2016-11-26 17:06:00

ሰንበት ዘቅድስት (18 ኅዳር 2009 ዓ.ም. (11/27/2016)


ንባባት፡ 2ተሰሎ 3፡7-12፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡27-ፍ፥ ሉቃ 21፡5-19   ምስባክ፡ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ መዝ. 135፡6።

መዝሙር፡ “ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር”።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ፥ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ዘይነበረላ ጊዜ የላን ስለዚ ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ርኢና ንኽአል ሽዑ ሕይወትና ሓቀኛ መንነት ተፈጥሮን ሒዝና ከምእንኸይድ ክገብረና እዩ። ሓደ ካብቲ ከቢዱና ዘሎ አምላኽ አበይ ከምዝርከብ ጠፊኡና ሃዘው ንብል አሎና። ገለ ሰባት አምላኽ አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ገለ ኸአ አብ ኩሉ ስፍራ እባ ገለ ኸአ የለን እናበሉ አብ ናይ ምድንጋር ዓለም ከም እንነብር ገሮምና አለዉ። አምላኽ አበይ ይርከብ?

ዮሴፍ ዝተባህለ ሰብ ከም ኩሉ ሰቡ ድኃን ዝኾነ መነባብሮ ዝነበሮ ንሰባት ዘኽብር ግርማ ዝመልኦ እዩ ነሩ እንተ ኾነ ሓንቲ ዓባይ ጸገም ምስ ሰቡን ቆሞሱን ዘይተሰማምዕ ነራቶ፥ እዚአ ኸአ  እግዚአብሔር አብ ኩሉ ስፍራ ስለ ዝነብር ቤተ ክርስትያን ምኻድ አየድልን እዩ፥ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና አሎ እናበለ ነዕርኽቱ ይዛረብ ንርእሱ ኸአ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ አይነበረን። ሓደ መዓልቲ ቆመሱ ነዚ ምስ ሰምዑ ንዮሴፍ ክበጽሕዎ እሞ ክዛረብዎ መዲቦም አብ ገዝኡ ከዱ። ብርቱዕ ቍሪ ክረምቲ አብ ዝነበሩ ጊዜ እዩ ነሩ፥ ናብ ገዛ ዮሴፍ ከይዶም ማዕጾ ኳሕክሑ ምስ አበሉ ዮሴፍ ነጸልኡ ተጎምጒሙ አብ ጥቓ ሓዊ ኮፍ ኢሉ እናሰሓነ ጸንሖም፥ ምስኡ ሓዊ ክስሕኑ ኸአ ዓደሞም። ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ዘይምምጽኡ ክዛረብዎ ከም ዝመጽኡ እኳ እንተ ሓሰበ ወላ ሓንቲ አይበልዎን። ክልቲኦም ብዛዕባ ኩነታት አየር ይዛረቡ ነሮም። ቆሞስ ካብቲ ዝነድድ ዝነበረ ዕንጨይቲ ባልባል ትብል ንዝነበረት ወሲዶም ንበይና ገበርዋ እንተ ኾነ ቀስ ብቐስ ካብ ሃልሃል ዝብል ክትጠፍእ አብ ሓሙኽሽቲ ትቕየር ዝረአየ ዮሴፍ ቀልጢፉ ነቲ መልእኽቲ ተረዲእዎ። አብቶም ቆመስ ምልስ ኢሉ አባቴ ጽባሕ ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን ክመጽእ እየ ኢልዎም። ከምታ ንእሽቶይ ዕንጨይቲ ክትነድድ ካልእ ዕንጨይቲ ዘድልያ ሓዊ እምነት ክህልወና ሓፍትናን ሓውናን የድልዩና ስለዚ ቤተ ክርስትያን ተድልየና እያ ኢልዎም ይብሃል።

ካብ ቤተ ክርስትያን ካብ አሕዋት ዝፍለ ብነፍስን ብስጋን እዩ ዝጉዳእ። አብ ሕይወት ቍምስና እንተ ረአና ገለ ሰባት ግጉይ ርድኢት እምነት ብምሓዝ ገለ ኸአ ምስ ካህን ወይ ምስ ሽማግለ ወይ እውን ምስ ሓደ ሰብ ተባኢሰ ኢሎም ይጠፍኡ ይርሕቑ። ንእኦም ቤተ ክርስትያን ብሰባት ከም ዝተሰርሐት ዝተፈላለየ ጠባይ ዘለዎም ዝሓቖፈት ምዃና ዘንጊዖም ካብ አምላኽን ሰብን ይጠፍኡ። እዚ ናይ ዘመና ጸገም እዩ ግን ምስ ሰባት ተባኢስካ ካብ አምላኽን ሕውነትን ምርሓቕ አብ ዝገደደ ጥፍአት እዩ ዝወስደና።

