2016-11-05 16:12:00

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰብን ንሓደስቲ ጊልያነት ዝዳርጉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ምውጋድ


ኣብዚ እዋናዊ ዓለም ፍጥረት ሰብ ንዝተፈላለዩ ጸያፍ ተግባራት መጋበይ ክኸውን ኣሕሊፍካ ንምሃብን እዚ ተግባር’ዚ ሓደ ከም ናይ እቶት ምንጪ ገይሮም ዝጥቀምሉ ሓዲስ ጊልያነት ከም ሓደ ኢንዳስትሪ ኰይኑ እንክንገር ዕዳጋ ዝህሉ ጠለብ ምስ ዝህሉ እዩ ስለዚህ ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአይ ዘሎ ወዲ ሰብ ከም ግኡዝ ንምሻጥን ምልዋጥን ሓደጋ ዘቃልዕ ሓድሽ ጊልያነት ንምውጋድን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሓይልን ዓቕምን ዘተሓባብር ብናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ዝቖመ ጸረ ንግድ ሰብ ዝቃለስ ማሕበር ካብ ዕለት 6 ሕዳር ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዘካይዶ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሮማ ክካየድ ምዃኑ ዕለት 4 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስት መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰንዳኢ ኰምቴ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ዝየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪተን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ካብ ዘስምዑ ሓንቲ ናይቲ ጸረ ንግድን ምዝመዛን ሰብ ዝቃለስ ማሕበር ኣባል ናይጀሪያዊት ድንግል እናቴ ሞኒካ ኪክወ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ንግድን ምዝመዛን ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ እዋንና መሽሮ እዩ። ብሓቂ ሕብረተሰብን ኣባይቲ ስድራን ሕይወት ብዙሓትን የዕንው ኣሎ። ምውጋኡ ናይ ኵሉ ሓላፍነ እዩ ኢለን፥ ኣተሓሒዘን ናይጀሪያ በቲ ንግድን ምዝመዛን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ብዙሓት ደቀ ንስትዮ ዝመጻላን ናብ ፈቐዶ ሃገራት ኤውሮጳ ብናይ ገበን ጉጅለታት እናተሃድና ዝለኣኻ ከምዝዀናን እቲ ምዝመዛን ንግድ ሰብን ካብ ምውፋር ኣብ ምዝመዛ ናይ ሕርሻ ኢንዳስትርን ንግድ ናይ ውሽጢ ኣካልን ንኣመንዝራነትን ኣብ ምድራግ ዝቖመ እዩ። በዚ ጥራሕ ዝጠቓለል ኣይኰነን ብዙሕ ዓይነት ሓድሽ ጊሊያነት ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ጊልያነት ጠሪሹ ክውገድ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ቅድም ቀዳድም መግሥታት ንግድ ሰብ ከም ጸረ ሰብኣዊ ዓቢይ ገበን ተባሂሉ ክግለጽን ነዚ ገበን ዝምልከት ፍሉይ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ከእውጁን ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝረአይ ምእዋጅ ጥራሕ ዘይኰነ ናይቲ ሕጊ መፈጸመ መምርሒታት ብምሕንጻጽ ኣብ ግብሪ ኣብ ምዓሉ ክዓዩ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ብማሕበራት ደናግል ኣቢላ ንግፉዓትን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡን ብዝተፈላለዩ መጋበሪያ ኣከይ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ፍጥረት ሰብ ተገልግልን ካብቲ ዝወደቕሉ ሕሰም ንምልቓቕ ዘኽእሎም ሰብኣውን መፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ደገፋት ተቕርብ እያ፡ ካብ 1980 ዓ.ም. ንደሓር እውን ኣብ ቤት ደናግል መእለያ ነተን ኣብ ኣመንዝራነት ሕይወት ዝወደቓን ብዝተፈላለዩ ናይ እከይ ጉጅለታት ዝህደናን ነተን ኣብቲ እከይ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝግህስ ተግባር ዝተዳርጋ ካብቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ እናመንዘዐ ሓራ ንዝወጻ ክቕባላን ክሓንጻን ዕድል ፈጢራ እያ ስለዚህ ነዘን ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ንዝወደቓ ኣሕዋት መእንገድን ካብቲ ዝወደቓሉ ክብሪ ዝሓክኽ ተግባር ክወጻን ዝእንገዳሉ ኣባይቲ ምስፋሕ የድሊ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.