2016-12-08 14:54:00

ሕጹጽ ኩነት ጸኣት ስደተይናታት


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. “ኤውሮጳ፡ ስደተይናታት ኣሕዋትና እያቶም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ዘዳለዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ናይቲ ተቛም ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 80 ዝግመቱ ከንቲባታት ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኤውሮጳ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታ ክትግደስን ጸኣት ስደተይናታት ዝወልድ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ኩነት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክትዓይን ኣብዚ ራእይ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ክነቕሕን ካብቲ ውግእን ጥምየትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምልጡን ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑ ቢሎም ዝስደዱ ዜጋታት ዓለም ክንክንን ሓለዋን ክግበረሎምን እዚ ግቡእ ሓላፍነት’ዚ ብኹለን ሃገራት ክትግበር ፖለቲካውን ማሕበራዊን ሕሊና ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ዝካየድ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 10 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦምን ቅዱነቶም ብዝልግስዎ መርሕ ቃል ዝጠናቐቕ እውን ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ሓጹር ምንዋሕን ሰብ ካብ ዓመጽን ውግእን ሕሱም ጥምየትን ድርቅን ናይ ተፈጥሮ ከበድ ሓደጋታት ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ንዝድርዀ ሰብኣዊ ባህርይ ምዕጋት ኣይከኣልን እዩ። ምትሕብባርን ምድግጋፍን ጥራሕ እዩ ስደትን ምዝብልናን ዘወግድ ዝብል ሓቂ ዘቃልሕን ነቲ ዘሎ ጸኣት ስደት ተንቲኑ መፍትሒኡ ድማ ዝሕብር ዓውደ ጉባኤ ነቲ ዝርአይ ዘሎ ኵነት ዘይምርግጋእ ኣነጺሩ መንቀሊ ስደት ካብ ሱሩ ክመሓው ምትሕብባር ሃገራት ዓለም መንግስታትን ዘለዎ ኣገዳስነት ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነጽር እውን ምዃኑ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሰን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ዓለም ካብ ዝምባለ ዘይምግዳስን ንኣይነትን ብምልቓቕ ፍትሕን ሰላም ክሰፍሕን ኣብተን ውግእን ዓመጽን ጥምየትን ዝረአየለን ሃገራት ዘሎ ኩነት ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ብምስፋሕ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዘይ ንስኻን ዘይ ከማኻን ብባህልን ብሃይማኖትን በፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ብምኻባር ናይ ዘተን ምክብባርን ምቕብባልን ምትሕስሳብን ባህሊ ኣምሪሕካ ዓለም ናብ ብሉጽ ጐዳና ምምራሕ ክኡል ጥራሕ ዘይኰነስ ኣገዳስን ግድን ምዃኑ ዘነጽር ዓውደ ጉባኤ ከምዝኾነ ድማ ኣፍሊጠን፡ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብርቕን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣፍሪቃ ዘሎ ውግእን ውጥረትን ደው ዝብለሉ መገዲ ብምልላይ እንነብረሉ ዓለም ሰብኣዊ ሚዛን ዘለዎ ክኸውን ናይ ሰብኣውነት ባህሊ ኣብ ፖለቲካን መደብ ሕንጸት ማእከል ክኸውን ሓደራ ዝብልን እዚ ሓድራ ዝብሎ ክቡር ሓሳብ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሉ መገድታት ዝሕብር ምዃኑ ኣመልኪተን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.