2017-01-12 16:58:00

ኣሳዶን ሰማዕትነትን ክርስትያን ማሕበረሰብ ኣብ 2016 ዓ.ም.


እቲ ርህው ማዕጾ እተሰምየ በቢ ዓመቱ ዘቕርቦ ኣሳዶን ሰማዕትነትን ማሕበረ ክርስቲያን ዝድሕስስ ማሕበር ብምቕጻል እነሆ ድማ ናይ 2016 ዓ.ም. ጸብጻብ ከምዘቕረበን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ ዓመጽ መቕተልትን ኣሳዶን ኣብ ዓለም ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉን ናጻዊ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝንበረለን ብዝሒ ማሕበረ ክርስትያን ብዙህነት ዝዀነለን 50 ሃገራት ጸረ ክርስትና  ኣመለኻኽታን ከምኡ እውን ብክርስትና እምነቶም ምኽንያት ጸቕጥታትን ኣድልዎን ዓመጽን ጐነጽን ዝወርዶን እምነቱ ኣብ ግልን ቤቱን እምበር ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንኸይገልጽ ተገዲዱ ዝነብረለን ከምዝዀነ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ክሪስቲያን ናኒ ነቲ ሰነድ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ሓቢሮም።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 215 ሚሊዮን ክርስቲያን ኣሳዶ ከምዝወረዶን ካብቶም ዝሳደዱ ድማ እቲ ሓደ ሲሶ ኣብ ከቢድን ጽንኩርን ኣሳዶ ዝወድቕ እዩ። ኣብ ሃገራት ከባቢ እስያ ብሔራውነት ኣመለኻኽታ ይትንስእ ምህላውን ንኣብነት ኣብ ህንዲ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘኽተሉ ብዙሃን ዝዀኑለን ሃገርን ሃይማኖቶምን ሓደ ዝገብሩን ገዛእ ርእሶም ብሔራውያን ዝብሉን ሃይማኖቶም ብሔራዊ ቢሎም ዝገልጹ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጸረ ካልኦት ሃይማኖታትን ዝሃቀነ ብፍላይ ናይ ክርስቲያን ማሕበራውነት መዳዩ ዝሓክኽን ውልቃውነት ኰይኑ ክንበር ዝብልን ኣብ ላኦስን ባንግልዳዲሽን ቨትናምን ብሁታን ኣብ ዝኣመሰላ እስያውያን ሃገራት እውን ብዙሕ ዜጋ ዝስዕቦ ሃይማኖት ብሔራዊ ሃይማኖት ተባሂሉ እናተገልጸ ኣብ ንኡሳን ሰዓብቲ ሃይማኖታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝወርድ ኣሳዶን ጸቕጥን ዝምስክሮ እዩ ምስ በሉ፡ እቲ ካልእ ድማ ኣሳዶ ዝምልከት እዩ። ንኣብነት ኣብ ናይጀሪያ ቦኮ ሓራም ኣተሰምየ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያንን  ኣቢያተ ክርስቲያንን ዘውርድዎ ዓመጽን ውድመትን ኣል ሻባብ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ከምኡ እውን ብጠቕላላ ካብተን ዝተገልጻ 50 ሃገራት ኣብተን 35 ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስትያን ብዙሕ ቅትለትን ሞትን ዝወርደለን ሃገራት ምዃነን ይገልጹ።

ኣብ ሰሜን ኮርያ ማሕበራዊ ሕይወት ዘመሓድር ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም ኣሎ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ስርዓት ኣምልዀ ንርእሰ ብሔር ኪም ጆንግ ኡን ዝነብረላ ሃገር እያ። ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብታ ሃገር ዘርዚርካ ዝውዳእ እውን ኣይኰነን እዚዩ ዘስካሕክሕን ዘሰምብድን እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ናዚ ዝነበረ ናይ ጠባይ መእረሚ ዝበሃል ዓይነት ቤት መዳጎኒ ዝተመልኤት ሃገር እውን እያ። ኣብታ ሃገር ካብ 50 ክሳብ 70 ሺሕ ዝግመት ማሕበረ ክርስቲያን ኣሎ ክርስቲያን ምዃንካን ቅዱስ መጽሓፍ እውን ሒዝካ እውን ክትርከብ እነክለኻ ናብቲ ናይ ጠባይ መእረሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ጉልበት ስራሕ እትፍጸመሉ ቤት ማሕቡስ ኢኻ እትዳጎን።

ቅድሚ ሸውዓተን ሾሞንተን ዓመታት ኣቢሉ ብዛዕባ ኣሳዶን ጸኣትን ክርስቲያን ብዙሕ ይዝረብ ኣይነበረን እዚ ማለት ድማ ኣይነበረን ማለት ዘይኰነስ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን እንተዘይኰነ ብመንግስትን ብመራኸቢ ብዙሓን እውን ብዙሕ ዘይንገረሉ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ሎሚ እውን ስደት ጐነጽን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን እዚዩ ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እንተዀነ እውን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ሓደጋ ክወርድን ኣቢያተ ክርስቲያን ክዓንውን ውዑይ ዜና ገይረን ድሕሪ ምቕራበን ብዛዕባኡ ብቐጻልነት ዘይዛረባን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ብቐጻሊ ኣሳዶን ዓመጽን ጐነጽን ዝፍጸም ምዃኑ ኣይገልጻን። እቲ ርህው ማዕጾ እተሰመያ ማሕበር ካብ ዘካይዶ መጽናዕቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ልዕሊ 1,207 ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን ልዕሊ 1,300 ኣቢያተ ክርስቲያን ከምዝባደመን ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስትያን ኣድልዎን ኣሳዶን መቕተልትን ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ክርስቲያን ምዃን ከም ካልኣይ ወይ ከኣ ትሑት ዜጋ ትሕሰብን ክርስቲያን ስለ ዝዀንካ ጥራሕ ኣብ ናይ መጻኢ ተቛማት ንኣብነት ትምህርትን ስራሕን ብሓፈሻኡ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቛማት ናይ ተጠቃምነት ዜጋውን ሰብኣውን መሰልካን ክብርኻን ዝጠሓሰለን ሃገራት ብዙሓት እያተን። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ እተኣምን ትስደድ ቤትካን ንብረካን ዛሕዚሕካ መጻኢኻ ንኸተቕንዕ ትስደድን ትመዛበልን እዚ ድማ ናይ ማሕበረ ክርስትያን ጽሕፍቶ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ዓለም እውን ጸረ ክርስትያን ባህሊ ይርአየ ኣሎ።  

ብርግጽ እዚ ኩሉ ድማ ናይ ጊዜ ምልክታ እዩ። ማሕበረሰብ ፋሕ ይብልን ዘጠራንፎ ክቡር ዋጋ እናጥፈኤን ትደናጊሩ ዝነብር ዘሎ እዩ ዝመስል። ስደትን መከራን ሰማዕትነትን ዘርኢ ክርስትናን ቤተክርስቲያንን እዩ ስለዚህ ዝነበረ እዩ እቲ ዘሰንብድ ግና ኣብቲ ስልጡንን ምዕቡልን ኣብ ዝበሃለል እዋንን ዓለም እናገደደ ምኻዱ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.