2016-12-06 16:19:00

ተልእኾ ካቶሊካዊት ስድራ ቤት ኣብ እስያ


ካቶሊካዊት ስድራ ኣብ እስያ ምሕረተ እግዚኣብሔር ዝንበረላን ናብ ብጻይካ ነቲ ምሕረት እተቕርበሉን እተካፍለሉን ስፍራ እያ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ፈደራላዊ ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብ ሃገረ ስሪ ላንካ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ክፍለ ከተማ ነጎምቦ “ካቶሊካዊት ስድራ ኣብ እስያ፡ ናይ ድኻታት ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ምሕረት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ከምእተኻየደ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ኣብነትን ገምርን እስትንፋስን ንኣባይቲ ስድራ እንክብሉ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ኮታባቶ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦርላንዶ ከቨዶ ነቲ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባቲ ምኽሪ ፈደረሽን ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ኦስዋድ ግራሲያ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፥ ናይ ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ናይ ፍቕርን ሕይወትን ቤተ መቕደስን ህያው ወንጌልን ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ቅዱስ ምስሊ እያ፡ ኣባይቲ ስድራ እስያ ናባታ ቅድስቲ ስድራ ነመሕጽን። ኣብ ጽንኩር ኩነት ዕለታዊ ሕይወት ብምግጣም ናብ ቅድሚት ዘብል ሓይሊ ካብ ቅድስቲ ስድራ ቤት ይርከቡ። ኣብ እስያ ካቶሊካዊት ስድራ ቤት ብቓልን ተግባርን ዘቤታዊትን ንእሽተይ ቁምስና ናይ እግዚኣብሔርን ምሕረትን ሓልዮት መንበር ትኹን ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣባይቲ ስድራ ኣብነት ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ንኽትነብር ዝተጸውዔት ምዃና ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮሊስ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዊ ዘረባ ጠቒሶም ወንጌል ናብ ኩሉ ምብጻሕ ናይ ኵሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ክርስቲያን ተልእኾ እዩ። ናይ ምሕረት ልኡካን ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን መገዲ ናይ ዘተ ጉዕዞ እምበር ናይ ውራን ምርኮን መገዲ ኣይኰነን ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.