2016-11-10 16:10:00

ቃል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ተጋባእያን


ብፁዓን ካርዲናላትን

ክቡራት ኣሕዋት ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን

ዝተኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

“ኣሃድነት ክርስቲያን፡ ኣየናይ ኣብነት ንምሉእ ኣሃድነት” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ናይ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉዕ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ንእትሳተፉ ቃለ ምዕዳን ከስምዕ እንከለኹ ብሓቂ ደስታ ይስምዓኒ። ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣቐዲሞም ብስም ኩሎም ተጋባእያን ንዘስምዑኒ ዘረባ አመስግን። ኣብዚ እነነብሮ ዘሎና 2016 ዓ.ም. ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘማእከሉ ኣብ ሮማን ወጻእን ዘካይድክዎም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ብቐዳምነት ክነብሮ ዕድል ፈጢሩለይ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርካብት ድማ ብቐረባ እቲ ዘሎ ህያውን ብርቱዕን ድላይ ኣሃድነት ከስተውዕል ብምብቃዔይ ብሓቒ ይጸናናዕ። በቲ ከም ናይ ሮማ ጳጳስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ጐይታ ዝሃበኒ ሓላፍነታዊ ሕድሪ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ምርግጋጽ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ጻዕረይ እዩ።  እዚ ድላይ’ዚ ድማ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ኵሉ ተኻፋልነት ዘለዎ ክኸውን እምሕጸን።

ናይ ክርስቲያን ሓደነት ናይ እምነትና ሕጹጽ ኣገዳነት እዩ። እዚ ናይ ሓድነተ ሕጹጽ ኣገዳስነት ካብቲ ኣመንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃንና ዝምንጭ እዩ። ሓድነት ክንምሕጸን ንኢየሱስ ኢና እንጽውዕ። ኣሃድነት ክንነብር ንደሊ ስለምታይ ክርስቶስ ክንስዕብን ፍቕሩ ክንነብርን ስለ እንደልይን እቲ ናይቲ መለኰታዊ ፍቕሪ እንታይነት ዝዀነ ንሱ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ኣሃድነት ምዃን ምስጢር ከነስተማቕር ስለ እንደልይ እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብቲ ዮሓ. 17. 21,23,26 “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ክፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።” ዝብል ኣብ ናይ ሓድነት ጸሎቱ ከምእንሓብር ይገብረና። ናይ ኢየሱስ ክህነታዊ ጸሎት እቲ ኣንሕና ሃንቀው ኣንብሎ ኣብቲ ካብ ኣቦ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝተጸገወና ሓሳብን ጠመቕ ትምህርትን ዝሰርዕ ሓድነት ኣብ ፍቕሪ ዝብል እዩ። ኣብ ምርዳእ ወንጌል ስምምዕ ምግባር ንበይኑ ኣዅል ኣይኰነን ተተሓሒዙ ኣንሕና ኣመንቲ ኣብ ክርስቶስ ንኽርስቶስን ዝሓበርና ምዃና ምእማን የድሊ። ብውልቅን ብማሕበር እማኔና እቲ ደረጃ ብደረጃ ንኣኡ ምምሳል እዩ (ሮሜ. 8,28)፡ ኣብ መንጐና ሱታፌ ከነዕብይ ዘብቅዓና ምንባርና ወትሩ እናዛየደ ኣብኡን ብኣኡን ክኸውን (ገላ. 2,20) እንከሎ እዩ። እዚ ድማ ናይቲ እተካይድዎ ዓውደ ጉባኤን ዝዀነ ይኹን ካልእ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ዘሎ ፍልልይ ክጸብብ ዝገበር መንፈስ እዩ።

ነዚ ግምት ብምሃብ ነቶም ናብ ሓድነት ዘየሰንዩ ምስ ናይ ሓድነት መሰረታዊ ትርጉሙ ተጋራጫውነት ዘለዎም ቅኑዕ ዘይኰኑ ናይ ሱታፌ ኣብነታት ምቅላዕ ይከኣል።

