2016-12-06 17:04:00

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ


 ስነ ስርዓት ቀብሪ እዞም ኣብ መበል 91 ዕድሜኦም፣ 32 ክልተን ዓመታት ብክህነት፣ 35 ዓመታት ከኣ ብጵጵስና ብጠቕላላ ን67 ዓመታት ንቤተ ክርስትያን ዝተላእኩ ልሂቅ ጳጳስ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ሓሙስ ንግሆ ሰዓት 7 ምስ ዓረፉ፣ ክቡር ሬሳኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ተቀመጠ’ሞ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ኣብኡ ክጽልዩ ወዒሉ።

ዓርቢ ማህሌት ድሕሪ ተቆይሙ፣ ኩሎም ብጹኣን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ 40 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ መስዋእተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ዓሪጉ። ስዒቡ መደብ መግለጺ ሓዘን ንመራሕቲ
ሃይማኖትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ናይ ዲፕሎማሲ ኣባላትን ስርዓት ፊርማ ሓዘን ተገይሩ። ድሕሪ ቀትሪ ክቡር ሬሳኦም ብጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ተሰኒዩ ናብ ናይ ትውልዲ ዓዶም ዓዲ ዜኑ ዞባ
ደቡብ ኣምሪሑ። ኣብ ዓዲ ዜኑ ሓዲሩ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ካልእ ኩሉ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓትን ተፈጺሙሎም ልክዕ ፍሪቂ መዓልቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ካብ
ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ብዙሕ ሕዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዶም ዓዲ ዜኑ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.