2016-12-08 14:39:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ንእግዚኣብሔር ብእማኖ ምውካፍ ካብ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ንመሃር


ዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ማለት ናይ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ምጽናስ ዝብል እቲ ኣብ 1854 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ናይ እምነት ሓቂ እንክብሉ ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ሃምነነ ከምእተበዓለ ክፍለጥ እንከሎ፥ ከምቲ ልሙድ ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮም ሰዓት ልክዕ ንሰዓ ኣርባዕተ ርብዒ ጐደል ሮማ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ስፓኞ ኣብ ዝቖመ ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ምጽናሳ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብነቢያ ኣፍ ዝተነግረ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝተወስዱ ኣርባዕተ ጥቕስታት ዝተነብሮ ናይ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ብዘይ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ምጽናሳ ዘጉልሕ ቅዱስ ሓወልቲ ናብ ዝርከብሉ ስፍራ ብምኻድ ጻዕዳ ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ናብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት ዘሰንይ ዝተባርከ ቅዱስ እዋን ምጽኣት ክዀነልና ተመንዮም ነቶም ኣብቲ ስፍራ ዝተረኽቡ ናይ ሮማ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ሰላምታ ኣቕሪቦም ቃል ኣስምዒም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከምእተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኣብ መላእ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ምጽናስ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኪሮም ፒዮስ ታሽዓይ ብትንቢት ስለ መላእ ዘርኢ ሰብ ድሕነት መስዋዕቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ንማርያም ካብ ኩሉ ሓጢኣትን ሓጢኣት ኣዳምን ዓቀባ ቢሎም ካብታ ንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብተስፈይና እማኖን ዕለት ብዕለት ፍቓዱ ብምንባር ብእምነት ገዛእ ርእስና ንእግዚኣብሔር ምውካፍ ንመሃር። ምሕረተ ኣብ ዝዀነ ኢየሱስ ወዳ ብኣማላድነት ኣዲኡ ማርያም ብኽብሪ ብዝተነብረ ምድራዊ ሕይወት ኣስተውዕሎ ብሓሴት ኣብ ሰማያዊ ደስታ ከብጽሓና ንለምኖ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.