2016-11-26 16:43:00

ስነ ፍጻመን ትንታነን ራእይን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ምርምርን ዓቢይ ኣበርክቶን ዓበይቲ ናይ መጽናዕቲ ምርምራት ንዘቕረቡን ናይቲ ናይ ምርምር መጽናዕቶም ንንባብ ዘብቐዑ ምሁራን ሊቃውንትን ብምሕራይ ንምሩጻት ዝወሃብ ራትዚንገር እተሰምየ ናይ ቲዮሎግያ ኖበል ሽልማት 2016 ዓ.ም ንየኔታ ኣባ ኢኖ ቢፊን ከምኡ እውን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቢተ ክርስቲያን ምእመን ዮኣኒስ ኩረምፕለስ ብቑዓት ተባሂሎም ከምእተሓርዩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

የኔታ ኣባ ቢፊ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ቲዮሎጊያን ሊጡርጊያን መምህርን በማኢት ዝቑጸሩ ጥበባውያን መጻሕፍት ዝደረሱን ናይ ራትዚንገር ናይ መጽናዕቲ ሰነዳትን ጽሑፋትን ዝደረስዎ መጻሕፍትን ናይ ቲዮሎጊያ መምህር እንከለዉ ደሓር እውን ከም ጳጳስን ከም ካርዲናልን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን ከምኡ እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በነዲክቶስ መበል 16ን ስብከታቶምን ድርሰታቶም ኣስትምሆሮታቶም ድርሰታቶምን ከከም እርእስታቱ ብተኸታታሊ መጽሓፊ ብምስናድ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝግበር ናይ ስነ መጽናዕቲ ዕዮ ተሓባባሪ ከምዝዀኑ ዝንግረሎምን ብፍላይ ነቲ ስልማት ብቑዕ ዘበሎም ኣብ ናይ ማእከላይ ዘመን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን  ዘተኰረ ተኸታታሊ ንንባብ ዘብቅዕዎ ዘለዉ ክሳብ ሕጂ 20 ተኸታታሊ መጽሓፍ ንንባብ ዘቕረቡ ገና እውን ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ ምርምርን ዝገብርዎ መጽናዕቲ ምዃኑ ጂሶቲ ሓቢሮም፥ ከምኡ እውን ካልኣይ ተሰላሚ ኣብ ተሶሎንቄ መንበረ ጥበብ ኣሪስጦትል ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕቲ መምህር ኣብ ሳሎኒቆ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዮኣኒስ ኩረምፕለስ ከምዝዀኑ ገሊጾም እቶም ሕሩያት ዕለት 26 ህዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ካብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክቕበሉ ምዃኖም ድማ ገሊጾም ኣስዒቦም ዮሴፍ ራትዚንገር ማሕበር ዘዳለዎ ስነ ፍጻመን ትንታነን ራእይን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ናብቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ዘሰንይ ዕለት 23 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ዓውደ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ጠቒሶም ኣብቲ ናይ ዕለት 25 ሕዳር 2016 ዓ.ም. መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ኩርት ኾኽ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ የመልክቱ።

ተስፋ ኣብ ምድራዊ ሕይወት ዝተሓጽረ ጥራሕ እተዝኸውን እንታይ ዓይነት ተስፋ ምዀነ? ተስፋ ኣብ መቓብር ዝዕጸውን ዝድምደምን እንተዝኸውን እንታይ ዓይነት ተስፋ እዩ ዝኸውን ዝብል ሕቶ ኣማእኪሎም ብፅዕ ካርዲናል ኮኽ፥ “ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ድኣ ኾይና ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና” (1ቆሮ. 15,19)፡ ክርስቲያናዊ ተስፋ ናይቲ ተስፋ ዝብል ቃል ክብሪ ዘለዎ ፍሉይ ትርጉም እዩ ዘለዎ። ሰገር ሞት እዩ። እውነተይና ፍቕሪ ዘለኣለማውነት ይደልይ። ከምቲ ገጣማይን ናይ ስነ ግጥሚ ሊቅ ፈረንሳዊ ጋብሬል ማርሰል ዝብሎ “ምፍቃር ዘለዓለማውነት ይሕብር፡ ናይ እግዚኣብሔር ኢታእላው ፍቕሪ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለኣላማውነት ማለት እዩ። ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብተስፋ ኢና ዝደሕንና ብዝብል ቃል ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ “ብፍጹም ዝተፈቐርኵ እየ። በዚ ፍቕሪ እዚ ዝጽበይ እየ ዝበለቶ ጠቒሶም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣሰር ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ እንክብሉ ዝትንትንዎ እዩ።

