2016-12-29 16:45:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እግዚኣብሔር ኣባና እማነ ስለ ዘለዎ በዓለ ልደት ናይ ተስፋ በዓል እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 28 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኻድ ነቶም ኣብኡ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ካብ ላቲን ኣመሪካ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ኣብ ዝገለስዎ ቃል፥ ብጸሎት ነቲ ቀረባና ክኸውን ዝደልይ መድሕን ብምርኻብ ናይ በዓለ ልደት መንፈስ ሓጐስ ዓቅቡ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልና ኣማኑኤል መድሕን ተወሊዱልና እዚ ድማ ስሌና ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱልና እዚ እዩ ናይ ልደት ተስፋና። ምእንቲ’ዚ ናይ መጻኢ ፍርሒ የልናን። ምስ ክርስቶስ ሱታፌ ገርና ምሳኡ ሓቢርና ምስ መጻኢ ንምርኻብ ንሰጉም።

ኣብ ኢየሱስ ብኩሉ ምሕረቱን ጸጋኡን ክመልኣና ዝደልይ ናይ ሰማያዊ ኣቦ ወጅሂ ሓልዮትን ምሕረትን ተገለጸልና ስለምታይ ኣንሕና እውን ብተራና ንኻልኦት ክንምስክሮን ከነመሓላልፎን። እግዚኣብሔር ምሳናን ኣባና እማነ ስለ ዘለዎ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ናይ እማነን ተስፋን በዓል እዩ። እዚ ብዘይ ዓቕን ብዘዕለቕልቕ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍና ምፍቓና ዘበስር ሓድሽ ቃል ናብ ኣሕዋት ነብጽሕ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ዝህበባ ሓጎስን ሰላምን ኣብ ዙሪያናን ከባቢናን ነርህን ነድምቕን።

ቅዱነቶም ኣስዒቦም ድማ ንዝበጽሖም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልኽትታትን ከምኡ እውን ስለ ኣገልግሎቶም ንዝቐርበሎም ጸሎት ድማ ኣመስጊኖም ንመላእ ዓለም ሰላም ተማሕጺኖም ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ብማሕበረሰብ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሰላታኦም ኣቕሪቦም ውህበትን ውበትን መጋበሪያ መቃርቦ ናብ እግዚኣብሔር እዩ። ኩሉ ዘፍጥረት ዘለዎ ጽባቔ ናብቲ ፍጹም ጽባቔን ፈጣርን ዘሰንይ እዩ ምስ በሉ ነቶም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ንሓደስቲ መራዖት ድማ ተባዓት ኢኻትኩም ቢሎም። ብጸሎትን ብሓይሊ ኢግዚኣብሔርን ተሰንየ ንመላእ ሕይወተይ ከፍቕር እየ ቢልካ ቆሪጽካን ብፍቕርን ብተወፋይነትን ክነብር ዝብል ውሳኔኹም ክርእይ ተባዓት ቢለ ክገልጸኩም ባህ ይብለኒ ብሓባር ምንባር መስዋዕትን ተወፋይነት ይሓትት እሞ ጸሓይ ከይዓረበትኩም ሰላምን ይቕረ ከይተበሃሃልኩም ኣይውጋሕ። ሰላምን ይቕረ ምብህሃልን ዘሰንዮ ፍቕሪ ንበሩ መስክሩ ከዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.