2017-01-14 16:47:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበር ዓውሎማ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም “ብሓባር ኣብ ምርግጋጽ ናይ ሓባር ረብሓ ክንዓዪ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሖም ኣብ ሮማ ናይ ክቢ ጥረጰዛ ዓውደ ጉባኤ ንምክያድ ንዝተረኽቡ ናይ ዓለማዊ ማሕበር አባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን እቲ ማሕበር ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽ ከምኡ እውን ኣብ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ዘይኰነስ ፍልይ ዝበለ ኣብ ምትሕብባር ዝጸንዒ ዓውሎማነት ንምርግጋጽ ዘብቅዕ ቅኑዕ መገዲ ንምልላይ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ እቲ ናይቲ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ከምዝሕብሮ ጠቒሶም ናይዚ ማሕበርን ናይቲ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ሸቶ ድማ ንኣብነተ እቲ ኣብ 2030 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክብጻሕ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ዝኣመሰሉ እወታዊ ምዕባለታት ንምብጻሕ መታን ክከኣል ኣብዚ መገዲ’ዚ ነቲ ብመግስታትን ብዝተፈላለዩ ተቛማትን ብናይ ብሔር ማሕበራትን ዝኣመሰሉ ተቛማት ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንምድጋፍን ናብቲ ዝተኣመቶ ተቐባልነት ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ምዕባለ ብብቕዓትን ብግቡእን ዘሰንይ መገዲ ንምልላይ እዩ።

ዓለም ሓቆፍ ስርዓት ኤኮኖምን ከይዲ ኤኮኖምን ኢሰብኣዊ ኣገባብ ዘለዎ ድኹማትን ድኻታትን ዝንጽልን ተጠቂምካ ምድርባይ ብዝብል ባህሊ መሰረት ሰብ ከም ጓሓፍ ዝድርብይ ንሰብ ናብ ግኡዝነት ዘንእስ ናይ ኤኮኖሚ ስርዓት ዝኽተላ ትካላትን ማሕበራትን ዘቕርብኦ መምዘንታት እናሰፍሔ ይረአይ አሎ። እዚ መምርሒ’ዚ ድማ ሰብ ከም ጓሓፍ ዝቖጽርን ዝንጽልን ኢሰብኣውነት ዘስፍሕን እዩ። እዚ ዓይነት ባህሊ እናሰፍሔ ምሉእ ምዕባለ ምርግጋጽ ዝብል ሓሳብ ምዕባለ ዘይኰነስ ዕንወት እዩ። ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘይብሎም ሕጻናትን ኣረጋውያንን ስደተይናታን ተመዛበልንት ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑን ኣብ ፈቐዶ ጐዳናታት ዝሓልቁ ግዳም ሓደር ዜጋታትን ቁሊሕ ዘይብል ነዚኣቶም ዝንጽል ዝርስዕ ምዓበለ ምዕባለ ዘይኰነ ዕንወት እዩ። እቲ ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ሎሚ ኣብ ጣዕሚ ዘሎ ጽባሕ ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥሞ ዝከኣል እዩ። ስለምታይ ናይቲ ናይ ምዕባለ ማእከል ሰብኣውነት ስለ ዘይኰነ። ተሰልባጢ ጸገም እዩ። ስለምታይ ኣብ ገንዘብ ዝተማእከለ ብምዃኑ።

ኣብ 1991 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብቲ እውን ዝኽሰት ዝነበረ ፖለቲካዊ ለውጥን ናይ ዕዳጋ ምውህሃድን ክረአይ ምስ ጀመረ እዚ ሎሚ ዓውሎማነት እንብሎ ዘሎ ክይዲ፥ ናይ ርእሰ ማልነት ርእየት ዓለም ወይ ከኣ ጽንሰ ሓሳብ ዘስፍሕ ከይከውን ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፡ ጽንሰ ሓሳብ ርእሰ ማልነት ናይ ኩሉ ሽግራት መፍትሒ እዩ ዝብሎ ንሱ ኸእ ኣብ ናይ ዕዳጋ ሓይሊ ዝኣምን ናጻ ምዕባለ ቢሉ ዘቕርቦ ሓሳብ ጠሪሹ መፍትሒ ከምዘይከውንን ብዙሓት ኣናግለለ ዝኸይድ ድኽነት ዘስፍሕ እዩ ስለዚህ እዚ ዓይነት ስርዓት ድማ ጠሪሹ መፍትሒ ከምዘይኰን ኣብታ ምእተ ዓመት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ኣመኪተምዎ እዮም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ ቢሎም ዝገመትዎ ስግኣት እናወዓለ ክውን ኰይኑ ብዙሕ ሽግር የስዕብ ኣሎ። ኰይኑ ኸኣ ብውልቅን ብማሕበርን ዝንቀሳቐሱ እቲ ዓውሎማነት ዘተኣታተዎን ዘተኣታትዎ ዘሎ ኢሰብኣውነት ንምውጋድ ዝንቀሳቐሱ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ከምዘለዉ እንርእዮ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኩታ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ዝተደርበዩን ግዳም ሓደርን ድኻታትን ዝተናዕቁን ንምእላይ ድንን እናበለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዓደለ ሰብኣዊ ክብሪ እናረአየትን ክንየው ዘሎ ኣርአያን ኣምስላን መን ምዃኑ ሰብ ብምስትውዓል ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ኣአንጊደዳን ዓንጊላን ሓኪማን እያ። ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ኣብ ተቛም ሓያላትን መንግስታትን ከቓልሕ ገይራ እያ፡ እቲ በቶም ሓያላን ምድሪ ዝተፈጸመን ዝሰፍሔን ጸረ ሰብኣዊ ገበን ንሱ ድማ ድኽነት ምዃኑ እናቃልዔት ነዚ ገበን’ዚ ነቶም ከሰትቱ ኣስሚዓን ነጊራን እያ።

