝሓቶ ሓድነት ውጽኢት ኣይንበጽሕን። እቲ ኣብ ኣማን ደሓር እውን ኣብ ቤተ ልሔም ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎት ናይቲ ክርስቶስ ስለ ኣሃድነት ዝጸለዮ ፍረ እዩ ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ጠቒሶም፥ ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ካብ ግርጭት ናብ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሉንድ ተረኺቦም ምስ ናይ ሉተራናዊት ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክታሞም ዘንበርሉ ናይ ሓባር ሰነድ ትርጉም ብዓረበይና ቋንቋ ንኹሎም ተጋባእያን መእመናንን ከምእተዓደለ ገሊጾም ካቶሊካውያንን ሉተራንውያንን ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ጥራሕ ከይተሓጽሩ ሓድነት ዝጽውዕ “ካብቲ ቀጻሊ ናይ ሓባር ርክብ ዝምንጭው ምስ ካልእ ምርኻብን ብናይ ሓባር ናይ እምነት ምስክርነትን ንኽንልወጥ ንፍቀድን ጭቡጥ ዝኰነ ብኹሉ ዝረኣይ ሓድነት ነቕውም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.