ትምህርቲ ሓዘል ዝኾነ ዛንታ ኢና ሰሚዕና። አብ ነፍስናን ከምኡ አብ ሕይወት ካልኦት አሕዋትናን ዘሎ እምነት ክንርኢ ዝሕግዘና እዩ። ዮሴፍ አብነት ናይ እቶም ጨሪሶም ካብ ቤተ ክርስትያንን አሕዋቶምን ዝጠፍኡ እዩ። ንሱ ቤተ ክርስትያን ብስም ከድካ ጸዲቕካ ማለት አይ ኮነን ካብ ዝብሉ እዩ እዚ ብመጠኑ ሓቂ እኳ ይሃልዎ አብ ዘይደለናዮ ጸገም ክወስደና ይኽእል እዩ። ንዮሴፍን ከምኡ ዝአመሰሉ አምላኽ አብ ኩሉ ስፍራ ስለ ዘሎ አብዘለኽዎ እንተ ጸለኹ ይአክል ብምባል ንሰባት ካብ ቤተ ክርስትያን የትርፉ እዚ ብፍላይ አብ ቆልዑትን አብ ትሕቲ ካልእ ዝነብሩን ይርከብ። ገለ ኸአ አለዉ አምላኽ አብ ቤተ ክርስትያንን አብኡ ዝገበር ስርዓተ አምላኽን ዝኾነ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብምባል ዝኾነ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይከይድ ኩኑን እዩ ይብሉ፥ እዚኦም ክአ አብ አንጻር ዝኾነ ርድኢት ይወስዱና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ከምዚኦም ዝአመሰሉ ይዛረብ። እቶም ሰባት አስማቶም ወይ መን ከምዝኾኑ አይንገርን ግን ምናልባት አርድእቲ ክርስቶስ ክኾኑ ይክእሉ እዮም። ብህንጻ ቤተ መቕደስ ቅድሚ 46 ዓመት ብሄረዱስ ብጽቡቕ አእማንን ንመባእ ብዝተዋህበ ስልማትን አጊጹ ዝተሰርሐ ይዛረቡ። ነቶም ዝሓቱ ዝነበሩ ህዝቢ ቤተ መቕደስ ቤት አምላኽ አብዚ ምድሪ እዩ፥ እቲ ስለማትን ግርማን ቤተ መቕደስ ከአ አብ አምላኽ ዘልኦም እምነት ብርቱዕ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኢየሱስ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም እምኒ አብ ልዕሊ እምኒ ኸይፈረሰ ዘይተርፈልን መዓልትታት ከመጻ እየን ምስ በሎም ክንደይ ደንጊጾምን ጉህዮምን ይኾኑ። ከም ናይ ነቢ ትንቢት ብ70 ዓ.ም. አብ ትሕቲ መሪሕነት ቲቶ ሮማዊ ጀነራል ቤተ መቕደስ ጨሪሹ ፈሪሱ። ድሕሪ እዚ ቤተ መቕደስ ዳግም ስለ ዘይተሃንጸ ክሳብ ሎሚ አይሁድ መስዋዕቲ አየዕርጉን እዮም። ምፍራስ ቤተ መቕደስ ምፍራስ መንነት እስራኤላውያን እዩ ምኽንያቱ ቤተ መቕደስ ማእከል እምነቶምን መንግስቶምን እዩ ነሩ።

እዚ ኢየሱስ ብዛዕባ ቤተ ምቕደስ ዝበሎን ነቶም ብግዚኡ ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነን ንነፍሲ ወከፍና ከይተረፈ ፍሉይ ትምህርትን ምልክትን አልኦ። እዞም ነዚ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን ዝሽልሙን ዝነበሩ ንሶም እዮም ነቲ ወዲ አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ክቐትሉን ከጥፍኡን ዝሓስቡ ዝነበሩ። አብ ዝተሸለመ ቤተ መቕደስ ንአምላኽ ክርእዩ ካብ ከአሉ ስለምንታይ እዮም አብ ስጋን ደምን ዝለበሰ ወዲ አምላኽ ከለልይዎ ዘይክአሉ። ሰባት አብዚ ቤተ መቕደስ ጥራሕ ንአምላኽ አብዝርእዩሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ሽዑ ዕንዎቱ በጺሑ። አብ ታሪኽ ከም እንርእዮ ብፍላይ አብ ገለ ዘመናት ሕይወት ደቂ ሰባት ክሳብ ክንደይ ሕሱርን ክብሪ ዘይብሉ ከም ዝነበረ ንርኢ። ውግእ ብምኽንያት ሃይማኖት፥ ንጹሓት ሰባት ሓንቲ ከይገብሩ ምቕታል፥ ንሰባት ከም ባራዩ ገርካ ምሓዝ እዝን ካልእን መለለዪ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ። ሰባት መጠን ህንጻ ቤተ መቕደስ ከም ገዛ አምላኽ ጥራሕ ዝረአዩ መጠኑ ኸአ ነቲ ብአምሳል አምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ አናኢሶም ይርእዩ። ግን እዚ አይ ኮነን ክኸውን ዘለዎ።

