2016-12-17 16:50:00

ሳልሳይ ስብከት ዘምጽኣት፥ ህዱእ ፍናን ካብ መንፈስ ቅዱስ


ጽማሬ ስብከት ኣባ ካንታላሜሳ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን መላእ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዘሳትፍ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዝገብር ናይ ዘመነ ምጽኣት ሱባኤ እነሆ ለምብዘበን 2016 ዓ.ም. ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላመሳ ብስለገስዎ ስብከት ከምእተጀመረን እቲ ቀዳማይ ስብከቶም ድማ ኣብ ባህርይ መንፈስ ቅዱስ ኣማእኪሎም እቲ ምስ ኣብን ወልድን ዘሕብሮን ፍልይ ዘብሎን ተክለ መንነቱ ኣብ ተኣምኖተ እምነት (ጸሎተ - ሃይማኖት) ዝግለጽን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝሳዃዕ ተግባሩ ድህረ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 50 ዓመቱ ዝተብዓለ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምሕሳብ ጠቒሶም ብዕምቆት ንምስትንታንን ንምስትውዓልን ካብ ተማላእነት ናብ ምሉእነት ዘብል ውጽኢት ዝዓደለ ኰይኑ ግና ብዙሕ ጊዜ ማእከል ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምንባሩን ሕጂ እውን ኣብ እዋን ከይድን ፍጻሜን ውሳኔ’ቲ ጉባኤ ዝመርሕ ንሱ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብሪሆም ከምዝነበሩን ዕለት 9 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዝለገስዎ ካልኣይ ስክበት ዘምጽኣት ምልስ ቢልና ጽማሬ ናይቲ ኣብ “ካብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት እንሰትይ ህዱኣት ኢና” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ጸቒጦም ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ልልያ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ስብከት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እናዘኻኸርና ዕለት 16 ታህሳስ 2016 ዓ.ም. ሳልሳይ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከቶም ህዱእ ፍናን ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጽማሬ ከምዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

ጴንጠቆስጠ ዕጹው ኩነት ዘይኰነስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ናይ ምክፋት ተኽእሎ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓቢይ ዕድል እዩ እንክብሉ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊ  ምንቅስቓስ ተሓድሶ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ትርጉም ተሓድሶ ከምዝገለጽዎ ኣባ ካንታላመሳ ብምዝኽኻር፡ ቅዱስ ኣብሮዚዩስ፥ “ብሓሴት ፍድፋድ መንፈስ ቅዱስ ብህድኣት ንሰትይ” ጸሚእካ እትሰትዮ ዘሕድረልካ ርውየት ህዱእ ስኽራን ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ እንክብል ከምዝገልጾ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝብል ትርጉም ዝወሃቦ ሓሳብ ካብቲ ህዱእ ስኽራን ብመፈስ ቅዱስ ዝብል ኣናስር ቃል ዝተተርጐመ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ህዱእ ስኽራን ዝብል ወይ ድማ ዘይስኹር ህዱእ ስኽራን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝብል ጉኡዛዊ ስኽራንን መንፈሳዊ ስኽራንን ብምንጽጻር ወይ ድም ብምምስሳልን እሞ ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ዓይነት ስኽራን ዘይተራኻብነቶም የነጽሩ፥ ጉእዛዊ ስኽራን ኣልኮላውን እጸፋርሳውን ስጋዊ ፍትወትን ናይ ሽመትን ዲልን ስኽራን ክኸውን እንከሎ እዚ ንምውዳቕን ንዘይርጉጽነትን ክፉታት ዝገብረና ንሓደጋ ከቃልዕ ዝክእል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መፈሳዊ ስኽራን ግና ሰናይ ምርግጋእ ዘንብር ምዃኑ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ደቀ መዛሙርቲ እንክዛረቡ ዝሰምዕዎ ዝነብሩ ኣሕዛብ ሰኺሮም ኣለዉ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም እዩ እንክብሉ ጠቒሶም ይትንትንዎ። ቅዱስ ቀርሎስ ዘኢየሩሳሌም ነቲ መፈሳዊ ስኽራን ደቀ መዛሙርቲ ካብ ወይኒ ዝመጽእ ስኽራን ዘኰነስ ካብቲ ሓድሽ ወይኒ ንሱ ድማ እቲ ሓድሽ ሕይወት ዝዀነ ክርስቶስ ብምልኣት ካብ ምንባር ዝመጽእ ኩነት ሕይወት እዩ እንክብል ከምዝገልጾ እዩ። ብመስተ ዘይኰነስ ብክርስቶስ።

እዚ ህዱእ ስኽራን ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ እዋናዊ ታሪኽን እዋናዊት ቤተ ክርስቲያንን ከመይ ገርካ ትስግዎ? ዝብል ሕቶ ኣባ ካንታላመሳ ብምቕራብ። ኣብ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕይወት ኣበው ቤተ ክርስቲያንን እቲ ዓይነት መንፈስ ኔሩ እዩ። ሎሚ ንዓና ከምኡ ኣይኰነን ማለት ድዩ?

