2016-11-24 16:05:00

ሲኖዶስ፥ መንእሰያትን እምነትን ጸዋዕታዊ ልልያን


ካብ ዕለት 21 ሕዳር ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2016 ዓ.ም. እቲ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት መደበይና ቤት ምኽሪ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመርሐ ናይ መበል 14 መደበይና ኣኼብኡ ካልኣይ ክፍለ ጉባኤ ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣኼባ ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ብዝሃብዎ ጸብጻብን ነቶም ናይዚ ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ሓደስቲ ኣባላት ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ንዝተመዙ ሓደስቲ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻን ብፁዕ ካርዲናል ካርሎስ ኦሶሮ ሴራን ብፍሉይ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ ኣብቲ ዝተካየደ ኣኼባ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ኣርእስቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም ናይ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ብትኽክል ድማ ናይ መናንያን ውፉያን ማሕብራትን ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕብራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንት ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ናይ ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል እውን ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ነቲ ንመበል 15 ስሩዕ ኣኼባ ናይ መዛተዪ ሰነድ ንምድላው ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ መኺሩን ብዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ናይ ሲኖዶስ ተሓባበርቲ ሊቃውንቲ ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ፍልጠት መጽናዕቲ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዘካየዱ ሊቃውንትን ክኢላታትን ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ እውን ከምዝመኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዚናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ ቀጻሊ ናይ ሲኖዶስ ናይ መመያየጢ ሰነድ ምድላዋት ዝግበር ዘሎ ከይዲ ዝድነቕ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ምድላዋት ብሉጽ ክኸውን ድማ ከምእተተስፈወን፡ እቲ ናይቲ ጉባኤ ሰነድ ናብ መላእ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ናይ ምስራቕ ሕገ ቅኖና ሰዓብቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶሳትን ካልኦት በዓል ምሉእ መሰል ማሕበራትን ዝመሓላለፍ ናይ መሕትት ሰነድ ዘጠቓለለ ኰይኑ እዚ ሰነድ እውን ካብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ናብ ቤተ ክርስቲያን ትቛማትን ቀጺሉ ዝመሓላለፍ ከምዝኸውን የመልክት።

እቲ መበል 14 እኼባ ተጋባኣያን ነቲ ናይ መጠይቕ ሰነድ ንምስንዳው በቢ ኣመጻጽኣ ክፍለ ዓለም ተመዳዲቦም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ኣኼባ ከምዘካየዱን እዚ ድማ ናይ ዝተፈለየ ክፍለ ዓለም ኣብ ጉዳይ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጽዋዕታን ፍልይ ዘብሎ እንታይነት ክህሉ ዝኽእል ምዃኑ ግምት ብምሃብ ዝተኻየደ ኰይኑ እቲ ብነኣሽቱ ጉጅለ ተሰንዩ ዝተኻይደ ምይይጥ ዘቕረቦ ሰነድ እቲ ምሉእ ኣኼባ መርሚሩ ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ይሳዃዕ እንክብል ብምሉእ ድምጺ ከምዘጽደቖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣማእኪሎም እውን ናይ ምንጽጻር ልውውጥ ሓሳብ ከምዘካየዱን ብዛዕባ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቅዋም ኣሞርኵይዞም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ብናይ ሕገ ቀኖና ስርዓት ላቲንን ስርዓት ምስራቕን ናይ ሲኖዶስ ሕግታትን ሊቃውንቲ ተሰንዮም ዘካይድዎ መጽናዕቲ ኣደጊፎም ዓሚዩቕ ጸጻብ ምስ ኣቕረቡ ተጋባእያ ቀጺሎም ኣዕጋብን ፍርያማን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዘካየዱ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ ኣብ መዕጸዊ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣባላትን ተጋባእያንን ኣመስጊኖምን ኣብ ዝካየዱ ጉባኤታት ዝንበር መንፈስ ሕውነት ንኡድ ከምዝሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.