2017-01-21 16:40:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ወትሩ ሰብኣዊ ሕይወት ምክልኻል


ዕለት 22 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ዝካየድ ስለ ሕይወት ናይ እግሪ ጉዕዞ እተሰምየ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክልኻልን ናይ ሕይወት ባህሊንምንቕቓሕ ኣሚቱ ኩሉ ስለ ሕይወት ክጣበቕ ዝጽውዕ መደብ ጉዕዞ እግሪ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ናብቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ መደብ ኣሰናዳኢ ኣብ ፓሪስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ቨንቱራ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ናይ ሕይወት ጠበቓ ካብ ምዃን ከይትደክምን ሰብኣዊ ሕይወት ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ከምዘለዎ ከተስተምህርን ሕይወት ካብ ምብሳር ከይትቦክር ከምዝበሉን ኣብ 2015 ዓ.ም. ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም ብዛዕባ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ህልው ኩነታት ክዝትዩን መርሕ ቃል ንኽቕበሉን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን  ኣብ ማእከላይ ስምምዕ ንኽብጻሕ ተባሂሉ ዝግበር ግድድፍን ምውጋይን እንተድኣ ንነብር ኰይና ገዛእ ርእስና ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተጠቂምካ ናይ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ተሓተትቲ ኢና ንገብር፡ በቲ ነቶም ትሑታንን ድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሕጻናትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ዝኣመሰሉ እዚዩ ዝጎድእ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ እናጸንሔ መላእ ሕብረተሰብ እውን ከይተረፈ የሳቐይ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ባህሊ ጐዳኢ ሳዕቤናቱ ኣብ ልዕሌና እዩ ዝወርድ፡ ሓደ’ኳ ከምልጥ ዝኽእል የልቦን ዝበልዎ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም ካብቲ ብሕጊ ዝተፈቕደ ሕጋውነት ዘለዎ ስለ ሕይወት ንምክልኻል ዘተባብዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክንየው እቶም ናይቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ስለ ሕይወት ምኽባርን ወይ ድም ሰላማዊ ሰልፍ ስለ ሕይወት ምኽባር ተሳታፍያን ከይተሓለሉ ናይ ፍቕርን ናይ ሕይወትን ባህሊ ኣብ ምሕናጽ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ባይ ፈረንሳ ኣብ ሃገሩ ጽንሲ ምንጻል ዝፈቕድ ሕጊ ዝቃወም ስለ ሕይወት ብዝብል ስም ነተን ጽንሲ ምንጻል ከም ምርጫ ዝኽተላ ደቂንስትዮ ካልእ ኣማራጺ ዘቕርቡ ስለ ሕይወት ብዝብል ስም ዝስርሑን ጐስጓስ ዘካይድሉ መርበብ ሓበሬታ ብሕጊ ዘቕጽዕ ገበን ቢሉ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ከእትዎ ዝፈቅድ ናይ ሕጊ ንድፊ ንምጽዳቕ ይሰናደው ከምዘሎ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዘጠይና ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም ካብ ለሞንድ ጀሚርካ ብዙሓት ናይታ ሃገር ውሩያትን ዘይውሩያትን ነኣሽቱ ዕለታውያን ጋዜጣታት ከይተረፋ እቲ መንግስቲ ከጽድቖ ዝደልይ ዘሎ ሕጊ ጸረ ነጻነትን ኣፍን ኣተሓሳስባን ዝዓብስ እዩ እንክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ገሊጾም ናይ ፈረንሳ ናይ መንግስቲ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ጽንሲ ምውራድ ኣፍልጦ ክረኽባ ቢለን ንዝወከሳ ደቂንስትዮ ብጀካ ሕይወት ምንጻል ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ዘየቕርብን ብዛዕባ እቲ ዝንጸል ሕይወት ዘይዛረብ ብሓፈሻኡ ጽንሲ ምንጻል ጥራሕ እዩ ዝትንትን ኢሎም።

እቶም ስለ ሕይወት ሓልዮት ዝጣበቑን ብዛዕባ ሕይወት ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ዘቕርቡ መርበብ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ መንግስቲ መርበብ ሓበሬታ ዘየሎ  ነቲ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ዛዕባ ጽንሲ ምንጻል ዝጻረር ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ከየቕርቡ ዝእዝዝን። ጽንሲ ምንጻል ከስዕቦ ዝኽእል ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ኣካላዊ ስቓይን ጽንሲ ምንጻል ከም እንኰ ኣማራጺ ገይረን ዝርእያን ናብዚ ምርጫ’ዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘብላ ደቂስትዮ እቲ ምርጫ ሕልንናን ልቦናውን ንስቓይ ክቃልዕ ከምዝኽእል ግምት ብምሃብ ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻል ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ክቐርበል ዘለዎ፡  እምበር ጽንሲ ምንጻል ከም ፍሉይ መፍትሒ ገርካ ምቕራብ ጌጋ እዩ። ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ጌጋ ምዃኑን እቲ ከጽድቖ ዝሓንጸጾ ናይ ሕጊ ንድፊ ነቶም ጽንሲ ምንጻል ዝቃወሙ ስለ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጣበቑ ዘወግድን መሰሎምን ክብሮምን ዘይሕልው ምዃኑ ብምግላጽ ካብቲ መንግስቲ ዝሓስቦ ወጻኢ ካልእ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዘየኽብር ሕጊ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ኣብ ፈረንሳ እቲ ሕጊ እንተድኣ ጸደቑ እቶም ናይ ሕይወት ተጣበቕቲ ዝበሃሉ መርበብ ሓበሬታ በቶም ኣኽረርቲ ጸረ ሃማኖታትን ናይቲ ናጻ ዘይወጸ ነጻነት በዓል ቤት ዝዀኑ፡ ነጻነት ድላይካ ምግባር ማለት እዩ ዝብሉ ሰብኣውን ግብረ ገባውን ሓላፍነት ዘየገድሶም ክውቀሱን ክንቀፉን ኣቶም ስለ ሕይወት ዝጣበቑ በቲ ሕጊ መሰረት ካብ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ክሳብ 30 ሺሕ ኤውሮ መቕጻዕቲ ክወርዶም ከዝኽእል ምዃኑ ከዝገልጽ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.