2017-01-10 16:56:00

ፓሪስ፥ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ኤውሮጳ “ካቶሊክን ኦርቶዶክስን” ኣቢያተ ክርስቲያን


ክሳብ ዕለት 12 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ዝካየድ ኣብ ከተማ ፓሪስ ሓምሻይ ናይ ሓባር ጉባኤ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያንን ጉባኤ ዕለት 9 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረ ቪንግት ትሮይስን ከምኡ እውን  ናይ ደብባዊ ክፍሊ ኤውሮጳ ኤዛርቃ ወይ ከኣ ኅየንተ ንናይ ውህደት ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መጥሮፖሊታ ኣብ ኢጣሊያ ብፁዕ ኣቡነ ገናዲዮስ ዘሳሲማንን ናይ ኤስተጐምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተጀመረ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ሐፈሻዊ መርበብ ሓበሬት ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፥ ኣብቲ ናይ ሓባር ጉባኤ ናይቲ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዝምራሕ 12 ልኡካን ዘለዎ ጉጅለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካብ ኤውሮጳ ዝርከባ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ 12 ልኡካን ዘሳትፍ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጉባኤ “ኣሸባርነት ዘተኣታትዎ ፍርሒ ንምግጣምን ጽንፈይናነትን ኣኽራርነትን ምብዳህ”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ብድሆ’ዚ ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ተራ እምነት ናይ ምንባር ሓይልን ድላይ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታን ንሓድነት ኣሚቱ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር  ናይ ሓባር ዘተን ኣብቲ ናይ ሰብን ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ሃማኖትን ስግደትን ኣምልዀን ነጻነትን ዝቖመ ከይዲ ዘለዎ ግደ ንምትብባዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ዕለት 11 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካይዶ ዋዕላ ምሸት ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ኣብ ካቴድራል ኖትረዳም መላእ ተጋባእያን ናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ክደግሙ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፡ እቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ ናይ ስነ ሰብእን ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልውን ሕቶታት ዘበገሶ ክኸውን እንከሎ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ማሕበራውን ግብረ ገባውን ሕቶታት መሰረት ነቲ ስነ ሰብእን ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕቶታት ብሓባር መልሲ ንምቕራብ ዝሓቀነን ኰይኑ ግና ነቲ ኣብ 1980 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ክሊተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ድርገት ዝትክእ ከምዘይኰነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።

እዚ ናይ መላእ ሃገራት  ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ኣብ ኤውሮጳ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ ቀዳማይ ጉባኤኡ ካብ ዕለት 11 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 14 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ትረንቶ “ስድራ ቤት ማሕበራዊ ሰናይ” ብዝብል ኣርእስትን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ግሪክ ደሴት ሮዲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. “ርክብ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ዝተኻየደን እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ፖልርቱጋል ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 ሰነ 2012 ዓ.ም. “ኤኮኖሚያዊ ቅልውላውን ድኽነትን፡ ብድሆ ንእዋናዊት ኤውሮጳ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይን እቲ ራብዓይ ድማ ኣብ በይሎሩሲያ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ካብ ዕለት 2 ሰነ ክሳብ ዕለት 6 ሰነ 2014 ዓ.ም. “ሃይማኖትን ብዙሕነት ባህልን፡ ብድሆ ንኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ከምእተኻየደ ዘዘኻኸረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ብጠቕላላ ናይ ሉሰምበርግን ሞናኮን ኣብ ቀጵሮስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ማልዲቭን ሙካቸኮ ኤጳርቅናን ናይ ኤስቶኒያ ሓዋርያዊ መስተናብርን ዘጠቓልል 39 ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ናይዚ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዋና ሐዋርያዊ መቐመጢ ድማ ኣብ ስዊደን ከተማ ሳን ጋሎ ዝርከብ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.