2016-11-12 16:34:00

በርጎሊዮ ካብ 1999 ክሳብ 2013 ዓ.ም. “ቃለይ ኣብ የዕይንትኻ እዩ”


ናይቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር በቢ ክልተ ሰሙን ዝሕተም ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ብዋናነት ዝመርሕዎ በርጎሊዮ ካብ 1999 ክሳብ 2013 ዓ.ም. ቃለይ ኣብ የዕይንትኻ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ናይ ኣርጀቲና ርእሰ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ ኣዋን ስብከታቶምን ኣስተምህሮታቶምን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳርኽ ዘቕርብዎም ዝነበሩ መደረታት ዘጠቃለለ ብቤት ማሕተም ሪዞሊ ዝተሓትመ መጽሓፍ ዕለት 10 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ቤት ጠቕላሊ ሓለቓን ቤት ሓዋርያዊ ምሕደራ ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ገሊጾም።

   

“ኣብ መንጐ ሰባኽን ሕዝብን ወረቐት ክህሉ የብሉን። ዝሰብኽ ዘንብብ እንተድኣ ኰይኑ ናይ ሰማዒ የዕይንቲ ዘይርእ ብምዃኑ ኣብ መንጐ ሰባኽን ሰማዕን ተራኻብነት ከይህሉ ይድርኽ፡ እዚ ድማ ዘይምርኻብ ዝፈጥር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባ ስፓዳሮ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብታ ንንባ ዝበቕዔት መጽሓፍ መእተዊ ጽሑፍ ዝተነብረ ቅዉም ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚህ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሕዝቢ ቀጥታዊ ርክብ ክልወካ ይግባእ ዝብልን እዚ ዓይነት ርክብ ዝኣምንሉን ዝነብርዎን ሓሳብ ምዃኑ ኣብታ መጽሓፍ ተተንቲኑ ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ይብሉ ከስምዖ ዘቕርቦ ጽሕፉ እና መንጐኹ ካብቲ ጽሑፍ ወጻኢ ብቐጥታ ንሰማዒ እናጠመትኩ ዘስምዖ ሓሳብ ይበዝሕ። እዚ ድማ ምስቲ ሰማዒ ዘረኽበኒ ድልድል ንምፍጣር እዩ። መሠረት ናይ ዘሰነናድውዎ ስብከት ቅድም ቀዳድም ቃል ኣምላኽ እዩ። ስለዚህ ኣቐዲሞም ነቲ ዝተዳለወ ከም ባሕረ ሓሳብ ዓውደ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ የንብብዎን የስተንትንሉን ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘ ሎዮላ ዝብሎ ኣብቲ ዘነብክዎ ሓሳብ ይድቅስ ምስ ተንሳእኩ ከሳትን ተምሳጣዊ ሃሳብ ይመጻኒ። ስለዚህ ብዘይ ጽሕፉ ስብከት ምቕራብ ወይ ድማ መደረ ምስማዕ ዘይምድላይ ማለት ከምዘይኰነ ሓቢሮም፡ ቀጺሎም ዘንብብዎ መጽሓፍ ናይ ዶስቶቭስክይ እዩ፡ ድርሰታትን ናይ ስነ ግጥሚ ድረሰታት የንብቡ እዚ ድማ ንእተቕርቦ ስብከት ድዩ እትገብሮ ኣስተንትኖ ደጋፊ ሜላ ይኸውን። ስብከት ቃል ብስራት እዩ። ስለዚህ ካብ ኣብ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ጉባኤን ዝቐርብ ዘረባ ፍልይ ዝበለ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መደረታት ሊቕ ኰይንካ ምቕራብን ሊቕነትካ ምምስካር እዩ፡ ስክበት ከምኡ ኣይኰነን።

ካልእ ኣብቲ መጽሓፍ እውን ብዙሕ ጊዜ ዝብልዎ ምስጢረ ንስሓ ቤት ሕጽቦ ወይ ከኣ ቤት መግረፍቲ ኣይኰነን። ካብ ሕዝቢ ኣዚኻ ምስ እትርሕቕ ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ሕሳቤታት ዑቕባ ናይ ምግባር ምርጫ ክብ ተብል። ስለዚህ ብርግጽ ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ሓሳብ ዑቕባ ምግባር ኣድላዪ እዩ ኣድላዪ ድማ ኣይኰነን። ስለዚህ ቲዮሎጊያ መጋበርያ እዩ። ቲዮሎጊያ ንበይኑ ባዶን ረቂቕ ሓሳብ እዩ። እውነተይና ፍቕሪ ንቑጽ ኣልቦ ሕይወት ስርዓትን ሕግን ዝኽተል ማለት ኣይኰነን ዝብልዎ ሓሳብ ኣብ መእተዊ ጽሑፍ ተተንቲኑ ከምዘሎ ኣባ ስፓዳሮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብወገኖም ህላዌ በርጎሊዮ ኣብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ክሳብ ክደይ ተጽእኖ ኣለዎ። ህላዌ ሚዛኑ ክሳብ ክንደይ እዩ? ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፥ እንታይነት ቦርጎሊዮ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣሎ። ስለምንታይ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘማዕብልዎ ዘለዉን ዘቕርብዎ ዘለዉን ሓሳብ ኣብቲ ሊቀ ጳጳሳዊ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ኣገግሎቶም ዝንጸባረቕ ዝነበረ ሓሳብን ራእይን እዩ። ሎሚ እቲ ዝነበሮም ራእይን ሓሳብ ብትኽኽል ስሩዕን ከከም ኣርእስትታቱ ብኣንደበተ ርቱዕነት መላግቦ ለበስ ኰይኑ ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኣሳዅዑ ዝቐርብ እዩ። ስለዚህ ብርግጽ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህላዌ ሊቀ ጳጳሳት በርጎሊዮን ዓቢይ እዩ። ምህላው ድማ ኵላዊነት ባህርይ ዝለበሰ እዩ ከምዝሉ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም ኣባ ስፓዳሮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ጊዜ ዘስምዕዎን ዘቕርብዎን ዘረባ ብጽሑፍ ከቕርብዎ ይጅምሩ እሞ ደሓር ነቲ ብጹሑ ዘሰናደውዎ መደረ ወይ ድማ ስብከት ኣና መንገዉ ድዩ ወይ ከኣ ብጥቐላላ ኣርሒቖም ብነጻ ልሳን ዘረባኦምን ወይ ከኣ ስብከቶም የስምዑ። ስለዚህ እዚ ልሙድን ብዙሕ እዋን ዝረአይ ምዃኑ ጠቒሶም” ከም መዘኻኸሪ ሓሳቦም ዘንብርሉ ናይ መዘኻኸሩ ጽሑፍ ጥቕስታት ድዩ ቀንዲ ዝዀኑ ብንባብ መልክዕ ክድመጹ ዝግብኦም ኣገደስቲ ሓሳባት ዘንብርሉ ኣለዎም። ካብዚ ወጻኢ ንሰማዒ ዓይኑ ዓይኑ እናረአዩ እዮም ዘረባኦም ድዩ ኣስተምህሮኦምን ስብከታቶምን ዘቕርቡ። ቀጥታዊ ርክብ ምስ ዝህልወካ ሓሳብካ ናይ ምብጻሕ ሸቶ ይሃርም። ኣብ ዝብልዎን ዘስምዕዎን ቃለ ምዕዳን ኣስተምህሮን ስብከትን ዘረባን እቲ ኣብ ልቦም ዝተወልደ ሓሳብ እዮም ዘብጽሑ። ስለዚህ ብልቢ ዝዛረቡ እዮም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.