2016-11-26 17:12:00

ዘለዓለማዊ ኩነኔ ማለት ናይ ስቃይ ቦታ ዘይኮነስ ካብ ገጽ ኣምላኽ ምርሓቅ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ንግሆ ንግሆ ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ዘለዓለማዊ ኩነኔ ማለት ናይ ስቃይ ቦታ ዘይኮነስ ካብ ገጽ ኣምላኽ ምርሓቅ እዩ!’ እንክብሉ ካብ እግዚኣብሔር ንወትሩ ክትርሕቅ ምምራጽን ምውሳንን ብዓንደ ርእሱ ዘለዓለማዊ ኩነኔ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምስዚ ብምትሕሓዝ እውን ነዚ ውሳኔ እዚ ንምውሳድ ዝደፋፍእ እቲ ጥንተ ጸላኢ ደቂ ሰባት ዝኾነ ሓሳውን ናይ ሓሶት ኣቦን ወትሩ ከተሃራርፈናን ከደናግረናን ስለዝጽዕር ካብኡ ምህዳም እንተዘይኮነ ተማጒተ ክዋጻእ ኢየ ቢልካ ምሳኡ ኣብ ዘተን ልዝብን ዘይምእታው። ብምሉእ ልብኻን ብዓቢ ትሕትናን ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ ጐይታ ምእንቲ ክትራኸብ ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ከምዘድሊ እውን ኣዘኻኺሮም፣

