ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 23 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ካብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ምዕ. 9 ፍቕዲ 15ን ካብ 24-28 ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 22-30 ዝተወስዱ ቅዱሳት ምንባባት ኣሞርኵይዞም እቲ ዓበይቲ ገባሬ መስተንክር ናይ ክርስቶስ ክህነት ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ስለ ስርየት ሓጢኣት ገዛእ ርእሱ በጃ ዀነ፡ ኣብ መንጐናን እግዚኣብሔርን መንጐይና ኰነ፡ ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ካልኣይ ጊዜ ክግለጽ እዩ ዝብልን እቶም ሰለስተ ናይ ክርስቶስ ክህነት ደረጃታት ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጤይና ራዲዮ ቫታካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
ይቕረ ዘይበሃል ሓጢኣት መንፈስ ቅዱስ ምርካስ እዩ። ናይ ክርስቶስ ክህነት እቲ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዝኣተዎ ናይ ሓድሽ ቃል ኪዳን መጐይና ብመስዋዕትነትን ብዳግም ምጽኣትን ዝግለጽ እዩ። እቲ ዘደንቕ ክህነት ክርስቶስ ከምቲ መዝሙረ ዳዊት ዝብሎ ንጐይታ ብሓድሽ መዝሙር ክንውድስ ዝድርኽ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ናይ ክርስቶስ ክህነት ሰለስተ ደረጃታት ኣለዎ ዝበልዎ ሓሳብ እንክትንትኑ፥
እቲ ቐዳማይ ክህነት፥ ገዛእ ርእሱ መስዋዕቲ ዝገብር ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ናብ ጐይታ ንኽወስዶም ካልኣይ ጊዜ ዝግለጽ ዝብል እዩ፡ ብመጀመሪያ ደረጃ ድሕነት እዩ። እታ ቐዳመይቲ ኪዳን ደም ምራኹትን ድቤላታትን በቢ ዓመቱ ናብ እግዚኣብሔር ምውፋይ ዝብል እዩ። ስለዚህ ካህናት ደም ካልእ ሒዞም እዮም ናብ መቕደስ ዝኣትዉ ዝነበሩ። ክርስቶስ ሓድሽ ኪዳን ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ሒዙ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኰይኑ ናብታ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ብናይ ገዛእ ራእሱ ተወፋይነትን በጃ ምዃንን ናብ ኣብ የብጽሓና በዚ መስዋዕቲ’ዚ ኣቢሉ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውሁድ ቅንይት ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዳግም ይሰርዕ።
እቲ ካልእይ ደረጃ ድማ ስሌና ዝጽልይ መንጐይናና ኣብ ቅድሚ ኣብ ምዃኑ ዝገልጽን እዚ መጐይናነትን’ዚ ዝነብር ክህነት እዩ። ኣንሕና ንኽርስቶስ እንክንጽልይ ንሱ ናብ እግዚኣብሔር ስሌና ይጽልይ፡ ስሌናን ስለ ነፍሲ ወከፍና ይጽልይ። ኣብ ቅድሚ ኣብ ሕያው ክርስቶስ ወትሩ ስሌና ናብ ኣብኡ ይጽልይ። ቀጻሊ ጸሎተ ክርስቶስ ስሌና ኣብ ቅድሚ ኣብ።
እቲ ሳልሳይ ደረጃ ድማ ምስ ሓጢኣት ርክብ ዘይብሉ ንሱ ኸኣ ንምድሓን እቶም ዚጽበይው ምግላጽ እዩ። ዳግማይ ምጽኣት ድማ ኩሉ ናብ ኣቦ ንምውሳድ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሓንሳብ ንሓዋሩ ንሕድገት ሓጢኣት መስዋዕት ዝኸውን ክህነት ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእይ: ዳግማይ ምጽኣቱ ንኣና ናብ ኣብኡ ክወስደና ዝብል እይ። ኰይኑ ግና ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና እቲ ክመሓር ዘይከኣል ሓጢኣት ከምዘሎ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምርካስን ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ይቕረ ዘይብሉ ሓጢኣት ምዃኑ እዩ። ባዕሉ ኢየሱስ ዝበሎ እዩ ንሱ ዝበሎ ብምዃኑ ድማ ዘይዕጸፍን ዘይደናገርን ሓቂ እዩ። እዚ ሓጢኣት’ዚ ዘለዓለማዊ ኵነኔ የስዕብ። ጐይታ ኩሉ ሓጢኣትና ይቕረ ዝብል እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ዝጻረፍ ግና ንዘልዓለም ውጉዝ እዩ።
