2016-11-24 20:21:00

ንእምነትካ ዘማዕብሉ እንተደኣ ኰይኖም ብዛዕባ እምነት ምሕታትን ምጥርጣርን ጽቡቅ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 23 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሃብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ንዘይተማህሩ ንምምሃር ሕይወቶም ዝሰውዑ ዘለዎም ኣድናቆት ብምግላጽ ኣብቲ ቅርዓት ዝተረኽቡ ኩሎም ብጣቅዒት ከመጒስዎም ምስ ሓተቱ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት ብጣቅዒት ዘንጐድጐደ እንክኾን ሽሕኳ ዓመት ኢዮቤል እንተተፈጸመ ነቲ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዝጀመርዎ ንናይ ምሕረት ስራሓት ዝምልከት ትምህርቶም ብምቅጻል ብዛዕባ ንዘይፈልጡ ምምሃርን ብእምነት ንዝጠራጠሩ ምምካርን ዝብላ ክልተ ናይ ምሕረት ስራሓት ሰፊሕ ትምህርቲ ኣቅሪቦም፣

እታ ብቋንቋ ጣልያን ንዘይተማህሩ እትብል ሓረግ ኢኞራንቲ ማለት ደናቊር ብትብል ቃል ስለዝጥቀሙላ ቅዱስነቶም ደናቊር ደንቈሮ ምባል ቁሩብ ክብድ ስለዝብል ንዘይፈልጡ ዘተማህሩ ምባል ምሓሸ ምስ በሉ ዘሎናዮ ምዕባሌን ናይ ኣንቢቦምን ጽሒፎምን ዘይክእሉን መሀይማንን ዕድል ትምህርቲ ናይ ዝተነፈጎም ብዙሓት ሕጻናትን መንእሰያትን ብምንጽጻር ከኣ ዓለምና ኣብዚ ዓውዲ እዚ ብዙሕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ዚኣክል እውን ከምዘይገበረ ኣመልኪቶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዚ ዓውዲ እዚ ቀዳምነት ሂባ ነቲ ብሃገርና ‘ዘይተማህረ ነይድሕን ዘይተውቅረ ነይጥሕን’ ዝብል ምስላ ብዝመሳሰል ኣዘራርባ ብዙሕ ከምዘበርከተት ኣዘኻኺሮም፣ ‘ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ኣብዚ ዘሎናዮ ዓዲ ኣብ ሮማ ቀዳማይ ቤተትምህርቲ ዝመስረተ ቅዱስ ዪስጢኖስ እዚ ከኣ ክርስትያን ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ዘለዎም ኣፍልጦ ንምስፋሕ እውን ነበረ፣ ነዙ ስራሕ እዚ ክሳብቲ ቅዱስ ዮሴፍ ካላዛንስዮ ኣብ ኤውሮጳ ቀዳማይ ነጻ ቤተትምህርቲ ዝኸፈተሉ እንክቅጽል ነዊሕ ዝርዝር ናይ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣስማት ክነቅርብ ንኽእል፣ ነዚ ኣብነት እዚ ብምስዓብ ክንደይ ክርስትያን ዓለማያን ኣሕዋት ኣሓት ገዳማውያንን ገዳማያትን ካህናትን ሕይወቶም ንምምሃር ካልኦት ዘየወፈዩ፣ እስኪ ነጣቃዓሎም` ብማለት ኩሎም ሕዝቢ ከምዘጣቅዑ ምስ ገበሩ ‘እስኪ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ንሕሰብ ኣብ ጐደናታት ዝናበሩ ንዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ቊምስናኡ ብምእካብ ዕድል ትምህርትን ጥበብን እንክምህር ብዙሓት ከኣ ኣሰሩ ብምስዓብ ክሳብ ሎሚ ከም ሓደ ናይ ስብከተወንጌል ኣገባብ ይጥቀሙሉ ኣለው’ እንክብሉ ነቶም ኩለንትናኦም ንዘይተማህረ ክምህሩ ዘወፈዩ ዘኪሮም፣ እዚ ዝኾነሉ ከኣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ስብከተወንጌላ ቅድምያ እትህቦ ንወዲሰብ ብሕልፊ ንድኻታት ክብሮም ንምምላስ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም፣

