2016-11-15 16:13:00

ካሪታስ ኢጣሊያ፥ ኤውሮጳዊ ብድሆ


ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፖለቲካ ብፍላይ ድማ ካብቲ ጸኣት ስደነተይናታትን ዝተነጸሉን ድኻታትን ብምብጋስ ኣብ መንጐ ሕብረት ኤውሮጳን ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳን ዝረአይ ዘይምርድዳእን ዝኣመሰሉን ድኽነት ምውጋድን ናይ ማሕበራዊ ፖለቲካን ናይ ዝተነጸሉን ስደተይናታን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ድብሆታት ኤውሮጳ ዝዝትይ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈ ኢጣሊያ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 14 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከማተ ዝጀመረ ምዃኑ ልኡኽ ካዜጠይና ፍራንቸስኮ ግናኚ ሓቢሮም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ማሕበራዊ ፖሊቲካን፥ ንማሕብራዊ ክንክን ዝምልከት ናይ ኤኮኖሚ ፖሊቲካ ብዕምቆት ዝመያየጥ ኰይኑ ትጽቢታትን ተስፋታትን ዘለልይ ከምዝዀነ ልኡኽ ጋዜጠይና ግናኚ እንከመክቱ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ማሕበር ካሪታስ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራንቸስኮ ሶዱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቶም ትጽቢታት እንብሎም ይብሉ ብሓባር ዝድለዩን ዝልለዩን ክዀኑ እንከለዉ ናይ ኩሉ ትጽቢታት ዝውክሉ እዮም እዚ ድማ እቶም ክልለዩ ዝግብኦም ትጽቢታት ብውሑዳት ተለልዮም ንኽላኦት ምምሃሮም ዘይኰነስ ብሓባር ካብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ተቛማት ዝቐርቡ ሕቶታት ብውልቅን ብማሕበርን ብምምእካል ብምዝታይ ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ኣበርክቶ ክህልዎ ይግባእ። ነቲ ኤውሮጳ ኤውሮጳ ዘበላን ዘብላ ዘሎን ባህላውን ታሪኻዊ ብሩህ ከይድታት ብምስትውዓል እቲ እትስዕቦ ዘላ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መደባት ሓናጺ ነቐፌታ ብምቕራብ ናብቲ ክብጻሕ ዝግብኣ ሸቶ ምስናይን ማሕበረ ክርስቲያን ቅዱስ መጽሓፍን ክርስቲያናዊ ባህልን ዘንጸባርቖ ክቡራት ዋጋታት ኣቢልካ ምትሕብባርን ምክብባርን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ክረጋገጽ ክጽዕር ይግብኦ። ስለዚህ እዚ ዓይነት ከይዲ’ዚ ድማ ነቲ እዋናዊ ጸኣት ስደተይናታን ተነጽሎን ድኽነትን ካልኦት ተተሓሒዞም ዝምጹ ብድሆታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝድግፍ እዩ ኢሎም።

ሰብኣውን ነቲ ካልእን ካባኻ ብባህልን ብሃይማኖትን ቋንቋን ዓሌትን ዘህልዎ ፍርሓት ኣክንዲ ንምፍዋስ ነዚ ፍርሒ’ዚ መሰረት ገይሮም ዝቖሙ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ኤውሮጳ ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትዕጽው ይድርኽ ኣሎ። ገዛእ ርእስኻ ምዕጻው ማእዝኑ ዝሰሓተ ብሔራውነትን ኤውሮጳውነትን እዩ ዝፈጥር፡ እዚ ኽኣ ኣብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ እንታይ ከምዝፈጠረ ዝፍልጥን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብትምህርቲ ዝመሓላለፍ ጭቡጥ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።

ታሪኻዊ ጌጋ ከይፍጸም ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃማኖታትን ብሓባር ቆይመን ብምዝታይ ኩሉ ሽግርን ጸገምን ብዘተን ምትሕብባርን ክፍታሕ ከምዘለዎ ይምህራ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፈላላይ መንደቕ ዘይኰነስ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ደጋጊሞም ይምዕዱ እዚ እዩ ተስፋ። ዕለት ብዕለት ናይ ምርኻብን ሰላምን ባህሊ ንምሕናጽ ዝድግፍ መገዲ ይሕብሩና ኣለዉ፡ ሰብኣውን ናይ ሓባር ረቛሒ እዩ። ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህልን ፖለቲካን ኤኮኖምን ምሕናጽ ንኹሉ ሽግር ንምፍታሕ እንኰ መገዲ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠናቒቖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.