2016-12-03 16:48:00

ብፁዕ ካርዲናል ሚዩለር፥ ብዛዕባ እቲ በርባዕተ ካርዲናላት ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ “Amoris laetitia -  ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ምትርጓሙን ምትንታኑን ጌጋ ከይህሉ ዘብቅዕ ብፍላይ ድማ ንዝተፋትሑ (ቃል ኪዳን ንዘፍረሱ) ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ተኻፋእልነት ዝብል ሓሳብ ብቐጥታ ብምጥቃስ እዚ ድማ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘነጽር መረዳእታ ክህብሉ ኣርባዕተ ብፁዓን ካዲናላት ናብ ቅዱስ ኣቦና መእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ብዙሕ ዝንገር ዘሎ ዜና እዩ። ነዚ ናይቶም ብፁዓን ካርዲናላት መልእኽቲ ኣሞርኵይዞም ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ሉድዊግ ሚዩለር ምስ ናይ ኦስትሪያ ካዝፕረስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቅድም ቀዳድም እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝብሎን ዝፍጽሞን ምንቅስቓሳቱ ኩሉ ምስ ስልጣን ር.ሊ.ጳ. እዩ። ስለዚህ ቃላዊ መጥቃዕቲ ሓቆፍ ኣብ ዝኾኑ ክትዓት ኣይሳተፍን እዩ። ስለዚህ እቲ ናይቶም ኣርባዕተ ብፁዓን ካርዲናላት መልኽቲ ብቐጥታ ይብጻሕ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብል ብምዃኑ ባዕሎም ቅዱነቶም እዚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ብቐጥታ ኣብ እምነትን ግብረ ገብን ስልጣናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዝምልከት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተሓባባሪ ማሕበር ብምዃኑ እቶም ኣርባዕቲ ብፁዓን ካርዲናላት ንዘቕረብዎ ሕቶ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ መልሲ ንኽህበሉ ክእዝዙ ዝከኣል እዩ።

ስለዚህ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝብል ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተማእከለ ዘወልትውን ሓዊ ብዘጓሃህር መገዲ ከይተመርሔ ግልጽን ቅኑዕን ዘተ ክካይድ ሓቲቱ ኣሎ ቢሎም፥ ብቐጥታ ብዛዕባ ዝተፋትሑ ንሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድን ዘይምፍቃድን ዝብሉ ነጥብታት ብቐጥታ ከይተንከፉ፡ ተፋቲሖም ዳግም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ሰብ ሓዳር ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ፍቑድ ክኸውን ዝከኣል እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃብዎ ዝልጣናዊ ትምህርትን ዝጸንሔ ስልጣናዊ ትምህርት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቃረን ኣይኰነን። ስለዚህ ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ቀጻሊ እዩ። ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዮሴፍ ራትዚንገር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጀርመን ናይ ላዕለዋይ ከባቢ ረናኒያ ዝነበሩ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት ንዝተፋትሑ ቅዱስ ቁርባን ዝምልከ ፍሉዩ ሕቶ ኣቕሪቦም ኔሮም እዮም ይኹን ዝብል መልሲ ድማ ኣይሃቡሉን። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ኣብ ትምህርቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ዋሕስ እዩም። ምስጢረ ተክሊል ዘይፍታሕ ምዃኑ እዮም ዘስተምህሩ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ዘይኰነ ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ነታ ብፍትሕ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ብምሕሳብ ብፍቓድ ምሕረት እግዚኣብሔር ምስናይ ዘለዎ ኣድላይነት እዮም ዘተሓሳስቡ። እዚ ማለት ግና ከምቲ ብዙሓት ብዘይምርዳእ ዝብልዎ ፍትሕ ከምእተፈቕደ’ሞ ዝተፋትሑ ድማ ጉዳዮም ከይተጸንዔ ቅዱስ ቁርባን ክቕበሉ ይኽእሉ ይብሉ እንክብሉ ዝገልጽኦ ኣበሃህላ ዓቢይ ጌጋ እዩ። ንሶም ዘቐድሙ ፍቓድ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ ምስ በሉ ብዙሓት ነቲ ናይቶም ኣርባዕተ ብፁዓን ካዲናላት ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ እንክብሉ ዝነዝሕዎ ዘለዉ ነዘርያ (ክልሰ ሓሳብ) ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ተቐባልነት ዘይብሉ ግምት እዩ ቢሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓቂ ዓወት እምበር ናይ ስልጣን ዓወት የልቦን። ቤተ ክርስቲያን እትምራሕ በቲ ሓቅን ብርሃንን መገድን እያ ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.