2016-11-17 16:07:00

ናይ ኣሶር አቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቅ ቀዳማዊ ቅድስነቶም ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ካብ ዕለት 16 ሕዳር ክሳብ ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ኣሶር ኣቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቅ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ሮማ ከምዝኣተዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 14 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣንቢቡ ከምዝነበረ እንክዝከር እነሆ ድማ ቅዱስነቶም ዕለት 17 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ቅዱስነቶም ፍትዋት ኣሓዋተይ ብኽርስቶስ

ኣብቲ ቅዱስ ዓጽም ዘቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነብረሉ ስፍራ ምሳኻትኩም ምርኻበይ ጸጋ እዩ። ብፍሱህ ልበይ ድማ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም እብል ኣብዚ ርክብና ቅድም ቢልኩም ነዘስማዕከምዎ ዘረባ ስለ ክቡራት ቃላትንኩም እመስግን። ብኣኹም ኣቢለ ብጐይታ ንኹሎም ብፁዓን ጳጳሳኩምን ካህናትኩምን መእመናን ናይ ኣሶራዊት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘምስራቕ ሰላምታይ እንከመሓላልፍ ባህ ይብለኒ። “ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም” (ሮሜ. 1,7) እብል።

እዚ ርክብ’ዚን ከምኡ ድማ እቲ ሎሚ ብሓባር እነዕርጎ ጸሎት ሰላም ዝምሕጸን እዩ። እቲ ብቐጻልነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ዘሎ ኩነት እዚዩ ዘተሓሳስበና እዩ። … እቲ ናይ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ሕጻናት ደቂንስትዮን ኣረጋውያንን ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ዓመጽ ዘህልው መንቀሊ ርትዓዊ ዘብሎ ነገር ክህልው ኣይክእልን። ኣቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክርስቲያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እውን ካልኦት ንኡሳን ሃይማኖታትን ዓሌታትን ስቓይን መከራን ዕለታዊ ናብራኦም ምህላዉ ዘሕዝን እዩ።

ኣብ መንጐ እቲ ወትሩ መዕለቢ ክርከበሉን ከብቕዕን ናይ ጸሎተይ ሓሳብ ዝዀነ እቲ ዅሉ ዓይነት ስቓይ ዕለት ብዕለት ናይ ኢየሱስ ኣሰር ዝኽተሉ ኣብቲ ብመስቀሉ ኣቢሉ “ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም” (ኤፈ. 2,16) ኣብዚ መስቀል’ዚ ኣብኡ ሓቢሮም ኣብ ፍኖተ መስቀል ዝርከቡ እያቶም። እዚኣቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ኣብ ጐይታ ንኽንነብርን መስቀል ሓንጐፋይ ቢልና ክንሓቁፍን ኣብ ፍቕሪ ክንኣምንን ዝምዕዱ ኣብነት ሕይወት እያቶም። ናይ እምነትና ማእከል ወትሩ ኣብ ጽንኵርን ዘጋጥሞ ተጻቡኣዊ ኩነትን ኣብ ህላዌ ኢየሱስ ምዃኑ ዘመልክቱናን እቲ ናቱ ዝዀነ ናይ ፍቕርን ዕርቅን ምሕረትን መልእኽቲ ኣብ ምንበር ከይስልከይ ኣብነት እያቶም። እዚ ካብ ሰማዕታትን ሎሚ እውን ስለ እምነት ሕይወቶም ዝኸፍሉ ኣብ ጐይታ እሙናት ዝዀኑን ምሳኡን ኣባኡን ኰይኖም ነቲ እኵይ መንፈስ ብሰናይ ዝስዕሩ ኣለዉ (ሮሜ. 12,21)፡ እቲ ጽልእ ብስዕበት መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክስነፍ ኣብዚ ጎዳና’ዚ ንኽንርከብ ንዝድርኹና ኣሕዋትና ነመስግን። ከምቲ ስለ ፍቕሪ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ክትውለድ ገይሩ ዘተዓረቐን ዘወሃደን። ከምኡ ድማ ደም ሰማዕታት ናይ ሓድነት ክርስቲያን ዘርኢ እዩ። እዚ ደምዚ ብፍቕሪ ስለ ሱታፌ ክንስዋዕ ይጽውዓና፡ ስለ እቲ ናትኩም ክቡር ዋጋ ዘለዎን ፍትውን ምብጻሕ ዝምስክሮ ዘሎ እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነታዊ ምትእስሳር ምኽንያት ንእግዚኣብሔር አመስግን። ብዙሓት ዓቢይ ትርጉም ዘለዎም ናይ ሓባር ተበጽሖታት ንምዕታር ተበቒዑ እዩ። ኣብ ሮማ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ስነ ክርቶሳዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝተበጽሔ ፍርርም ምስ ዘካየዱ ቅድሜኹም ምስ ዝነበሩ ፍቑር ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንክራኸቦም ዕድል ዝረኸብኩ እየ፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምስጢረ ትስብእቱ ዘሎና ናይ ሓባር እምነት ብሓባር እኣምን ንምባል ዘብቅዓና እዩ። እዚ ተበጽሖ’ዚ ድማ ኣብ መንጐና ንሓድነት ተኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣነቓቒሑ እዩ። እዚ ጉዕዞ’ዚ ብውዕዉዕን ዓቢይ ድላይን ክስጉም ምንዮተይ እዩ። ስለዚህ እዚ ጉዞዕዞ ፍርያማ ኰይኑ ንቕድሚት ክስጉም ድማ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕርኩት ጻዕሪ ኣብ መጻኢ ኣብ ምሉእ ኣሃድነት ክበጻሕ መታን ውሑስ  ምዃኑ ከረጋግጽ እፈትው። ስለዚህ እቲ ናይ ሓባር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣሶራዊት ዘምስራቅ ቤተ ክርስትያንን ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ናብቲ ሃረር እንብሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ኣሃድነት ጭቡጥ ምልክት ዝዀነ ናይ ጐይታ መስዋዕቲ ኣብ ዝዓርገሉ መንበረ ታቦት ብሓባር እንሳተፈሉ ኣሃድነት ክረጋገጽ ክድግፈና ውዕዉዕ ለበዋይ አቕርብ።