እዚ ዓይነት ቆራጽነት ቅድስቲ እናቴ ተረዛ እዩ ናብቲ ምትሕብባን ሰብኣዊ ክብርን ዘማእከለ ዓውሎማነት ዘሰንየና። ነፍሲ ወከፍና ንናይ ድኻታት ቁስሊ ካብ ዘይምርኣዩን ተጠዊኻ ካብ ምሕላፍን ክላቐቕን እቲ ናቶም ስቓይን ድኽነትን ናይ ዘጋጥሞም ኣሳዶ ኩሉ ተኻፋሊ ብምዃን ምትሕብባርን ምድጋፍን ይንበር። ናይቶም ብስደትን ምዝብልናን ፋሕ ዝበሉ ኣባይቲ ስድራ ስቓይን ናይቶም ናይ መሰረታውያን ኣገልግሎት መውሃቢ ተቛማት ከም ናይ ሕክምናን ትምህርትን  መግቢ ናይ ምርካብን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ዝተሓሪምዎም ብቑርን ሃሩርን ዝሳቐዩ ግዳም ሓደር ዝነብርዎ ስቓይን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝገብር ዓውሎማዊ ፍትሒ ኣብ ምሕናጽ ንትጋህ።

እዚ ዓይነት ምትሕብባር’ዚ ድማ ነቶም ናይ ኤኮኖምን ናይ ፖለቲካን ኣካላት ጥበቦምን ብቕዓቶምን ዘለዎም ሃብትን ነቲ ዓውሎማነት ዝጸልው ናይ ገንዘብ ኤኮኖሚ መሳለጢ ጥራሕ ዘይኰነስ ድኽነት ንምውጋድ ዝድርኽ ይኹን። ብሔራዊ ይኹን ዓለም ለኻዊ መደባት ሰብኣውነት ዘየማእከለ ክኸውን እንከሎ ጌጋ ቢልና ምውጋዱን ምትካኡን ከፍርሓና የብሉን፡ ስለዚህ ድማ ፖለቲካን ኤኮኖምን ጥንቁቕነትን ጥንቃቔን ዝብል ልዑል ክብሪ ዝነብር ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን እቲ ብእግዚኣብሔር ክምራሕን ክድገፍ ዝፈቕድ ናይ ኩሉ ናይ ድኻ ይኹን ናይ ርኹብን ናይ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብጠቕላላ ናይ ፍጥረት ሰብ ብልሓት ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ እትኣምን ብምዃና እማኔ ኣለዋ። ስለዚህ ሰብ ጽቡቕ ናይ ምግባር ብቕዓት ኣለዎ። እምበኣር ከስ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ተመሪሕኩም እተካይድዎ ዕዮ ኩሉ ተሓባብርነት ዝብልን ምስ ኩሉ ብሔር ማሕበራትን መንግስታትን ዓለም ሓቆፍን ብሔራዊ ሓቆፍን ማሕበራን ምሁራትን ናይ ስነ ምርምር ማሕበርሰብን ካልኦትን ብሓባር ኣነቓቕሑ ሓደራ። ኣብ ዕዮኽም ኣሳልጦ እምነየልኩም፡ ንኣተኩሮታትኩም አመስግን ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ኢኻትኩም ስለይ ሓደራ ምጽላይ ኣይትረስዑ ቡራኬይ ንኣኻትኩም ንመላእ ኣባይቲ ስድራኹምን ተሓባበርትኹምን አመሓላልፍ።

የቐንየለይ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.