2017-01-03 16:47:00

ብፁዕ ፓትሪያርክ ሳኮ፥ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምትሕብባር ዘርአይሉ በዓለ ልደት


ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ማር ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ኣብ ዒራቅ ሽሕ’ኳ ዓመጽን ግብረ ሽበራን ብቕጻሊ ዝረአይ እውን እንተዀነ መንፈስ በዓለ ልደት ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ እስላምን ምትሕብባር ዝተራእየሉ ምንባሩን ብናይ ሕይወትን ሰላምን ሓሴትን ባህሊ ነቲ ዕንወትን ሞትን ስደትን ምዝብልናን ዘስፍሕ ባህሊ ምቅዋም ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተመስከረሉ ምንባሩ ምስ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዒራቅ ዝተራአየን ዝተነብረን ናይ በዓለ ልደት መንፈስ ኣብ ባግዳድን ኣብ ካልኦት ኣብ ከተማታት ኢራቕን ዝተነብረ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ኩሉ ዘሐጉስን ኣብ ናጃፍ ሺዓውያን ማሕበረ እስላም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ምውላዱ ዝገልጽ ናይ ስእልን ቅርጽን ምርኢት ከምዝበጽሑን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከም ዕዱማት ከምእተሳተፉን ኣብ ባሶራ ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት እውን ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ምዝብልና ወጺኦም ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ንናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ኣካላት ሕቶኦም ከምዘቕረቡን እቲ ናይቲ ከባቢ መንግስቲ እውን እወታዊ መልሲ ከምዝተውሃቦም ገሊጾም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ምቅርራብን ዝምስክር ተግባር ዝጎልሓሉ እዋን እዩ ኔሩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናብ ሓድሽ ዓመት ዘሰጋግር ዕለት 31 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ለይቲ ኣብ ባግዳድ ክፍለ ከተማ ማንሱር ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ብሓባር ብምውጻእ ከምእተብዓለን ብዘይ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ኩሉ ሰላም እናተበሃሃለ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ዓመት ምንዮት ብምልውዋጥ ክቀራረብን እቲ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ኣሸባሪ ሓይሊ ኣብቲ ከባቢ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብተግባር ተምስኪሩ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ እንክሕብር፥ 2017 ዓ.ም. እቲ ናይ በዓለ ልደት መንፈስ ዝዘርኦ ናይ ምቅርራብ መንፈስ ማሕበራውን ሰብኣውን ለውጢ ክጽግው ተመንዮም ካብ ዝተፈለለያ ዘይክርስትያን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ንናይ ማሕበረ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈን ኣብ መንጐ ናይተን ኣብ ዒራቕ ዝርከባ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ውሽጢ ድማ ምልውዋጥ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት መግለጺ መልእኽቲ ከምእተፈጸመ ሓቢሮም 2017 ዓ.ም. ሃገራውን ሕዝባውን ጥምሮ ዝረአየሉ ዓመት ክኸውን እምነይ ከምዝበሉ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ነቶም ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያን ብበዓለ ልደት ምኽንያት ምብጻሕ ዘካየዱ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዛዕባ ሃይማኖት ክርስትናን እምነትን ዝምልከት ኣፍልጦ መታን ክህልዎም መግለጽን ሓበሬታን ከምዝቐረበሎምን ነቲ ዝተፈጸመ ምብጻሕን ዝተራእየ ምቅርራባትን ብምክትታል ዘመሓላልፍ ዝነበረ ናይ ቴለቪዥን ማዕከን ልኡኻት ጋዜጠይናታት እውን ካብቲ ኩለን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ኢራቅ ሃይማኖታዊ ባህልን ቅርስን ክዕቀብን ሃብቲ ሃገር እውን ምዃኑ ተኣሚኖም ሓለዋ ክግበረሉን ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ግደ ኣለውን ዝብል መልእኽቲ እውን ከምዘሓላለፉ ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ ከምዝሓብሩ ኣፍሊጡ።

ኩሉ መንግስቲ ሃገር ኰነ ሕዝቢ ዒራቕ ኣብ ዘተን ኣሃድነትን ዝጸንዔት ዒራቕ ኣብ ምሕናጽ ተግባር ክተግህ

ኣብ ናጃፍ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝተፈጸመ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ መንእሰያት ማሕበረ እስላም ናይ ዕንባባ ህያብ ብምቕራብ ብሓባር  ናይ ተስፋን ፍቕርን ሓድነት ሓድሽ ዓመት ምንዮቶም ብምግላጽ ዒራቕ ዒራቕ ዘብላ ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ባህልን ኅብረ ዓሌትን ሃብትታታ ምዃኑ ኩሉ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ዜጋ ብምቅላሕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበረ ክርስቲያን እምነቱ ብዘይ ፍርሒ ክነብር ኣብ ዝግበሮ ጻዕሪ ክተሓባበሩን ብሓፈሻኡ ንንናይ ሃገራውን ሕዝባውን ጥቕሚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕትን ሰዓብትን ብፍላይ ድማ መንሰያት ክሓብሩ ጻውዒት ከምዝቐረበ ብፁዕነቶም ገሊጾም ስለ ሰላምን ዘተን ብሩህ መጻኢ ሃገረ ዒራቕ ኩሉ ክሓብር ጻዋዒት ከምዘቕረቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.