2017-01-26 16:23:00

መዕጸዊ ምእንቲ ሕዝበ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒጥሪ ዝካየድ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ምእንቲ ኣሃድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ ለምዘበን 2017 ዓ.ም. “ … እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና…” ብዝብል ካብ ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 14-20” ብዘሎ ቃል ተመሪሑ ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ብላቲን ስርዓት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጳውሎስ ምልዋጥ በዓል ኣብ እትኽብረሉ ዕለት ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መንፍሳዊ መራሕቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያት ብዝተደግመ ካልኣይ ጸሎተ ዘስርክ ከም እተጠናቅቀ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ቅድሚ ምዕራጉ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኵርት ኰኽ ንቕዱስ ኣቦናና ኣብቲ ናይ ጸሎት ጉባኤ ተሳታፍያን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም፥ ብፁዕ ካርዲናል ኰኽ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዕጸዊ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣሃድነት ናይ ሓባር ጸሎት ንስለ ምስታፎም ብስሞምን በዅሎምን ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላታኦምን ምስጋናኦምን ኣቕሪቦም ነቲ ጸሎተ ዘሰርክ ንኽመርሑ ብምፍቃዶም የቐንየልና ቢሎም ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣሃድነት ምሉእ ብምሉእ ክውን ክኸውን ዝግበር ኵሉ ጻዕሪ ምእንቲ ሓድነት፡ ኣድካሚ እውን እንተዀነ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ቀዳምነት ስለ ዝህብሉ ሕጉሳት ኢና።

ናይ ለምዘበን 2017 ዓ.ም.  ምእንቲ ኣሃድነት ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሳምንቲ ካብ ካልኤይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕራፍ 5 ካብ ፍቕዲ 14-20 ብዘሎ ቃል ብፍላይ ድማ  “ንዕርቂ እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና” ብዝብል ኣብ ፍቕዲ 14 ብዘሎ ቃል ንኽምራሕ ሓሳብ ዘቕረበ ናይ ጀርመን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ለምዘበን ዝተብዓለ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ተሓድሶኣዊት ቤተ ክርስቲያን ግምት ብምሃብ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ ናይ ተሓድሶኣዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜ ንዳግማዊ ርኽበት ወንጌላውነት ናይ እግዚኣብሔር ውዱስን ምስጉንን ጸጋታቱ ዓቢይ ባይታ ፈጢሩ እዩ እዚ ዘሕጉስ ክኸውን እንከሎ፥ ፍልልይ እውን ፈጢሩ እዩ ቢሎም ነዚ ድማ ቅዱስነቶም ዝፈልጥዎ ምዃኑን፡ እቲ ሉተር ንቤተ ክርስቲያን ክሕድስ እምበር ክገማምዕ ድላይ ኣይነበሮን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ኣብ ሉንድ ብሓባር ምስ ናይ መላእ ዓለም ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ፈደራል ማኅበር ኣቦ መንበር ብፁዕ አቡነ ዩሃን ዝኸተምዎ ናይ ሓባር ሰነድ እውን ጠቒሶም ሕዳሴ ዘዐደሎ መንፈሳውያንን ቲዮሎጋውያንን ጸጋታት ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ፡ ኰይኑ ግና ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኰይንና እቲ ሉተራንን ካቶሊካውያን ብምፍልላይ ነቲ ጭቡጥ ኣሃድነት ቤተ ክርስቲያን ብምህሳዮም ተኣሚኖም ሓድነት ይምሕጸኑ ከምዝበሊ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ናይ ታሪኻዊ ተዘክሮ ጣዕሳን ምንጻሕን በቲ ካብ እግዚኣብሔር ብዝምንጭውን እቲ እግዚኣብሔር ኣብ መንጐ ሰባትን  ኣብ ቆዝሞስን ዘውረዶ ምልክታ ዕርቂ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ክርስቶስ ምስ እግዚኣብሔር ንምትዕራቕና ሕራይ ንበል፡ ናይቲ ምስ እግዚኣብሔር ምትዕራቕና ኣብሰርቲ ክንከውንን ኣብ መንጐ ሕዝበ ክርስቲያን ዕርቂ እነነቓቕሕ ምዃን ይግብኣና። እዚ ድማ እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና፡ ብርግጽ ድማ ፍቕሪ ናይ ዝዀነ ይዅን ስለ ሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ዘንቀሳቅስ ሓይሊ እዩ። ሓቀይና ፍቕሪ እቲ ግቡእን ርትዓዊ ዝዀነ ኣብ መንጎ ሕዝበ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልያት ኣይሓክኽን፡ ኰይኑ ግና ነቲ ርትዓዊ ፍልልይ ናብ ጥልቂ ኣሃድነት ብዕርቂ ጎዳና ኣቢሉ ይመርሖ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኰኽ ኣስዒቦም፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ናብ ዕርቂ የገድደና እዚ ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ማእከል ምዃኑ ብምዝኽኻር ነዚ ማእከል ዝገበረ ቅዱነቶም ንዘካይድዎ ናይ ስለ ሓድነት ጻዕሪ ድማ ኣመስጊኖም ኩሉ ኣብዚ ጸሎቶምን ሓዋርያዊ ጻዕሮምን ከምዝሓብርን ኣክንዲ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽብ ድልድይ ኣብ መንጐ ሕዝበ ክርስቲያን ክቐውም ቅድስነትኩም እትህብዎ ኣብነት ቃልን ሕይወትን ነመስግን ኣብዚ ናይ ዕርቂ ጐዳና ድማ ምሳኹን ንሓብር ቡራኬ ካባኹም ድማ ንምሕጸን ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.