ቅድም ቀዳድም ኣሃድነት ፍረ ናይ ሰብኣዊ ጻዕርታትናን ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ዘይኰነስ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ጸጋ እዩ። ኣንሕና ደቂ ሰባት ንበይንና ሓድነት ምግባር ዘይከኣለና እዩ። ግዚኡን ቅርጺ ዓይነታቱን ክንውስን እውን ኣኽእሎቱ የብልናን። ከምእዚ እንተዳእ ኰይኑ ግዴና ደኣ እንታይ እዩ? ሓድነት ናይ ክርስቲያን ንምንቕቓሕ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና? ሓላፍነትና ነቲ ጸጋ ዝዀነ ሓድነት ሓንጎፋይ ቢልና ብምቕባል ንዅሉ ምምስካር እዩ። በዚ ርእየት’ዚ ድማ ኣሃድነት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይቶም ኣብ ሓድነት ዝዋስኡ መለለዪ ዝዕቀበሉን ናይ ገዛእ ርእሱ ህርመትን ደረጃን ቀስታቱን ፍጥነታቱን ዝዕረፈሉን ናይ ገዛእ ርእሱ ጊዜ  ዘለዎ ጉዕዞ እዩ። ስለዚህ ጉዕዞ ካብ ኰነ ድማ ናይ ትጽቢት ትዕግስትን ጽንዓት ድኻምን ጻዕርን ይሓትት፡ ዘይምርድዳእ ኣየወግድን ምስሕሓብ ኣየወግድን እባ ደኣ ገለ ገለ እዋን ንዝገደደ ዘይምርድዳእ ዝድርኽ ሓደጋ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ስለዚህ ኣሃድነት በቲ ናብቲ ሸቶ ዝዀነ ገና ኣዚዩ ርሑቕ ዝመስል ናብ ኣሓድነት ጉዕዞ ዝስጉም ጥራሕ እዩ ዝእንገድ። … ዋላ ዘይተበጽሔን ርሑቕ ዘሎ ሸቶ እውን ይኹን ናብዚ ሸቶ ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ላዕን ታሕትን እውን ይሃሉ ኩለንተናኡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ዘንብር ሕጉስ እዩ። እቲ ጉዕዞ ብሓጎስ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ደላይ እዩ። ሓጢኣተይናታት ካብ ምዃንና ናይ ሓባር ተመክሮናን ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ እቲ ሓጢኣትና ናይቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ኢተኣላው መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ደለይቲ  ካብ ምዃንና ንላዕሊ ዘሕብረና ካልእ እንታይ ኣሎ? ምዕሩይ ናይ ፍቕሪ ሓድነት ድሮ እቶም ሓደ ሕዝቢ ንኽዀኑ እግዚኣብሔር ዝሓረዮም ብሓባር እቲ ዝገበረሎም ዘነድንቕ ዘበለ ኩሉ ዝነግሩ ብፍላይ ድማ ናይ ግብረ ሰናይን ግብረ ፍቕርን ዝዓሰሎ ናይ ምሉእ ሕይወት ምስክርነት ብምቕራብ ብጭቡጥነት ይንበር ኣሎ (1ጴጥ. 2, 4-10)፡ ስለዚህ ድማ ሓድነት እናተጓዓዝካ ዝኸውን ምኻኑ እናደጋገምኩ ክገልጾ ዝፈትው እዚ ድማ ብሓባር ክንጓዓዝ እንከሎና ከም ኣሕዋት ክንራኸብ እንከለና ብሓባር ክንጽልን ወንጌል ኣብ ምብሳርን ነቶም ዝተናዕቁን ዝተገፍዑን ድኻታትን ኣብ ኣገልግሎትን ክንተሓባበርን እንከሎና ድሮ ሱታፌ ንነብር ከምዘሎና ንምዝኽኻር እዩ። እቲ እጹብን ድንቅን ቲዮሊጊያን ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን መጽናዕቲታትን ሕጂ እውን ዝገማምዑና ሎሚ በቲ ንቤተ ክርስቲያን ሕሹኽ ዝብል ብድላይ መንፈስ ቅዱስ ዝኽወን ብምዃኑ ከመይን መዓስን ምዃኑ ከየስትውዓልናሉ ኣብዚ ነዊሕ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክስገሩ እያቶም።

ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ሓድነት ስሩዕነት ኣይኰነን። ናይ ቲዮሎጊያውን ሊጡርጊያን መንፈሳውነትን ሕገ ቀኖናውነትን ፍልልያት ኣሎ… እዚ ፍልልይ’ዚ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ኣብ ናይ ሓዋርያነት ብልሓትን ጥበብን ዝጸንዑ ክሳብ ዝዀኑ ሃብትታት እምበር ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ስግኣት ኣይኰኑን። ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ፍልልያት ምዕባጥን ምዕፋንን ነቲ ብዝተፈላለየ ህያባቱ ብዙሕነት ዝዓደለና ንማሕበርሰብ ኣመንቲ ብዝተፈላለዩ ህያባቱ ዘሀብትምን ዝዓይን መንፍስ ቅዱስ ምቅዋም እዩ ዝኸውን።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ታሪኽ ጉዕዞታት ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ጉዕዞ ሎሚ እውን ዘሳቕይ ተመክሮ ኣንቢሩ ዝሐለፈ ገለ ገለ እዋን ተመኵይሩ እዩ፡ ከይኑ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ምስ እንፈቅድ ሃብትታትን ብዙሕነትን ፍልልያዊ መለለይታትን መገራጨውን ናብ ግጭት ዝድርኹ ምኽንያት ኣይክዀኑን እያቶም፡ ስለምንታይ እቲ ብዙህነት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ንኽንነብሮ ስለ ዝድርኸና፡ ናይቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዕማም ድማ ቅኑዕን ሕጋውን ቅቡልን ርትዓውን ዝዀኑ ብዙሕነትን ምኽባርን ምስቲ እግዚኣብሔር ዝሓትተና ግብረ ኣሃድነት ክዕረቕ ዘይኽእል ዘረሓሕቕ ጭንፋረ ወይ ድማ ክዕረቕ ዘይኽእል ፍልልይ ንኽስገሩ ምስናይ እዩ። ጽኑዓት ዝኣመሰሉ ፍልልያት ከየልመሱና ኰይኑ ግና እቶም መሰናኽላት ብዓወት ብሓባር ክንገጥሞም ዝድርኹና ክዀኑ እዩ ዝግብኦም።

ኣብ መወዳእታ ኣሃድነት ስሕበት ወይ ድማ ምጽየት ኣይኰነን። ናይ ክርስቲያን ሓድነት ኣንሳሕብ ዝብል ኣይኰነን። ስለዚህ ገለ ገለ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሱ  መለለዪ ናይ እምነት ታሪኹ ምኽሓድ ኣለዎ ዝብል ወይ ድማ ግብረ ምስዳዕ ሃይማኖት ንጉዕዞ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ስሚ ዝዀነ ተግባር ከም ቅብሉ ገይሩ ምሕሳብ ማለት ኣይኰነን፡ እቲ ዝፈላልይ ቅድሚ ምርኣይ ከም ቅዱስ መጽሓፍን ዓበይቲ ናይ ቀዳሞት ናይ ኣሃድነት ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ዝኣመስሉ ሓደ ዝገብሩና ኣገዳስነት ዘለዎም ሃብቲታትና ምስትውዓል የድሊ።

በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልና ኣንሕና ክርስቲያን ኣብቲ እንኰ ዝኾነ ጐይታን መድሕንን ኢየሱስ ክርቶስ ዝኣምኑ ብሓባር ነቲ ሓደ ዝገብር ቓል ኣምላኽ ክእዘዙ ዝጽዕሩን ዝደልዩን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንፋለጥ እዩ። ናይ ሓድነት ጻዕሪ ሓቅነት ዝህልዎ ጥማቴ ናብ ገዛእ ርእሱን ናብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀመርን ናይ መካትዒ ሓሳብ ዝስሕብ ዘይኰነስ እቲ ክስትውዓልን ክድመጽን ንዓለም ክምስከርን ዝሓትት ቃል ኣምላኽ ክስትውዓል ምስ ዝገበር ጥራሕ እዩ። ምእንቲ’ዚ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያን ክውድሩን ንኽበላለጹን ዘይኰነስ ንኽተሓባብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ሉንድ (ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን) ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እቲ ኣብ 1952 ዓ.ም. ዝተቐመረ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሕብረት ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያን “እቲ ናይ ሓባር ናብራ ዓሚይቕ ሽግር ካብ ዝዀነሉ እዋን ወጻኢ ኩሉ ነገር ብሓባር ክገብሩ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ሰነድ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ከስተውዕል ገይሩኒ እዩ።

ኣብ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ንእትገብርዎ ጻዕሪ አመስግን ጸሎተይ የረጋግጸልኩም ስለይ ኣብ ጸሎትኩም እምነት ኣሎኒ። እግዚኣብሔር ይባርኽኩምን ማርያም ትዓቅብኩምን። እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.