2017-01-03 16:50:00

ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2017 ዓ.ም.


ሰላምን ተስፋን፡ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 16, 33 “ኣባይ ሰላም ምእንቲ ክትረኽቡ እዚ ነገርኩዅም ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም እንተኾነ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ብምኽንያት ዓድሽ ዓመትን ዝኽሪ እቲ ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓል መበል 50 ዓመት ብጋሴ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላምን ምኽንያት ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሰላምን ተስፋን ዘርእስቱ መልእኽቲ ሰላም ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ሰላም ህያብ እግዚኣብሔርን ፍረ ፍትሕን እዩ

እቲ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ሙሪሎ ሳባስቲያው ራሞስ ክራይገርን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ለዮናርዶ ኡልሪኽ ስታይነርን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ሰላም ህያብ እግዚኣብሔር እዩ ስለዚህ ድማ ጻማን ፍረን ፍትሕን እዩ። እዞም ክልተ ክቡራት ዋጋታት ውሑስ ንምግባር ድማ ማሕበራዊ ነባርን ርጉጽን ስርዓት ኣድላዪ እዩ ቢሉ ተስፋ ኣብ እምነት ዝቖመ እዚ ድማ ዕለት ብዕለት ሓድሽ ሕይወትን ዓለምን ንምሕናጽ ብዝግበር ጻዕሪ ዝግለጽን ዝንበርን እዩ እዚ ድማ ብመሰረቱ ሰላም ማለት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ፒሮ ገሊጸን።

ብራዚል ኣብ ጽንኩር ኩነት ቅልውላው ስነ ምግባር ትርከብ

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣብ መልእኽቶም ሃገሮም ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ስነ ምግባር ወዲቓ ከምእትርከብን ካብዚ ሓሊፉ እውን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብሰፊሕ ዝረአየላ ሃገር ኰይና ከምዘላ ጠቒሶም እዚ ኹሉ ጸረ ሃገርን ሕዝብን ዝዀነ ዘይእርኑብን ዘይ ሕጋውን ተግባር ብምትሕብባርን ቅንዕናን ሕውነትን ጻዕራምን ህርኩትን ሕይወት ብምንባር  ክውገድን ሕዝቢ ሰላምን ተስፋን ሰኒቑ ኣብ ፍቕሪ ሃገር ክሕነጽ እዋኑ ዝሓቶ ዓቢይን ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ሓላፍነት እዩ።

ሃገርናን ሕዝብን ብፍላይ ድማ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚዩ ዝሃስይ ዝረአይ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ቅልውላው ስነ ምግባርን ብዓቢይ ተገዳስነትን ድላይን ኩሉ ክዋጋኦን ነዚ ዓቢይ ንሓሳርን መከራን ዝዳርግ ተግባር  ናይ ዴሞክራሲ ሕጊን ሉኣላውነት ሕጊ ብምኽባርን ሕጋውነትን ፍትሕን ብምስፋሕ ምጥፋእ ዝከኣል እዩ። ስለዚህ ኣብ ምኽባር ዴሞክራሲያዊ ሕግን ስርዓትን ብፋልይ ድማ ካብ ንኣይነትን ንኣናነትን  ካብ ተነጻጽሎ ምትሕብባር ካብ ምርሕሓቕ ምቅርራብ ዝመርሕ ባህሊ ሕዝቢ ክሕነጽ ግንድ እዩ ቢሎም፥

ፖሊቲካ ኣብ ኣገልግሎትን ምርግጋጽን ናይ ሓባር ጥቕምን

ሃገር እናድከመን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘየጎልብት ማሕብራውን ሃገራውን ጥቕሚ ንውላቃውን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ጥቕሚ ዝስውእ ቅልውላው ስነ ምግባር ዝወልዶ ተግባር ኵሉ ክወገድ ዘኽእል ሓድሽ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ርድኢት ክህሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዘቐድም ኣገልግሎት ዝነብር ፖለቲካ ክህሉን እዚ ድማ ቅንዕናን ሕውነትን ዝዓሰሎ ሃገር ንምህናጽ መሰረት እዩ ቢሎም መንግስቲ ሉኣላውንት ቅዋም ሃገር ከኽብርን ዝዀነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ኣካልን ወድብን ልዕሊ ቅዋም ሃገር ዘይምዃኑ ተነጺሩ ህዝብን ሃገርን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ኣብ ምኽባር ቅዋውም ሃገር ክተግሁ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ብፁዓን ጳጳሳት ይብሉ ኩሉ ትሕቲ ቅዋም ሃገር እምበር ልዕሊ ቅዋም ሃገር ዝዀነ ማሕብራውን ውልቃውን ኣካል የልቦም ከምዝበሉ ሓቢረን።

ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዘሎ ድኽነት ዘየግድድ ሜላ ዝኽተል ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሐብራውን ቅልውላው ንምወጋድ ዝበቕዕ

ኣብ ብራዚል ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሕብራውን ቅልውላው ብቑዕን ግቡእነት ዘለዎን ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ተሓታትነት ዘልብስ ምዕሩይን ዘየጓንይ ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ገዛእ ርእሶምን ናይ ምክልኻል ብቕዓት ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም መሰሎም ክብሮም ክሕለወሎም ዝግብኦም ዜጋታት ዘይወድቕ ዓይነት ሓድሽ ኣገባብብ  መንገስቲ ብምቛም መፍትሒ ክረኽበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣተሓሳሲቦም ኩሉ ኣብ ሕንጸትን ኣብ ርኽበት ፍታሕ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ክዋሳእ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽን ኣድልዎን ብምቅዋም ኩሉ ኣብ ሕንጸት ሃገርን ሕዝብን ክዋሳእ እውን ሓደራ ቢሎም ናይ ባህሊ ዘይጐነጻዊ ዘተ ክሰፍሕ ከምእተላበዉ ዘመልከታ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣተሓሒዘን፥ ሕዝቢ ብራዚል ነት ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ናይ ምስጋር ኰነ ናይ ምስናፍ ዑቑር ሓይሊ ብቕዓት ዘለዎ እዩ። ስለዚህ ነዚ ዑቑር ሓይሊ’ዚ ኣዋዲዱ ብናይ ኵሉ ተሳትፎ ወዲዑ ብናይ ሓባር ጻዕሪ ተጊሁ ስለ ሕዝብን ሃገርን ድሕነት ክቐውም፡ ሓናጺ መፍትሒ ከናድይ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣተሓሳሲቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት ሓደ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2017 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላም ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ብምትብባዕ ኩሉ ሰራሕ ሰላም ይኹን ዝበልዎ ቃል ብምጥቃስ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.