እምነትና ህላዌ አምላክ ብዝያዳ አብ ሰብን ከምኡ አብ ቤተ መቕደስ ክንርእዮ ከምዘሎና ይነግረና። ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ከም ቤተ መቕደስ ቅዱሳት ከምዝኾኑ፥ ሰውነቶም ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ ይነግሮም። ቤተ መቕደስ አምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ አምላኽ አባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ አይትፈልጡን ኢኹም (1ቆሮ 3፡16)፥ ከምኡ ሰብነትኩም ቤተ መቕደስ ናይቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበልክምዎ አብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ አይትፈልጡን ኢኹም እምብአር ናይ ገዛእ ርእስኹም አይኮንኩምን (1ቆሮ 6፡19) ይብሎም።

ሓደ ክርስትያን ከም ናይ ሎሚ አርድእቲ ንአምላኽ አብ ዓቢ ህንጻን አብ ዝተሸለመን ቤተ መቕደስ ጥራሕ ክርእዮ ግን አብ ሰባት ክርእዮ ዘይከአለ ፍርቂ ናይ እቲ ታሪኽ ጥራሕ እዩ ዝነግር ዘሎ። ከምኡ ከምቲ አብቲ ዛንታ ዝተነግረ ንአምላኽ አብ ሰባት ጥራሕ እምበር አብ ቤተ መቕደሱ ክርኢ ዘይከአለ ፍርቂ ታሪኽ ጥራሕ እዩ ዝነግር ዘሎ። ክልቲኡ ብሓንሳብ ክኸይድ ይግባእ ማለት ህንጻዊ ቤተ መቕደስ ናቱ መግለጺ አልኦ ከምኡ ሰብ ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ዝተፈጥረ ጸጋታት ዝተዓደለ ህንጻ አምላኽ ከምዝኾነ ኸአ ክንፈልጥ አሎና።

አብዚ ብዛዕባ ክብሪ ሰባትን መንነቶምን ክንሓስብ ይሕግዘና። ኩልና ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ዝተፈጠርና ኢና ስለዚ ንሰብ ዝግባእ ክብሪ ከይነጉድል ክንጥንቀቅ አሎና። ሰብ ክቡር እዩ አምላኽ ከአ እዩ አኽቢርዎ። ክንጸልኦ ክንሓምዮ ሕማቕ ክንምነየሉ አይግባእን። ከንፍቅሮ ጽቡቕ ክንገብረሉ እዩ ድላይ አምላኽ። ክርስቶስ ክምህረና እንከሎ አርድእተይ እንተ ኾንኩም አብ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ይብለና። ፍቕርን ምክብባርን ክጎድል እንከሎ ሽዑ እዩ ዓለምና ዝበላሾ።

ናብራ ዓለም ሰሊጥኒ ወይ እውን ብገለ ሓሊፍለይ እዩ ኢልና ካብ አምላኽን ሰብን ከይንወጽእ ምጥንቃቕ የድልየና። አፍደገ ጥፍአት ዝወስድ ንሓውናን ሓፍትና ብመንፈስ ክንቀትል ዝፈታተነና ውሑድ አይ ኮነን በዚ ኢና ካብ ዝንአሰ ክሳብ ዝዓበየ ክነኽብርን ክነፍቅርን ዝግብአና። ጸላኢና ሰይጣን አብ መንጎና ዘራጊቶ አእትዩ ነገራትና ርክባትናን ሕውነትናን ክዘርግ ይፈታተነና አሎ በርቲዕና ንጸሊ አብ አምላኽ ርኢና ንኽአል።

