2016-12-01 16:34:00

መልኽቲ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ


ብምኽንያት እቲ ዕለት 7 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝበዓል መበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ድሮ ከምእተሰናደወን ናይቲ መልእኽቲ ጽማሬ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዝሃበሉን እቲ ዝተወሃበ መግለጺ ከምዘመልክቶ ድማ፥
ቅዱነቶም ብጐይታ ምጽዋዕ ዘለዎ መለለዪ ጠባይ ኣብቲ መልእኽቶም ከምዘብረሁን መለለዪ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎምን ነዚ እንክትንትኑ ድማ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ዝውለደሉ ዝዅስኰሰሉን ተመክሮ ዝግበረሉ ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ እዩ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ተመክሮ እናነበርካ ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕን ንኻልእ ጽን ምባልን ንድምጺ ጐይታ ጽን ምባልን ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ናብ ዝብል ሕይወት እትነብረሉ ማለት እዩ ቢሎም፥


ብእግዚኣብሔር ድምጺ ንኽማረኽ ገዛእ ርእሱ ዝሓድግ ኣብ ምስዓብ ኢየሱስ እግሩ ዘኽይድ ሓድሽ ቃል ብስራት ነሕዋት ንምብጻሕን ብኣስፍሆቶ ወንጌልን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ናብ ምግልጋል ዝድርዀ ድላይ ክዓብጦ ከምዘይኽእል ቀልጢፉ ዝርዳእን ነዚ ወንጌል ናይ ምብጻሕ ሃንቀውታ ኣብ ውሽጡ ይረክብ። ወንጌላዊ ልኡካውነት ዝስምዖ ብእግዚኣብሔር ከምእተፈቕረን ነቲ ተፈቃርነቱ ክቐብርን ኣብ ገዛእ ርእሱ ክዕጸዎ ዘይከኣሎ ምዃኑ የስተውዕል። ወንጌላዊ ሓሴት ንማሕበረሰብ ሓዋርያት ሕይወት ምልኣት ይህብ። እዚ ድማ ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ፍስሓ እዩ” (ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን)፡ ምስ ጐይታ ዘሎካ ርክብ ናብ ዓለም በቲ ነቢያዊ ቃል ጐይታ ተመሪሕካ ፍቕሩ ክትምስክር ይድርኸካ። ነዚ ካብ ዝተቐብልናዮ ጸጋ ጥምቀት ዝዕደለና ክርስቶስ ናብ ኣሕዋት ናይ ምብጻሕ ናይ ልኡክነት ጉዕዞ ኣብ ድኻምነትናን ተነቃፍነትናን ዘይብቁዕነትናን ተጠራጣነትናን ኣብ ዘይትስፍውነትናን ኩሉ ክንገጥምን ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ ዝድግፈና፡ ብፋልይ ቢሎም ንዝምልሱ ወንጌላዊ ልኡክነት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ዝምልከቶም እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ካብ ወንጌል ተበጊሶም ደቀ መዝሙር ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፥ ቅድም ቀዳድም ከም ክርስቶስ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሕቡራት ምዃንን ደሓር ድማ ቃል እግዚኣብሔር ነሕዋት ንምብሳር ምንቃልን በዚ መገዲ ቃል ሒዝካ ምንቃል ኣቢልካ ናይ ድሕነት መጋበርያ ኰይንካ ምርኻብ። ደሓር ድማ ህላዌ ህያውነት ኢየሱስ ዝስምዓካ ምዃንን ንሱ ኣብ ጎድንኻ ኰይኑ ልክዕ ከምቶም ኤማኦሳውያን እናደገፈካ ዝጓዓዝ ምዃኑ ምእማንን በቲ ህልው ህላዌኡ ተመሊእካ ድማ ነቲ ሓጐስ ንምቅላሕ ናብ ኣሕዋት ምባል። ጐይታ ውስንነትና እናፈለጠን ሰብኣውነት ውስንነትና ክንየው እናጠመተ ኣባና እምነት ይገብርን ይጽውዓናን። ብሓልዮቱ ድማ ከምእንድነቕ እናገበረ ካብቲ ሰብኣዊ ድማረታትና ክንየው ኣገልግሎትና ፍርያማ ይገብሮ። እዚ ዅሉ ድማ ብጸሎት ዝምራሕን ዝስነይን ክኸውን ይግብኦ። ብዘየቋርጽ ጸሎት። ቃል ኣምላኽ ጽን ምባልን ምስ ጐይታ ዘሎካ ርክብ ኣናሓብሓብካ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖን ሱታፌ ቅዱስ ቁርባንን ምጽናዕ የድሊ።

ካህናትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ናይ ጐይታ ጥልቂ የዕሩኽ ምዃን ዝነብሩ ይኹኑ ቢሎም፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጽኑዓትን ጽውዓትን ዝመርሕዎም ጓሶት ስለ ወንጌላዊ ኣገልግሎ ገዛእ ምዃኖም ዘይበቁ ፍቕሪ ወንጌል ዝሓዞም ናይ እግዚኣብሔር መሓሪ ፍቕሪ ሕያው መሰኻኽር ዝዀኑ የድልዮ እዩ፡ ቅዱነቶም ንመንእሰያት እናሓሰቡ ድማ ኣብ መልእኽቶም ኣብዚ ዝደኸመ እምነት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ዓለም  መንእሰያትና በቲ ወትሩ ህያውን እዋናውን ብዝዀነ ናይ ኢየሱስ ተክለ ሰብነት ክማረኹን ንኣኡ ንኽረኽቡ ዓቢይ ሃረርታ ዘለዎም እያቶም ምእንቲ’ዚ ብቃለ ወንጌሉ ክማረኹን ክነቓቕእሑን በቲ ናይ ጐይታ ወስታን ንኽበራበሩን ብምሉእ ፍቕሪ ዝኹልዕ ሕጉስ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሕይወትን ተመነዮም ንኣኡ ይድለዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.