2016-11-08 16:04:00

ማሕበር ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዓለም


ዓለም ሓቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ናይቲ ማሕበር ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዓለም እንታይን ከመይን ከምዝመስል ዝሕብር መበል ዓሰርተው ሰለስተ ናይ 2016 ዓ.ም. ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ዕለት 15 ሕዳር 2016 ዓ.ም.  ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 11 ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቖጻጽራ ኣብቲ ናይቲ ጳጳሳዊ መሰል ዘለዎ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ክቐርብ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ኣፍሊጠን።

እቲ ሰነድ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ናይ ዝቐርብ ጸብጻብ ዘይኰነስ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከመይ ከምዝመስልን ክሳብ ክንደይ ዝኽበርን ኣበይ ሃገራት ዝገሃስን ዝኽበርን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክፍሊ ናይ ሕገ መንግስተን ዝገበራ ሃገራት ክሳብ ክንደይ ዘኽብረኦ ከምዝዀናን ብሓፈሻኡ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብኣሃዝን ብስእላዊ መግለጽን ዝተደገፈ ጸባጻብ ኰይኑ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ተመስሎኡ ዘነጽር ምዃኑ ቱፋኒ ሓቢረን፥ ኣቲ ንዝሳቐያ ኣቢያያተ ክርስቲያን ሓልዮ ጳጳሳዊ መሰል ዘለዎ ማሕበር በቢ ዓመቱ ዘቕርቦ ጸብጻብ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ብዙሓት ኣቃልቦ ናይ መንግስታትን ናይ ዓለምን ክፍለ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ናይ ሃይማኖት ተቛማትን መናብርተ ጥበብን ኣቃልቦ ይስሕብ ምህልዉ ድማ ኣዘኻኺረን እቲ ዕለት 15 ሕዳር 2016 ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጠይና ማርኮ ታርኵይኖ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ኣቦ መንበር ኣልፍረዶ ማንቶቫኖ ዛዕባ እቲ ሰነድ ኣመልኪቶም ናይ መእተዊ ዘረባ ክቕርቡን ቀጺለን ናይቲ ናይ 2016 ዓ.ም. መጽናዕታዊ ሰነድ ኣሳናዳኢ ኰይኑ ናይ ዘገልገለ ዘሎ ኮሚቴ ዘጋብያን ኣባል ማርታ ፐትሮሲሎ እውን ዘረባ ከስምዓ ከምዝዀና ኣፍሊጠን ቀጺሎም ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ጳጳሳዊ መሰል በዓል ቤት ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛን፡ ነበር ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስትን እዋናዊ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕገ መንግስቲ ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዋና ዳይና ፕሮፈሰር ጁሊያኖ ኣማቶን ዘረባ ከስምዑን ካብ ሶሪያ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኣብ ሃሳከ ኒሲቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃኰይስ በሕናን ሂንዶን ቃል ምስክርነት ክህቡ ምዃኖም ኣመልኪተን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማሕበር ሓልዮ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ 1947 ዓ.ም. ኣብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትሳደደሉ ከባቢ ዓለም ንዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካይድኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝድግፍን ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ስቓይን መከራን ዘለሉን እትሳደደሉን ከባቢ ኩሉ ተልእኾኣ ነኸተካይድ ዝድግፍን ጳጳሳዊ መሰል ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክኸውን እንከሎ ኣብ 2015 ዓ.ም. ካብቲ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ዝርከባሉ 22 ሃገራት ብጠቕላላ ዝረኸቦ 124 ሚሊዮን ኤውሮጳ ኣብ 146 ሃገራት 6,209 ውጥናት ኣብ ፍጻሜ ንኽበጽሑ ከምዝገበረ ቱፋኒ ኣፍሊጠን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.