ከም ስርዓተ ኣምልኾ ላቲናዊት ቤተክርስትያን ጽባሕ ሰንበት ቀዳማይ ሰንበት ዘምጽኣት ስለዝኾነ ኣብዘን ክልተ መዓልታት እዚኤን ዝቀርብ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ፍርዲ ኣምላኽን ዝገልጽ ኮይኑ ከም መዕጸዊ ሊጢርግያዊ ዘመን ይምልከት፣ ትማሊ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይናገር፣ ምስ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ እንራኸበሉን ፍርድና እንቅበለሉን ፍጻሜ ከመይ ከምዝኸውን ብራእይ ይናገር፣ ኣብቲ ፍርዲ ብመጀመርያ ዝፍረድ እቲ ብዓቢ ገበል ተመሲሉ ዘሎ ናይ ጥንቲ ተመን ዲያብሎስ ምዃኑ ንምምልካት‘መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።` (20.1-2) እንክብል ካብ ሔዋን ጀሚሩ ብምትላልን ብሓሶትን ንደቂ ሰባት ዘሰሓሓተ ዲያብሎስ ፍርዱ ይቅበል፣ እዚ ፈተናዚ ገና ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ምዃኑ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘እዚ መታለሊ ከምቲ ናይ ሔዋን ነዛ ፍሬዚኣ ምስ በላዕኩም ከም እግዚኣብሔር ክትኮኑ ብማለት ዘሰሓሓተ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ሓቢሉ ሓባቢሉ ምስ ኣውደቀካ ሕይወትካ የዕኑ፣ እምኸደኣ ኣባቴ! ሰይጣን ከየሰሓሕትና እንታይ ንግበር! ቢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ፣ ኢየሱስ ጽቡቅ ትምህርቲ ሂቡና፣ ምስ ሰይጣን ፈጺምካ ዘይምዝታይ! ዘይምሙጓት! ኢየሱስ እንታይ እዩ ዝገበረ! የባርሮ ነይሩ! ኪድ ካባይ ረሓቅ ካብ ምባል ጀሚሩ ካብ ካልኦት ከባርሮ ከሎ ከኣ ስሙ ጥራሕ ኢዩ ዝሓቶ ዝነበረ ኣይዛተን ነሩ፣ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ፈተና ኢየሱስ ሓንቲ ትርፊ ቃል ኣይወሰኸን ቃል ኣምላኽ ጥራይ ጠቂሱ፣ ኣብ ሰለስቲኤን ሕቶታት ብቃል ኣማልኽ እዩ ተኸላኺሉ፣ ስለዚኸስ ምስዚ ኣቦ ሓሶትን መታለልን ዝኾነ ፈጺምካ ዘይምዝታይ ከመይ ሕይወትና ከዕኑ እዩ ዋና ጻዕሩ፣ በዚ ከኣ እዩ ናብ መዓሙቊ ዝድርበ ነቶም ሕሩያት ከየስሕት’ እንክብሉ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ምስ ኣስተንተኑ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ብዛዕባ ፍርዲ ደቂ ሰባት ድማ፣ `ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።’ (20.11-12) ናብ ዝብል ምልስ ቢሎም እቶም ናብ ዘለዓለማዊ ድሕነት ዚኣትው እቶም ትሑታትን ኣምለኽቲ ክርስቶስን ኮይኖም ነቶም ናይ ዲያብሎስን ተኸተልቱ ዝኾኑ ገንዘብን ክብርን ዓለማውነትን ከንቱነትን ኣይንኽተልን ቢሎም ሕይወቶም ዝሰውዑ ሰማዕታት እዮም’ እንክብሉ ናይቶም ትሑታት ሰማዕታት ሕይወት ምስ ገለጹ፣ ነቶም ተኸተልቲ ዲያብሎስ ዝስዕቦም ናይ ዘለዓለም ኩነኔ ከኣ ካብ ገጽ ኣምላኽ ምርሓቅ እቲ ዝዓበየ ቃንዛን ስቃይን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ጐይታ ንዓበይትን ናኣሽቱን ከከም ግብሮም ክፈርዶም እዩ፣ ነቶም ዝተዀነኑ ከኣ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ ክድርብዮም እዩ፣ እዚ ከኣ ካልኣይ ሞት እዩ፣ ዝብል ኣብ ራእይ ዮሓንስ ነንብብ፣ ናይዚ ካልኣይ ሞት መግለጺ ከም እቶን ሓዊ ይቀርብ እዚ ግን ናይ ከም መግለጺ እምበር እቲ ዝዓበየ ስቃይን ቃንዛንሲ ገጽ ኣምላኽ ዘይምርኣይ እዩ፣ እቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኣትውን ናይዚ ኩነኔ ኣደዳ ዝኾኑን እቶም ኣብዚ ምድሪዚ እንከለው ናብ ጐይታ ክቀርቡን ክኽተልዎን ዘይደለዩ፣ ካልእ መንገዲ ዝመረጹን እዩ፣ ዘለዓለማዊ ኩነኔኸስ እዚ ብቀጻሊ ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቅ እዩ፣ ካብቲ ወትሩ ሓጐስ ዝህብ እግዚኣብሔር ምርሓቅን ምህዳምን፣ ካብቲ ወትሩ ሰናይና ዝደልን ዘፍቅረናን እግዚኣብሔር ምርሓቅ፣ እዚ እዩ ዘለዓለማዊ ኩነኔ፣’ እንክብሉ ናይቲ ሓዉ ዘይጠፍእ ሓሰኻኡ ዘይድቅስ ክንብል እምስሎ ገሃነመእሳት ኩነት ገሊጾም፣

ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ እሞ ከምቲ ኢየሱስ ዝብለና ልብታትና እንተደኣ ከፊትናን ብመንገዲ ጥፍኣት እንተዘይከድናን ሓጐስን ድሕነትን ናይቲ ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን ክንቅበል ኢና፣  ስለዚኸስ ትዕቢት ኣወጊድና ብምሕረት ኢየሱስ ክንድሕን ብተስፋ ንጐዓዝ፣ እዚ ተስፋዚ ንልብታት ንኢየሱስ ይኸፍት፣ ምስ ኢየሱስ ክንራኸብ ኢና ንጽበ ዘሎ፣ ብትሕትና ንቅረቦ እሞ ኦ ጐይታ ንበሎ ዝተረፈ ባዕሉ ክፍጽሞ እዩ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.