ክርስትያናዊ ፍጻመ ንሰብ መጻእነት ቃል ይኣትው። እዚ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎ ዘለኣላምውነት ይሕብር። እቲ ፈረንሳዊ መራሕ ነፋሪትን ደራስን ኣንቶይነ ደ ሳይንት ጽኩፐርይ፥ “ጀልባ ክትሰርሕ ምስ እትደልይ ሰባት ኣግራብ ክቖርጹን ብዝተፈላለየ ደረጅ=ጃ ክዓዩ ምውዳብ ዘይኰነስ ቅድም ኣብ ውሽጦም ድላይ ባሕርን ኢታእላውን ከምዝሓድር ግበር” ይብል እዚ ዓይነት ኣባሃህላ ናብቲ እምነት ክርስትናን ኣብቲ እምነት ክርስትና ዘበስሮ እንተድኣ ወሲድናዮ፥ እምነት ክርስትና እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ሃረርታ ዘለኣለማውነት ኣብ ህልው ሕይወት ክሰርዖ ዝድግፍ ምግባር እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 25 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ሕትመቱ ይሕብር።

ድላይ ዘለኣለማውነትን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ንህልው ሕይወት ዘናሽው ወይ ድማ ዕሽሽ ዝብል ኣይኰነን ዘለኣለማውነት እናጠመትካ እዋናዊ ሕይወት ብጠመተ ዘለኣለማውነት ብዘምርሕ ኣካይዳ ምንባር ማለት እዩ። እዚ ድማ እምነት ይበሃል። ህልው ሕይወት ዘወድስ እዩ። ንዘለዓለምውነት ዕጽው ዝዀነ ህልው ሕይወትን፡ ህልው ሕይወት ግምት ዘይህብ ትጽቢት ዘለዓለማዊ ሕይወት ሓደ እዩ። ባዶነት። ፍልልይ ዘይብሉ ዕጹው ሕይወት ማለት እዩ። ሕይወት ግና ደረት ሰገር እዩ። ህልው ሕይወት ቅድሚ ሞትን ድሕሪ ሞት ዘለዓለማዊ ሕይወትን ክርስትያናዊ ጠመተ እዩ። ስለዚህ ክርስትና ሕይወት ክርስትያናዊ ኣካይዳን ኣነባብራን ኣለዎ።

መሰኻኽር ክርስቶስ ምድራዊ ሕይወት ከም መሰጋገሪ ደኣ እምበር ፍጻሜ ከምዘይኰነ ዘለዓለማውነት እናማዕደዉ ኣብ ክውንን ጭቡጥን ዝጓዓዙ እያቶም። ኣብ ዓለም ግና ናይ ዓለም ዘይምዃን። ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፈር ሾንቦርን ኣብታ ኣብ 1987 ዓ.ም. ኣብ ዝደረስዋ መጽሓፎ፥ “ነቲ ናይ ኣብዚነታዊ ጊዜ ሓላፍነት ኣብቲ እውነተይና ናይ ክንየው ተስፋ መሰረት ገይሩ ዝኸይድን ዝዓብይን እዩ ከምዝበለዎ፡ ናይዛ ሕይወት እውነተይና ሓጐስ ብናይቲ ክንየው ሓላፍነት ዝምራሕ እዩ። ኣብዝን ክንየውን ሕይወት ዓሚይቕ ምትእስሳር ኣሎ። እዚ ምትእስሳር እዚ ድማ ብክርስቲያናዊ ሓጐስ ዝምራሕ ይኹን ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ዕለት 25 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.