እቲ ብነፍሲ ወከፍና እንቕርቦ ስብክተ ወንጌልን ምስክርነት ኣብ መንጐና ሕድ ሕዳዊ ተቐባልነት ብምሃብ እነገብሮ ዘሎና ጉዕዞ ወንጌል ብሓባር ንኸነስፍሕ ዕድል እዩ። ቅርበትና መቧዅዕቲ ኣሃድነት ይኹን፡ ፍቕሪ ኣሃድነት መታን ክሕብረና ኣብ ዝዀነ ይኹን ስፍራ ኣብ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ክንሓብር ዝተጸዋዕና ኢና። ብምስጢረ ጥምቀት ኣቢልና እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ጭቡጥ ሱታፌ ከምዝተዓደለና ካቶሊካውያንን ኣሶራውያንን “… ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና” (1ቆሮ. 12,13)፡ ከፍሊ ኣካል ናይቲ እንኰ ኣካለ ክርስቶስ ኢና። ኣብኡ ድማ ኣሕዋት ኢና። በዚ ርግጸይናነት’ዚ ብናይ ሓባር ምትእምማን እናተጓዓዝና ብጸሎትን ብፍላይ ድማ እቲ “ሓደ ዝገብረና ፍጽሙ ፍቕሪ” (ቆሎሴ 3,14) ኣብ ዝዀነ ናይ ጐይታ መንበርረ ታቦት ዝግለጽ ፍቕሪ እናበርታዕና ንኣውጆ። ንሱ እቲ ኣብ መንጐና ዝተፈጥረ ምግምማዕ ይጸግን ዝተፈጥረ ምብትታኽን ይፈውስ፡ እቲ መለኰታዊ ፈውሲ ዝዀነ ጐይታ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣቝሳልና ብቅብኣተ ዘይቱ ኣቢሉ ምሕረቱ ክንጽገው ብቑዓት ኰይንና ንኽንርከብ ደግፈና ካብ ምባል ኣይንሰልክይ።

እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ሱታፌ ኣናስር ዘለዎ ስብከተ ወንጌል ዝዀነ ናይ ሓባር ተልእዀና ዳግም ኣቃልቦ ምሃቦ ክሕሸና እዩ። እቲ ኣብ ሮማን መሶጶጣሚያ ጥንታውያን ናይ ስልጣኔ ፈለምቲ ናብ ዝዀና መሬት ብግብረ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝበጽሔ ናይ እምነት ጉንዲ ዝዕንብብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝህብ እዩ። እቶም ናይቲ እዋን ዝነበሩ ቅዱሳትን ሰማዕታትን ኵሎም ናይታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዜጋታት ዝዀኑ ዓበይቲ ልኡካነ ወንጌል ገዛእ ርእስና ከነርህውን ብሓባር ፍርያማ ሱታፌን ናይ ምስክርነት መገዲ ከነለልይ ይምዕዱናን የሰንዩናን።