ዕድል ትምህርቲ ዘይምርካብ ክብረት ወዲሰብ ከምዝትንክፍ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ኣብዚ ዘመንና ብዙሓት መሃይምነት ዘየጥፍኡ ሕጻናት ብብዝሒ ምርኣይ ምጉዳል ፍትሓውነት ኢፍትሓውነት እዩ’ ምስ በሉ ‘ጽቡቅ ትምህርትን መዕበያን ኣእምሮኻ ስለዝኸፍትን ንክትመራመር ዕድል ስለዝህብን ንእታምኖስ ይኹን ካልእ ሓቅታት ንክተረጋግጽ ጠቃሚ ምጥርጣር ይፈጥረልካ፣ ብዛዕባ እምነትካ ምጥርጣር ንእግዚኣብሔር ብዝበለጸ ንምፍላጥን እምነትካ ንምዕማቊን ስለዝሕግዝ ኣዎንታዊ ጐድኒ እውን ኣለዎ፣ ስለዚ ንዝጠራጠሩ ምምካር ዝብል ናይ ምሕረት ስራሕ ነቲ ካብ ምጥርጣር ዝመጽእ ፍርሓትን ጭንቀትን ንምፍዃስ ዓቢ ግደ ኣለዎ፣ ምናዳ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ብዕምቈት ንምፍላጥ ንዝቃለሱ ስለዝሕግዝ እዩ፣

‘ሓደ ሰብ ኣባቴ! ብዛዕባ እምነት ብዙሕ ዝጠራጠሮ ነገራት ኣሎኒ! እንታ እግበር! ንስኹምከ ብዛዕባ እምነት ተጠራጢርኩምዶ ትፈልጡ! ዝብል ሕቶ እንተዘቅረበለይ ኢለ እሓስብ፣ ብዙሕ ኣሎኒ ምበልክዎ! ንኩልና ሓንሳእ ሓንሳእ ናይ ምጥርጣር ግዜ ይመጸና እዩ፣ ምጥርጣር ኣዎንታዊ ክፍሊ እምነት ኸውን ይኽእል እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ብዝበለጸ ንምፍላጥ ዝጽዕሩ ከምኡ እውን ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣባና ዘሎዎ ፍቅርን ተልእኮኡን ብዝበለጸ ንምርዳእ ይሕግዝ፣ ብካልእ ኣዘራርባ ከምተዓብን ከምትበስልን ዝገብሩ ምጥርጣራት ጽቡቅ ጐኒ ኣለዎም፣ ዕሙቊ ብዝበለ መንገዲ እምነትና ክንፈልጥ እንተደሊና ሕቶታት ክነቅርብ ግድን እዩ፣ ኰይኑ ግን ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ፣ ንምጥራጣር ክነውግደሎም ዝሕግዙና ክልተ መንገድታት ኣለዎ፣ ቀዳማይ ነቲ ዝግበረልና ናይ ሰናይ ዜና ድሕነት ትምህርተ ክርስቶስ ብግቡእ ክንከታተሎ ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ነቲ እምነትና ብተግባር ንጽጉማት ብምሕጋዝ ክነብሮ ከሎና እዩ፣ ከምዚ ምስ እንገብር ብዙሓት ምጥርጣራት ካብ ልብናን ሓንጐልናን ይጠፍኡ ከመይ ነቲ ሓቅታት ወንጌል ብጭቡጥ መንገዲ ንርድኦምን ንነብሮምን ስለዘሎና፣ ቀንዲ ከኣ ነቲ እግዚኣብሔር ዘቅረበልና ፍቅሪ ብፍቅሪ ክንመልሰሉ ከሎና እዩ፣ ኮይኑ ግን ናይ እግዚኣብሔር ፍቅር ኩሉ ግዜ ንቅድሚት ምስ ገስገሰ እዩ፣ ማርሻ እንድየትሮ ወይ ንድሕሪት ዝመልስ መንገዲ የብሉን፣ ወትሩ ንቅድሚ እዩ፣ ፍቅሩ ንዘለዓለመ ዓለም እዩ፣ እዚ ከኣ ሓላፍነት የሸክመና፣ ነዚ ፍቅሪዚ ንብጾትና ናይ ምሕረት ስራሓት እናገበርና ምስክርነትና ክንህብ ትሑዛት ኢና’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.