ናይ ሎሚ ወንጌል አገዳሲ ነገር ይሓተና ንአምላኽ አብ ቤተ መቕደሱ አብ ስርዓት ሉጡርግያ አብ እነዕርገሉን ከምኡ አብ ነነድሕድና ዘሎና ርክብ ክንረኽቦ ከም እንኽእል ክንፈልጥ አሎና። ክንሓስበሉ ዘሎና ንሰባት ብጠምባዮም ነኽብርን ንፈቱን ግን እዚ ዝግብኦም ኮይኑ ዘይኮነ አምላኽ አብዞም ሰባት ክኸብርን ክፍቶን ዝግብኦ ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ ምኽንያት ሕይወትና አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያንን ካብኡ ወጻእን ሓደ ቀጻሊ ግብሪ አገልግሎት ንሓደ አምላኽ ነቲ አብ ነፍሲ ደቂ ሰብን አብ ቤተ መቕደስን ዝነብር ገርና ክንርእዮ ይግባእ። 

ኢየሱስ አብ ጉዕዞ ሕይወት ዘደናግሩ ንሓቂ ሸፊኖም አብ ጽልእን ፍልልይን ጥልመትን ዘአትዉ ክነግር እንከሎ ከይትሰሓሓቱ ተጠንቀቁ ብዙኃት አነ እየ እቲ ዘመን ከአ ቀሪቡ እዩ እናበሉ ብስመይ ኪመጽኡ እዮም አይትስዓብዎም እናበለ የጠንቅቐና። አብዚ መጀመርያ ባዕልና አብ ምድኃን ነፍስና ክንገብሮ ዘሎና ክንሓስብ አሎና። አፍልጦ እምነትና ክህልወና ቅ. መጽሓፍ ቃል አምላኽ ስለ ዝኾነ ንሓቂ አብኡ በቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህረና ክንረኽቦ፥ ትውፊትን ባህልን እምነትና ዕሞቑን ተረዲእና ብእምነት ክንዓቢ የድሊ። እምነት ብባህግን ተስፋን ጥራሕ ክነብር የብሉን ብሓቂ ንእምነትና ክነብሮ አሎና።  

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ጳውሎስ አብርቲዕና ንምድራውን ሰማያውን ምንባርና ክንሰርሕ የበራትዓና። ጽቡቕ ተግባር ፍረ ናይ እቲ ብህድአት ዝተዓየ ግብሪ እዩ። ጽቡቕ ግብሪ ነባርን ጽቡቕ ፍረን ዝህብ እዩ። ጽቡቕ ግብሪ ጥዑያት ክርስትያን ይገብረና፥ ጥዑይ ፍረ ክሳብ እንፈሪ ጸኒዕና ክነብር ይግብአና። ትህኪት ንሕልናና ንናብራና ንርክባትና ንኹሉ ይቐትል ነዚ አመልኪቱ ቅ. ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ “አባኻትኩም ሃካያት አብ ዘይሥርሖም ዚአትዉ ሓንቲ ሥራሕ ዘይብሎም ከም ዘለዉ ሰሚዕና አሎና” (2ተሰ 3፡11) እናበለ ትህኪት ንክርስትያን አይናቱን ምዃኑ ይገልጸልና።

ክርስትያን አብ ሓቅን ፍቕርን ጸኒዑ ዝነብር ንቅድስና ርእሱን ካልኦትን ቀዳምነት ሰሪዑ ዝነብር ክኸውን እንከሎ ሞት ይኹን ካልእ ጸገማት ክመጽኦ እንከሎ ሓንቲ ዘፍርሕ የብሉን። ካባን ዝድለ ዘሎ ከመሎና እምነትና ጸኒዑ ዘሎ እንታይ አሎ ዘሰክፈና ኢልና ክንርኢ እሞ ንምጽአት ጎይታ ነቒሕና ክንጸንዕ ስንድዋት ንኹን።

ሰንበት ዘቅድስት እምብአር አብ አምላኽ አሚና ንቃል አምላኽ ክፍሊ ሕይወትና ገርና ብግዙፍን ግዝያውን ነገራት ከይተጸሎና አብ አምላኽ ዝወስደና መገዲ ሒዝና ክንጉዓዝ ብዳግም ክነበራበር ዝሕግዘና እዩ። አብ ሓላፍን ግዝያውን ጥራሕ ልብና ከይገበርና ሓንቲ መዓልቲ ሕይወት ክትሓልፍ እያ አብ ቅድሚ አምላኽ ክትቀውም እያ እሞ እንታይ ስንቂ ሒዘ አሎኹ ኢልና ንርእስና ክንሓስብ ምቹእ ጊዜ ኢና ዘሎና።

ኦ አምላኽ ምስቶም እሙናትካ ኮይነ ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ክመርሕ ሓግዘኒ ንበሎ ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.