ክቡር ሓው ቅዱስነትኩም ኣብዚ ብሓባር ክንጽልይን ንሓድ ሕድና ክንጸላለይ ናይ ጐይታ ሓለዋን ክንክንን ክንምሕጸንን መሓሪ ፍቓዱ ኣባና ብምሉእ ተሰማዕነት ረኺቢ ብሕውነት መንፈስ ንመስክሮ ዝብል ምብጻሕ መደብ መሰረት ኣብዚ ምርኻብኩም ብሀሴትን ብፈታውነትን መንፈስ ምስጋናይ አቕርብ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣሶሪያዊት ዘምስራቅ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ናይታ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣናስር ዘለዋ ኣብ መላእ ዓለም 500 ሺሕ ምእመናን እትሓቁፍን ካብቲ ጥንታዊ ናይ ሮማ ግዝኣት ወጻኢ ናብ ወገን ምስራቕ ኣብ መሶጶጣሚያን ጥንታዊት ባቢሎንን ዝሰፍሔት ኰይና ብዙሕ ምእመናን ኣብ ሃገረ ኢራቕ ዝለውዋ ክትኸውን እንከላ ኣብ ሕንድን ሊባኖን ሶሪያን ኢራን ቻይናን ጆርጂያን ነው ዘላንድ ሞስኮን እውን ምእመናን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን እንከላ ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ስደትን መከራን እቲ ዝበዝሔ ምእመን’ታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ምዕራብ ሃገራት ከምእተሰደን ይስደድ እውን ምህላዉን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣውስትራሊያን ሰበኻታት ከምዘለዋን ድሕሪ ምምራጽ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ እቲ ካብ 1940 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ቺካጐ መንበሩ ገይሩ ዝጸንሔ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናብ ኤርቢል መንበረ ፓትሪያርክ ከምእተመልሰን ድማ ገሊጹ ከምተን ኩለን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሎሚ ኣውን እዛ ኣሶርያዊት ዘምስራቅ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ብድሆታ ኣብ ቅድሚኣ ከምዘሎ የመልክት።

ርክብ ኣሶሪያዊት ዘምስራቅ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ቅዱስነቶም ማር ዲንክሓ ራብዓይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1978 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብውግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳፉን ደሓር እውን ኣብ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 ሰነ 2007 ዓ.ም.ን ደሓር ድማ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብውግዒ ንምጅማር ኣብ ዝዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ዘዘኻኸረ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራዓይን እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘምስራቕን ንሓድነት ኣሚቱ ብዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መሰረት ዛዕባ ስነ ክርስቶሳዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ሰነድ ዕለት 11 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ከምእተፈረመን ብምቕጻል እውን እቲ ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት ዛዕባ ቅዱሳት ምስጢራን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዋምን ኣብ ዝምልከቱ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዝመደቡ ጉባኤታት ዘካየደ ከምዝዀነ ይጠቅስ።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ኣብ ሮማ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዳግም ተነቓቒሑ ከምዝቐጸለን ድሓር ድማ በቲ ጽንኩር ኩነት ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ ድማ ጉድለት ጥዕና ፓትሪያርክ ማር ዲንክሓ ራብዓይ ምኽንያትን ዕለት 26 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ምዕራፎም ምኽንያት እቲ ናይ ሓባር ርክብ ተቛሪጹ ዝነበረ እውን እንተዀነ ናይታ ናይ ኣሲሪያዊት ዘምስራቕ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ንኽዀኑ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ምስ ሓረየን እቲ ሲኖዶስን ፓትሪያርክ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን እቲ ናይ ክልቲኣተን ናይ ሓባር ዘተ ክብገስ ድላይ ከምዘለዎም ዝገለጹ ክዀኑ እንከለዉ ቅዱስነቶም ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይ  ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 17 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ክራኸቡን ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ነቲ ጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ክበጽሑ እውን መደብ ከምዘለዎም ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.