ዘይህደግ ሓጢኣት፥ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዘይህደግ ሓጢኣት ዝብል ሓቂ እንክትንትኑ ናብቲ ናይ ኢየሱስ ቅቡእነት ኣተኵይሮም ኣብ ማሕጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብመፈስ ቅዱስ ተቐብአ። ኣብ ምስጢረ ክህነት እዚ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ እዩ ክውን ዝኸውን። ኢየሱስ ከምቲ ሊቀ ካህን ናይ መንፈስ ቅዱስ ቅቡእ እዩ። ናይ ማርያም ኣካል ብናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ተቐብኤ፡ ስለዚህ መንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ወይ ከኣ ምርካስ ነቲ መሰረት ድሕነት ዳግማይ ፍጥረትን ናይ ክርስቶስ ክህነትን ዝዀነ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝጸርፍን ዘርክስን።
እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ እናበልና ዘይምሓር ሓጢኣት ኣሎ ክንብል ብሓቂ የሰንብድ። እቲ ናይ እግዚኣብሔር ዘይመሓርነት ናይ ሰብ ዘይተመሓርነት ድላይ ማለት እዩ ዝገልጽ እምበር እግዚኣብሔር ስለ ዘይምሕር ኣይኰነን። ሰብ ባዕሉ ንኽመሓር ክደልይ ከምዘለዎ እዩ ዘስምዕ። ስለዚህ ንመፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ክመሓር ኣይደልን ምባል ማለት እዩ። እምበር እግዚኣብሔር ዘይምሕር ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ክትምሓር ዘይምድላይን ንምሕረት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ዘይምፍቃድ እዩ። እዚ እዩ ምጽራፍ ንመንፈስ ቅዱስ ዝበሃል። ንኽትመሓር ዘይምድላይ። ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኤ ናይ ኢየሱስ ክህነት በጃ ዝኸውን መስዋዕቲ (ፍቕሪ) እምቢ ምባል እዩ።
ኣብ ቅድሚ መስተንክራዊ ናይ ክርስቶስ ክህነት ልባትና ኣይንዕጸው
ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም እንከጠቓልሉ፥ ናይ ክርስቶስ መስተንክራውን ዘደንቕን ክህነት ምልስ ቢሎም እንክገልጹ፥ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ እቲ ዘይሕደግ ሓጢኣት እግዚኣብሔር መሓሪ ብዘምዃኑ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ልብኻ ካብ ምዕጻውን ንምሕረት ኣግዚኣብሔር ልባኻ ምዕጻው ማለት እዩ። ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እጹብ ዝዀነ ምሕረት ኣይደልን ምባል እዩ።
ሎሚ ኣብዛ ህያው ዝዀነላ መበረ ታቦት ገዛእ ርእሱ ስለ ድሕነት ኵሉ የቕርብን እቲ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ዝግለጽ ክህነቱ ዝኩር እዩ። ዝተፈጸመን ዝመጽእን ክህነት ኢየሱስ ዝኩር እዩ። ኣብቲ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ናይ ክርስቶስ ክህነት ይግለጽ ምጽኣት መንስግቱን ክብሩን ንጽልይ። ልብና ንኸይንዓጽው ጐይታ ጸጋኻ ሃበና ንበሎ። ልባትና ነቲ ናይ ጐይታ እጽብ ክህነት ከይንዓጽው ጸጋኻ ሃበና ንበል ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።
All the contents on this site are copyrighted ©. |