2016-12-27 16:58:00

ኣብ ቱርኪ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ሕይወት ውልዶነት/ዕሸልነት ዓመት ተባሂሉ ክስየም እዩ


ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ቀደምት ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብምኽንያት በዓለ ልደት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ቱርኪ ቅዱስነት ውልዶነት/ዕሸልነት ዓመት ተባሂሉ ክስየም ከምዝወሰኑ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓሪያርክ መግለጺ እንክሕብር ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ብምኽንያት በዓለ ልደት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ናይ ኢየሱስ ሕጻን በዓል እቲ ዕሸልን ኰይኑ ዝተወልደ ቃለ እግዚኣብሔር ከምቲ ወንጌል ማቴዎስ ዝሕብሮ ድማ እቲ ናይ ዓለም ስልጣናት ከጥፍእዎ ዝፈተኑ ኢየሱስ ሕጻን ብቐዳምነት ሕጻናት ከነኸበርን ክንከናኸንን ቅዱሳዊ ዕሸልነቶም ከነኽብር መተሓሳሰብን መዘኻኸርን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።

ናይ ሎሚ ዓለም አደዳ ዝዀኑ ሕጻናት

ናይ እዋንና ሕጻናት ናይ ውግእን ዓመጽን ስደትን ምዝብልናን አደዳ ጥራሕ ዘይኰኑስ  ኣብተን ኤኮኖሚያዊ ጸብለልትነትን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘለወን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እውን ንሓደጋን ዓመጽን ዝተቓልዑ እያቶም እዚ ድማ ናይ ምስጢረ ቃል ኪዳን ቅውላውን ናይ ኣባይቲ ስድራ ምፍታሕን መንፈሳዊን ንዋታውን ጉዳያት ዓደዳ ብምዃኖም ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎ ቀዳማዊ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፥ ብመራኸቢ ብዙሃንን በቲ ኣህላኺ ባህሊን ጸቕጢ ብዘሕድር ምዕባለ ዕደ ጥበባውን ብፍላይ ድማ ብቴለቪዥንን መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ሕጻናት መንፈስ እናተሰልበ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ተዳሪጉ ይርከብ። እቲ ኣህላኺ ከይዲ ኤኮኖሚሚ ሕጻናት ካብ ንኡስ ዕድሜኦም ኣትሒዙ ናይቲ ኣህላኺ ባህሉ ኣደዳ ክዀኑን እናገብረ ካብ ሰብነት ናብ ኣህላኽነት ይልውጦም እቲ ናይ ቀጥዒ ኣልቦን ጽዩፍ ስምዒት ርውየት ዝብል ዝስበኽ ጎዳኢ ባህሊ ንጽሕ ሕጻንነቶም ይምንዝዑ። ኢየሱስ ንሕጻናት ዘለዎ ልዑልን ፍሉዩ ቀዳምንት ዝህብ ፍቕሪ ምኽንያት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ እንተድኣ ዘይተለወጥኩንም ከም ሕጻናት እንተድኣ ዘይኰንኩም ናብ ቤት ኣቦ ኣይክትኣትዉን ኢኻትኩም ዝብል ናይ ጐይታ ቃል መሰረት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ዘየእንግድ ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክኣትውን እዩ። እዚ ናይ ልደት መስጢር ዝገልጽ ቃል እዩ። ስሌና ሕጻን ተወልደ ብንጹሕ ልቢ ሕጻንን ገርሄይና ሕጻንን ኣቢሉ ንዓለም ተገልጸ እዚ ሓቂ’ዚ ካብቶም ሰብ ጥበብ ንላዕሊ ሕጻናት ቅልጡፍ ምስትውዓል ይህብሉን ይርድእዎም ቢሎም መልእኽቶም ግሪካዊ ገጣማይ ኦዲሰያ ኤልይቲስ፥ “ኢየሩሳሌም ምሕናጽ ዝከኣል ምስ ሕጻናት ብምዃን ጥራሕ እዩ” ብዝብሎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.