ናብ መንፈሳዊ ስኽራን ንኽትበጽሕ ካብ ስጋዊ ስኽራን ምልቓቕ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ንረክብ እዚ ድማ መንፈሳዊ ቅንኣትን ውዕዉዕ ስምዒትን ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚህ ህድኣት ካብ መስተ ምንጋፍ ካብ ስጋውያን ነገራት ምልቓቕ ካብ ዓለምን ካብ ገዛእ ርእስኽን ምጿምን ብሓጺሩ ተጋድሎ ዝብል እዩ። ኣብ ናይ ንስሓ ቦታን ኣብ ናይ ምብራህ ደረጃን ዝብል ሕይወት ዝሕብር እዩ። ስለዚህ መንፈስካ ቀስ ብቐስ ብዓቢይ ተጋድሎ ካብቲ ባህርያውያን ልምድታትን ብተጋድሎ ናጻ እናውጻእካ ምስን ኣብን እግዚኣብሔር ንኸተራኽባን ጸጋ ክትካፍልን ምስንዳው ዝብል መንፈሳውነት እዩ ዘስምዕ።

እዚ መንፍሳውነት’ዚ ግና ቀስ ብቐስ መንፈሳዊ ከይዲ ብቐዳምነት ጸጋ ምዃኑ እናረሳዕካ ብሰብኣዊ ጻዕሪ ዝዕተር እዩ ናብ ዝብል ማለት ፍጽምና ጸጋ ዘይኰነስ ብጻዕርኻ እትበጽሖ ከምዝዀነ ናብ ዝብል ሓሳብ የፋንው። ሓዲሽ ኪዳን ግና ኣብ ተጋድሎን ጸጋን ይብል። ኣብ ህዱእ ስኽራን ኩነት ብመንፈስ ቅዱስ ምልኣት ንምብጻሕን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ ህድኣት ንምብጻሕ ድማ ህዱእነት ንገዛእ ርእስኻ ምልምማድ ይብል። ስለዚህ ክልቲኡ ጻዕርን ጸጋን ተጋድሎን ጻዕርን የጣምር።

ልምዳውን ብሉጽን ባይታ ዝበሃሉ ማለት ቅዱስ ቁባንን መጽሓፍን ቅዱስ ብዝብል ሳልሳይ ሓሳብ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሓምሳ ወይ ድማ ጴንጠቆስጠ ነቲ ሓዋርያት ተመክሮ ዝገበርዎ ኩነት ኣምብሮሲዩስ እንክገልጾ “መንፈስ ቅዱስ ከም ዝናም ቀስ ኣናበለ ናብ ውሽጥኻ ብምእታው ዘስዕቦ መንፈሳዊ ስኽራን” ይብሎ እዚ ድማ እቲ ኣብ ንምቅስቓስ ተሓድሶ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ብዝንል መንፈሳውነት ንዝግለጾ ሓሳብ የድምዕ። ሕይወት ክርስትና ዝሕድስ። እዚ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ንክትምከሮ እንኰ መገዲ ንምባል ኣይኰነን። ካብ ኩሎም ተኸኣልቲ መገድታት ግና ሓደ እዩ። ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ኣብ ነባሪ ጴንጠቆስጠ (በዓለ ሓምሳ) ምንበር እንክብሉ ከምዝገልጽዎ እዩ፡ “ቤተ ክርስቲያን ነባሪ ጴንጠቆጠ የድልያ። ኣብ ልባ ነባሪ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ኣብ ከናፍራ ሃልሃታ ነቢያዊ ቃልን ነቢያዊ ራእይን … ክህልዋ ይግባእ። ዳግም ንሓቂ ህንቅውቲ ክትኸውንን ኣብ ሓቂ ቅኑዕ ርግጸይናነት ክህልዋ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ብኹሉ ተቛማታ ኣቢላ ናይ ፍቕሪ ሞጐድ ክትከውንን እዚ ድማ ሓልዮትን ዝስዋዕ ፍቕርን እቲ ኣብ ልባትና መንፍስ ቅዱስ ዘሕደሮ ዝተወሃብናዮ ጸጋ እዩ፡ ዝተወሃብናዮ እሞ እነካፍሎ” እንክብሉ ነባሪ ጴንጠቆስጠ እንታይ ማለት ምዃኑ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝሃብዎ ኣስተምህሮ ሳልሳይ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.